ካርዲናል ፓሮሊን፦ ኣእምሮኣዊ ጥዕና መንእሰያት መዋቕራዊ ግብረ መልሲ የድልዮ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን፣ ነቲ ንመንእሰያት ዝጸሉ ዘሎ ኣእምሮኣዊ ጥዕናን ቅልውላዋቱን ኣመልኪቶም፣ "መዋቕር ዝሓትት ህጹጽ ኵነታት" ብምባል ገሊጾም፣ ኣብዚ ዘመን ዘሎ ሕብረተሰብ መብዛሕትኡ ግዜ ንመንእሰያት "ኵሉ ዓይነት መገድታት እምበር ዕላማ ኣየቕርበሎምን ዘሎ" ብምባል ኣጠንቀቑ።
እዞም ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር፣ ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ካሲና ፒዮ ራብዓይ ዝተሰምየ ህንጻ፣ ምስ ሚኒስተራት ትምህርትን ሊቃውንትን ኣህጉራውያን ክኢላታትን ኣብ ዝተኻየደ ኣህጉራዊ ዓውደ ጉባኤ፣ "ካርታታት ተስፋ ዞባዊ ትምህርታዊ ኣጀንዳን ኣእምሮኣዊ ጥዕና ኣብ ዲጂታላዊ ተክኖሎጂን ትምህርትን" ኣመልኪቶም መደረ ኣቕሪቦም።
ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብቲ ዘካፈልዎ መደረ፣ ትምህርቲ "ዓንዲ ማእከል ሓድነትን ሰብኣዊ ምዕባለን ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራን ከምኡ ውን ማሕበራዊ ፍትሕን እዩ" በሉ። ይኹን እምበር ኣብዚ እዋን እዚ ሥርዓተ-ትምህርቲ ሓደስቲ ብድሆታት ከም ዜጋጥሞ ዘሎ ኣመልከቱ፣ ገለ ኻብዚ ኸኣ ምሉእ ሰብኣዊ ህንሰት ውልቀ-ሰባት፣ ማሕበራውን ስምዒታውን ምዕባለ፣ ንተኣፈፍቲ ምዕቋብን፣ ሓላፍነት ዝስምዖ ምትሕብባር ዲጂታላዊ ተክኖሎጅን ከም ዝሓትት እውን ኣስመሩሉ።
ዓለም ለኻዊ ኪዳን ሥነ-ትምህርቲ
ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ወሲኾም፣ ነዚ ብድሆታት እዚ ብእተኸፋፈለ ስጕምትታት ክፍታሕ ከም ዘይክእልን፣ የግዳስ "እተወደበ ብዙሕ ስፍሓት ዘለዎን ነዊሕን ምትሕብባር" ከም ዘድልዮ ደጊሞም ኣመልከቱ።
ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ 2019 ዓ.ም. ዝጀመርዎ ዓለምለኻዊ ውዕል ትምህርቲ ብምዝካር፣ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝጸሓፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ኣመልኪቶም ብዛዕባ ሥነ-ትምህርቲ መሰረታዊ ሓሳባት ኣካፊሎም፣ እዚ መልእኽቲ ቅዱስነቶም እዚ ድማ፣ ሕውነትን ሰላምን ፍትሕን ከማዕብል ዝኽእል ዓለምለኻዊ "ትምህርታዊ ኪዳን" ክግበር ጻውዒት የቕርብ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝጠቐስዎ ሰለስተ ቐዳምነት ዝወሃቦም ነገራት እውን ብፁዕነቶም ጠቒሶም ይርከቡ፦ ውሽጣዊ ህይወት ምክንኻን፣ "ኣብ ሰብ ዘተኰረ ዲጂታላዊ ባህሊ" ከምኡውን ሥነ-ትምህርቲ ንሰላም ምምዕባል።
ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣስዒቦም፣ ኣብ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ብምትኳር፣ እቲ ብዛዕባ መንእሰያት ዝምልከት ሓበሬታ "ብብዙሕ መገድታት ዘሻቕል" ምዃኑ እውን ገለጹ።
ዘይፈላለ ሓድነት ኣካልን ኣእምሮን መንፈስን
ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ቀጺሎም፣ ነቲ ጕዳይ ናብ ናይ ጥዕና ጸገም ጥራይ ከይንቕይሮ እውን ኣጠንቀቑ።
