ካርዲናል ፓሮሊን፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መንገዶም ንቕድሚት ብምኻድ ሰላም ይሰብኩ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መንገዶም ንቕድሚት ይኸዱ፣ ብመንጽር ወንጌል ምስባኽ፣ ሰላም ምስባኽ – ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ – ኣብ ምቹእ ወይ ዘይምቹእ’” ኵነታት፡ ነዚ ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ጐድኒ እቲ ኣብ 1956 ብኣባ ቅዱስ ፓድረ ፒዮ ዝተመስረተ ኣብ ሳን ጆቫኒ ሮቶንዶ ዝርከብ ቤት መቃለሊ ስቓይ ተባሂሉ እተሰምየ ቤት ሕክምና ኣብ እተኻየደ ጽምብል እቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ዶናልድ ትራምፕ ብዛዕባ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዕለት 5 ግንቦት ዝበሎ እንታይ ትብሉ ዝብል ካብ ሓደ ጋዜጠይና ንዘቕረበሎም ሕቶ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ኮይኑ ብጹዕነቶም ኣስዒቦም ዕለት 7 ግንቦት ናይ ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ ሚኒስትር ጉዳያ ወጻኢ ማርኮ ሩቢዮ ናብ ሃገረ ቫቲካን ምብጻሕ ከካይዱ ምዃኑ እውን ይሕብሩ።
“ኣብ ቅድሚ እዚ ሓድሽ መጥቃዕቲ’ውን እንተኾነ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምላሽ ዝህቡሉ ኣጋጣሚ ክረኽቡ ድዮም ኣይክረኽቡን ኣይፈልጥን እየ - ቢሎም - ቅድም ክብል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ እዋን ሓዋርያዊ ጉዕዞ ናብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከም ዘሎ እዩ እንክብሉ ደጊሞም ቅዱስ ኣቦና ዝሃብዎ መልሲ ብምዝካር “ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ድሮ ምላሽ ሂቦም ኣለዉ፤ ኣነ ዋላ ሓንቲ ኣይምወሰኽኩን” እንክብሉ ኣስሚሮም፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝሃብዎ መልሲ “ኣዝዩ ክርስትያናዊ መልሲ እዩ፡ ግደኦም ዝጠልቦ ድማ ይገብሩ ኣለዉ፡ ንሱ ድማ ሰላም ምብሳር እዩ። እዚ ባህ ዘብል ይኹን ኣይኹን ካልእ ጉዳይ እዩ” እንክብሉ እጒሊሖም "ኩሉ ሰብ ኣብ ሓደ ገጽ ከምዘይኮነ ንርዳእ ኢና። ግና መልሲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምኡ እዩ" ዝብል መልሲ ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።