ቅድስቲ መንበር ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ንዓለማዊ ሓደጋ ከምዘዕብዮ ተጠንቅቕ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅድስቲ መንበር ኣብ ኑክልየሳዊ ምክልኻል ዘመናውነት ኣጽዋር ምምሕያሽ ከምኡውን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ኣብ ወተሃደራዊ ስርዓት ምትሕንፋጽ ንዓለም ናብ ሓደገይና መገዲ የእትዋ ከም ዘሎ ተጠንቅቕ።
ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝሓለፈ ረቡዕ ዕለት 29 ሚያዝያ ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ እተገብረ መበል ዓሰርተ ሓደ ናይ ገምጋም ዋዕላ ውዕል ዘይምዝርጋሕ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ነቲ ህሞት "ዓሚቝ ናይ ስሕበት ሓይሊ” እንክብሉ ብምግላጽ፡ እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ስነ ፖለቲካዊ ኣቀማምጣ መልክዓ ምድሪ ውጥረትን ኣጽዋር ናይ ምቁጽጻር ስርዓት እናደኸመ ይኸይድ ምህላዉን ብዛዕባ ምምላስ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ምስ ኣጠቓቕማን ምፍታንን እተተሓሓዘ ምፍርራህ ኣዚዩ ዘተሓሳብ ምዃኑ ከም ዘጒልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ዝረአ ዘሎ ካብ ብዝሓ ጎናዊ - ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ምርሓቕ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብምጥቃስ ካብ ብዙሓ ጎናውነት ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ምርሓቕ እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ እንክብሉ ጓሂኦም ገሊጾም፡ ኣብ ዘተን ሓባራዊ ስምምዕን እተመስረተ ስነ ሜላዊ ክርብ በቲ "ኣብ ሓይሊ እተመስረተ" ስነ ሜላዊ ርክብ ይትካእ ኣሎ ቢሎም - ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ኑክልየሳዊ መሳለጥያታት እተፈጸመ መጥቃዕትታት ዓለምለኻዊ ድሕንነት ዘዕቍብ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ መዐቀኒታት ከም ዘዛብዕ ዚሕብር ምልክት ምዃኑ እውን ኣጒሊሖም፡ ብፍላይ ድማ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ኣብ ውሳነታት ኑክልየስ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ተራ ስክፍታኦም ገሊጾም፡ ቅድስቲ መንበር ከምዚ ዓይነት ስርዓታት ኣብ እዋን ቅልውላው ንደቂ ሰባት ናይ ምምይያጥ ግዜ ከም ዝቕንሱን "ናይ ጌጋ ስሌት ሓደጋ" ከም ዝውስኽን ንግብረ ገባዊ ክብደት ናይ ህይወትን ሞትን ምርጫታት ከም ዘጸልምት የጠንቅቑ።
ምፍታሕ ኣጽዋር፡ ዘይምዝርጋሕ ኣጽዋር፡ ሰላማዊ ኣጠቓቕማ ኒዩክልየሳዊ ጸዓት
ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ማእከልነት ውዕል ዘይምዝርጋሕ ኣጽዋር ደጊሞም ብምርግጋጽ፡ ሰለስተ ዓምድታቱ ማለት ምፍታሕ ኣጽዋር፡ ዘይምዝርጋሕ ኣጽዋርን ሰላማዊ ኣጠቓቕማ ኒዩልየሳዊ ጸዓትን ንኣህጉራዊ ሰላምን ጸጥታን ኣገደስቲ ምዃኖም ገሊጾም፡ ብዛዕባ ምፍታሕ ኣጽዋር፡ ዓንቀጽ 6 ናብ ኒዩክልየሳዊ ምውጋድ ዝወስድ ዘተ ንምክያድ ቀያዲ ግዴታ ከም ዝገብር ኣስሚሮም። እዚ ቀያዲ ግዴታ እዚ ኣብዚ እዋን እዚ ኑክልየሳዊ ሓይልታት ኣጽዋር ዘመናዊ ኣብ ዝኾነሉን ዝሰፍሓሉ ዘሎ እዋን እቲ ገታኢ መትከላት ዝያዳ ህጹጽ ምዃኑ ብኣጽንዖት የመላኽቱ።
ከምዚ ዝኣመሰለ ዝንባለታት “ነቲ ድሮ ብስነ ሜላውን ግብረ ገባውን መዳይ ኣብ ሕቶ ምልክት ዝኣተወ ረባሕታ” ከደልድሎ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቖም። ኣብ ምዕጋት ምጽጋዕ "ኣብ ሕግን ምትእምማንን ዘይኮነስ ብስግኣት ሓይሊ ዝቕጽል ኣብ ሓድሕዳዊ ተቓላዕነት ዝተመርኮሰ ኣቀራርባ ድሕነት" ዘንጸባርቕ ምዃኑ ወሲኾም ይሕብሩ።
ኣዕናዊ ሰብኣዊ ሳዕቤናት
ቅድስቲ መንበር ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ዝኸተሎ ኣዕናዊ ሰብኣዊ ሳዕቤናት ብምዝካር፡ ነቲ ንግብረ ገባውን ሕጋውን መዋቕራት ምፍታሕ ኣጽዋር ዘጠናኽር እዩ ቢላ ዝገለጸቶ ውዕል ምኽልካል ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ከም እትድግፎ ደጊሞም ከም ዝረጋገጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ኣብቲ ነዊሕን ንጹርን መግለጺኡ፡ ኣብ ዘይምዝርጋሕ ኣጽዋር እውን ኣተኲይሮም፡ ዝሓየለ ሓለዋታት ኣህጉራዊ ትካል ኣቶማዊ ጸዓትን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ካብ ኒክልየሳዊ ኣጽዋር ነጻ ዝኾነ ዞባ ንኽህሉ ዳግማይ ደገፍ ክግበርን ጸዊዖም፡ "ብዘተን ሓላፍነታዊ ጽምዶን ሱር ጠንቂ ዘይውሕስነት" ከይተፈትሐ ምርግጋጽ ንበይኑ እኹል ከምዘይኮነ ከም ዘስመሩሉ ኣፍሊጡ።
"ሰላም ኣብ ፍርሒ ክምስረት ኣይክእልን እዩ”
ኣብ ሰላማዊ ኣጠቓቕማ ኑክልየሳዊ ጸዓት ብዝምልከት ቅድስቲ መንበር፡ ሃገራት ግዴታአን ምስምማዕ ኣብ ሕክምና ሕርሻ ውሕስነት መግቢ ከምኡውን ኣከባብያዊ ዕቝባ ዘለዎ እወታዊ ሓይሊ ኣጕሊሖም፡ ንሰላማዊ ዕላማታት ኑክልየሳዊ እደ ጥበብ ናይ ምምዕባል መሰል ከም ዘለወን ደጊማ ከም እተረጋግጹ ኣነጺሮም፡ ኣብ መደምደምታ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 "ኣጽዋር ዘፍትሕን ኣጸዋር ዝፈተሐን ሰላም" ንኽህሉ ዘቕረብዎ ጻውዒት ብምዝካር፡ ናይ ሓቂ ሰላም ኣብ ፍርሂ ክምርኰስ ከም ዘይክእል ኣስተብሂሎም፡ ኣብ ክንዳኡስ ኣብ "ምትእምማንን ምይይጥን ኣፍልጦ ሓባራዊ ሰብኣውነትና" እተመስረተ ኪኸውን ኣለዎ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።