"ቤተ-ክርስትያን ኵሉ ሳዕ ሰብኣዊ ኣካልነት ኣብ መንጎ ኣካላን ኣእምሮን መንፈስን ዘይፈላለ ሓድነት ምዃኑ ትምህር እያ" እውን በሉ፣ ወሲኾም ድማ ንዝዀነ ይኹን ካብዚ ስፍሓት እዚ ዕሽሽ ዝብል ትምህርታዊ ቅጥዒ፣ "ዘይምሉእ" ምዃኑን፣ ንሰብኣዊ ድሌታት ምሉእ ምላሽ ኪህብ ከም ዘይክእልን ገለጹ።
ኣብ ክንዳኡስ ትምህርቲ ንመንእሰያት ፍልጠትን ክእለትን ጥራይ ዘይኰነስ፣ ንገዛእ ርእሶም ንኽርድኡ ስምዒታቶም ንምቍጽጻር ትርጕም ዘለዎ ርክብ ንኽምስርቱን ከምኡውን ዕላማ ህይወት ንኽረኽቡን መሳርሒታት ክህቦም ከም ዘለዎ ኣመልከቱ።
ነዚ ራእይ እዚ ምስቲ ክርስትና ብዛዕባ "ሓልዮት ነፍሲ" ዘለዎ ምርዳእ ኣተሓሒዝዎ ድማ ይርከቡ፣ እዚ ኸኣ መብዛሕትኡ ግዜ ብቛንቋ ማሕበራውን ስምዒታውን ክእለትን ስነ-ኣእምሮኣዊ ድሕንነትን እዩ ዝግለጽ ክብሉ እውን ኣተሓሳሰቡ።
ግደ ኣብያተ ትምህርትን ስድራ ቤታትን
ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ንኣብያተ ትምህርትን ስድራ ቤታትን ዘለዎም ኣገዳሲ ግደ እውን ኣጕልሑ።
ኣብያተ-ትምህርቲ ነፍሲ ወከፍ ተመሃራይ "ዝርኣየሉን ዝስዓሉን ዝስነየሉን" ኪኸውን ከሎ፣ ስድራ ቤታት ከኣ ግቡእ ደገፍ ምስ ዝረኽቡ ንቘልዑን መንእሰያትን እቲ ዝሓየለ መዕቆቢ ዝኾነ ረቛሒ ኪኸውን ከም ዘለዎ ገለጹ።
ዲጂታላዊ ምዕባሌታት
ናብ ኤለክትሮኒካዊ ተክኖሎጂ ምልስ ብምባል ድማ፣ ብፍላይ ኣብ ከም ኢቤሮ-ኣመሪካ ዝኣመሰሉ ዓበይትን እተፈላለዩን ዞባታት ዘሎ ዘይማዕርነት፣ ኣብ ምንካይ ዓብዪ ናይ ሥነ-ትምህርቲ ተኽእሎታት እውን ኣፍልጦ ሃቡሉ።
እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ እኹል ትምህርታዊ መምርሒ ከይሃለወ፣ ኣብ ኤለክትሮኒካዊ ሃዋህው ካብ መጠን ንላዕሊ ምቅላዕ፣ ንኣእምሮኣዊ ጥዕና መንእሰያት ኣሉታዊ ጽልዋ ኽህልዎ ከም ዝኽእል እውን ኣጠንቀቑ።
"እዚ ብድሆ ንተክኖሎጂ ምቕባል ወይ ምንጻግ ዘይኰነስ ግቡእ ምምሕዳር እዩ ዝሓትት" ብምባል፣ ተክኒካዊ ክእለት ምስ ማሕበራውን ስምዒታውን ቅርጺ ዘጣመረ ዲጂታላዊ ሥነ-ትምህርቲ ክግበር እውን ጻውዒት ኣቕረቡ።
"ናይ ትርጉም ቅልውላው"
ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ከም ዝገለጽዎ፣ ኣብ ማእከል እዚ ቕልውላው ዓሚቝ "ትርጕም ዘለዎ ካልእ ጸገማት" እውን ኣሎ ይብሉ።
ብዙሓት መንእሰያት ሓበሬታ ወይ ኣጋጣሚታት ስለ ዘይብሎም ዘይኰነስ፣ ንህይወቶምን ተስፋኦምን ክርድኡሉ ዝኽእሉ፣ "ትርጕም ዘለዎ ኣከባቢ" ስለ ዘይብሎም፣ ተስፋ ኸም ዝቘርጹ እውን ወሲኾም ኣመልከቱ።
"ንመንእሰያት ኵሉ መገድታት ዝህብ፣ ግን ከኣ ዕላማ ዘይብሉ ሕብረተሰብ፣ ኵሉ ዓይነት ምትእስሳር ዘለዎ፣ ግን ከአ ሓቀይና ርክብ የብሉን፤ ነፍሲ ወከፍ መልሲ ዝወሃብ ዘሎ ብኣንጻሩ ዓሚቝ ሕቶ የብሉን፣ ኣብ መወዳእታኡ ጠንጢኑ ዝሓድጎም ሕብረተሰብ እዩ ዘሎ" በሉ።
ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ መደምደምታ መንግስታት ንኣእምሮኣዊ ጥዕና መንእሰያት ኣብ ትምህርትን ክንክን ጥዕናን ኣብ ሥነ መዕበያን ኣገልግሎት መምህራንን ደገፍ ስድራቤትን እተተሓሓዘ ወፍሪ ዘድልዮ ቀዳምነት ክወሃቦ ከም ዘለዎ ተማሕጺኖም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሃዋርያዊ መልእኽቶም ከም ዝገለጽዎ፣ ንመምህራን ስነ መለኮት "ቀረጽቲ ተስፋ" ክዀኑ ዘቕረብዎ ጻውዒት ብምስምማዕ፣ ትምህርቲ ንመንእሰያት፣ "ምሉእን ናጻን ትርጕም ዘለዎ ህይወት" ንኽነብሩ ዘድልዮም ናውትን ኣገባባትን ንኽረኽቡ ክሕግዝዎም ከም ዘለዎ ብምግላጽ መደረኦም ዛዘሙ።