ቅድስቲ መንበር፡ ምፍታሕ ኣጽዋር ውሑስ ሰላም ንምርካብ እንኮ ሓቀይና መንገዲ እዩ!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ፍትሓውን ውሑስን ነባሪን ሰላም ኣብ ሓደ ዓንዲ እዩ ዝዓርፍ፡ ንሱ ድማ ምፍታሕ ኣጽዋር እዩ። ነዚ ንምዕዋት፡ ከምኡ’ውን ናብ ፍጹም ምውጋድ ኒክልየሳዊ ኣጽዋር ንምብጻሕ ዘድሊ መንገዲ፡ ብውዕል ምኽልካል ኑክልየሳዊ ኣጽዋር (TPNW) ዝተነጸረን ዝተቐመጠን እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ቅድስቲ መንበር ንኹለን ገና ነቲ ውዕል ብሃገራዊ ደረጃ ዘይተቐበለኦ ሃገራት ኣጽዲቐን ክጽንበራኦ ሓቲቶም፣ ወትሩ ኣብ ማእከል ኣስተንትኖ “ኣጠቓቕማ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ዘስዕቦ ኣዕናዊ ሰብኣውን ከባብያውን ሳዕቤናት፡ ከምኡ እውን እዚ ኣዕናዊ ሳዕቤናት ኣርሒቑ ዝኸይድ ዶባትን ወለዶታትን ዝሰግር እዩ” እንክብሉ ዕለት 1 ግንቦት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኒውዮርክ ብምኽንያት እቲ ካብ ሚያዝያ ዕለት 27 ክሳብ ዕለት 22 ግንቦት ኣብ ዘካይዶ ዘሎ መበል 11 ገምጋሚ ጉባኤ ውዕል ዘይምዝርጋሕ ኣጽዋር ዝተሳተፉ ዘለዉ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዘጒልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ነባሪ ሰላም
ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ “ኣብ መሰረታት ኣህጉራዊ ድሕነት ጸቕጢ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ ዘመን፡ ንነባሪ ሰላም ዘድልዩ ቀንዲ ኩነታት ኣብ ግምት ምእታው ወሳኒ እዩ - ቢሎም - ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ምፍታሕ “ኣብ ፍርሕን ኣብ ስግኣት ሓይልን ኣብ ምቕጻል ሓድሕዳዊ ተቓላዕነትን ዝተመስረተ ኣገባብ ድሕነት” ንምብዳህ ዝዓለመ እዩ፣ እዚ ድማ “ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ንሰላም ርጉእ ወይ ነባሪ መሰረት” ከቕርብ ፈጺሙ ኣይክእልን እዩ። ቅድስቲ መንበር ከም "ኑክልየሳዊ መደረታት እንደገና ምጅማሩን ዘመናዊ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ምስፋሕን ከምኡውን ሰረተ-እምነት ምክልኻል ንምቕናስ ዝድርኽ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ብዝዀነ መገዲ ምምዕባል" ዝኣመሰለ ዘጨንቕ ኣንፈት ጠቒሳ ኣላ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ "ንነዊሕ እዋን ርግኣትን ግልጽነትን ምትእምማንን ኣበርክቶ ዝገበረ" ኣብ ምቍጽጻር ኣጽዋርን ምፍታሕ ኣጽዋርን ዝግበር ስምምዓት ዘዕንው ኢዩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ምውጋድ
ምሉእ ብምሉእ ምውጋድ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር፡ “ናይ ርሑቕ ባህጊ ዘይኰነስ፡ ናብ ዝያዳ ፍትሓውን ውሑስን ነባርን ሰላም ንምብጻሕ ዝቐንዐ ጭቡጥን ተኣማንን ስጕምትታት ዝሓትት ኣድላዪ ሓላፍነት እዩ - ቢሎም ብዛዕባ “ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ሓዊሱ ዝቕልቀሉ ዘለዉ እደ ጥበባት ናብ ኑክልየሳዊ ስርዓታት” ቅልጡፍ ምውህሃድ ዘሰክፍ ምዃኑ ገሊጾም፡ “ናይ ኑክልየሳዊ ሓደጋ ምንካይን ምጉዳልን ስጉምትታት ምስጓም ከምዘድሊ” ደጊሞም ብምጒላሕ፣ “ተራ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ኣብ ጸጥታዊ ሰረት መትከል” ምድራት ከምዘድሊ፣ ከምኡ’ውን መሰረታዊ ኣገዳስነት “ግሉጽነት ምዕባይ፣ ከምኡ’ውን ምሕያል መስመራት ርክብ” ኣብ ግምት ብምእታው” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።