ሲኖዶስ ኣብ ምምራጽ ጳጳሳት፣ ዝቕልቀሉ ጉዳያት ናይ መወዳእታ ጸብጻባት የውጽእ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ናይ መጽናዕቲ ጉጅለ ቁጽሪ 7ን 9ን ናይ መወዳእታ ጸብጻባት ጳጳሳት ኣብ ምምራጽ መመያ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘረጋግጽ ኮይኑ፡ ንቤተ ክርስቲያን ዘጋጥማ ኣዝዩ ከቢድ ሕቶታት ብኸመይ ከም ዝፍታሕ ንምውሳን ዝተወሰኑ ቲዮሎጊያዊ መዐቀኒታት ከም ዝኽተሉ ዘረጋግጹ እዮም እንክብሉ ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ጳጳሳት ካርዲናል ማሪዮ ግሬች ይሕብሩ።
ብዛዕባ ፍርዳዊ ዕማም ጳጳስ ብዛዕባ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ጳጳሳት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ሓዋርያዊ መንበር ዝገብርዎ ምብጻሕ - ad limina apostolorum ከምኡውን ብዛዕባ ሕንጸት ጳጳሳት ምስትንታን እናቐጸለ ኽነሱ ኣፈናዊ ክፋል ናይ መወዳእታ ጸብጻብ ብዛዕባ መዐቀኒታት ምርጫ ጳጳሳት ተሓቲሙ ኣሎ።
እቲ ጸብጻብ ነቲ ብዘይ መጓሰ ጓሳ የለን ብዘይ ጓሳ እውን መጓሰ የልቦን ዚብል መሰረታዊ ስርዓት የረጋግጽ።
እቲ ብጕጅለ መጽናዕቲ ቍጽሪ 7 ንሕጹያት ጳጳሳት ዝገለጾ ናይ ሲኖዶስ ክእለት ሕብረት ናይ ምህናጽ ኣብ ዘተ ናይ ምስታፍ ዓሚቝ ፍልጠት ናይ ምሓዝ ከምኡውን ሃናጺ ብዝዀነ መገዲ ምስኡ ንምውህሃድ ፍቓደይና ምዃን የጠቓልል።
እታ ጕጅለ ሃዋርያዊት ልኡኽ ቅድስቲ መንበር "ሲኖዶሳውን ልኡካነ ወንጌልን ተክለ ሰብነት" ክህልዎ ጻውዒት የቕርብ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ነዚ ተክለ ሰብነት ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር እዚ ኣብቶም ጳጳሳት ክዀኑ ዝኽእሉ ኣስማቶም ዝቐርብ ካህናት ዘሎ ምዃኑ መታን ንኸለልይ እውን።
እቲ ጸብጻብ ከም ዝገለጾ ነፍሲ ወከፍ ሰበኻ እቲ መስርሕ ምስ መዐቀኒታት ሲኖዶስን ተእኾን ቤተ-ክርስትያንን ዘማልእ እንተ ዀይኑ ንምርግጋጽ በብግዜኡ ናይ መመያ መስርሕ ኪገብር ኣለዎ።
"ናይ ጴጲስቆጶስ ተተካኢ እናቐረበ ምስ ዝኸይድ እቲ ጳጳስ ነቲ ናይ ካህናታ ዋዕላን ናይ ሰበኻ ጉስነታዊ ዋዕላን ክእክብ ኣባላቱ ድማ ብጉባእያዊ ኣገባብ ብዛዕባ ድሌታት እቲ ሰበኻ ርእይቶ ክገልጹ ከምኡውን ስማት እቶም ንጵጵስና ዝበቅዑ ገይሮም ናይ ዝሓስብዎ ካህን ስም ዝሓዘ ልዂት ሰታሪት ከቕርብ ኣለዎ" ይብል። "ዝከኣል እንተ ዀይኑ እቲ ምኽሪ ንካቴድራል (መንበረ ጳጳስ) ምዕራፍ፡ ቤት ምኽሪ ቍጠባ፡ ቤት ምኽሪ ምእመናን ከምኡውን ተወከልቲ ሰብ ውፉይ ህይወትን መንእሰያትን ድኻታትን ዘጠቓለለ ክኸውን ኣለዎ።"
ውፉያትን ዓለማውያንን ኣብ ምምኽኻር ምትእትታው
ጉጅለ መጽናዕቲ ነቲ “ሕንጸታዊ ወፍሪ” ኢሉ ዝገልጾ ነገር የተባብዕ፣ እዚ ድማ ንኹሎም ኣባላት ህዝቢ እግዚኣብሔር ናይ መመያ ዓቕሞም ንኽስሕሉ ንምሕጋዝ ዝዓለመ እዩ።
ንጳጳስ ኣብ ቀጻሊ ሕንጸት ውሉደ ክህነት ዝሕግዙ ውፉያት ጒጅለታት ምፍጣር ሓሳብ የቕርብ። ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ መንበር ጳጳስ ህዙእ ኣብ ዝኾነሉ ኩነታት፡ እቲ ጉጅለ ኣብቲ ሃገረ ስብከት ሽማግለ ክቐውም ሓሳብ የቕርብ፡ እዚ ድማ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር፡ ተክለ ሰብነት ናይቲ ሓድሽ ጓሳን ክኾኑ ዝኽእሉ ሕጹያትን ንምንጻር ክውከሶ ይኽእል እዩ።
እቲ ጕጅለ እቲ ምኽክር ንካህናት ጥራይ ዘይኰነስ ብእተኻእለ መጠን ማዕረ ቍጽሪ ውፉያት ሰብኡትን ኣንስትን ምእመናን ሰብኡትን ኣንስትን እውን ኪሳተፉ ሓሳብ የቕርብ። እቲ ዕላማ፡ ብዝተኻእለ መጠን ነቲ ሓቂ ምሉእ ብምሉእ ንምውጻእ ምዃኑ ይገልጽ።
እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ሓዋርያዊ ኣባይቲ ጽሕፈት ኵርያ ሮማና ኣገባባቶም ብዝያዳ ሲኖዳዊ ኣንፈት ክግምግሙ ይሓትትን ብተወሳኺ ድማ ንመስርሕ ምርጫ በብእዋኑ ዝካየድ ነጻ መልክዓት ገምጋም ክህሉ ሓሳብ የቕርብ።
ቋንቋውን ኣገባባውን ረባሕታታት ምቅይያር
ናይ መወዳእታ ጸብጻብ ጉጅለ መጽናዕቲ ቁጽሪ 9 ካብቲ ኣብ ምዕራፍ 10 – 15 ግብሪ ሃዋርያት ዝርከብ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምስሊ ዝወስድ ኮይኑ፡ እዚ ድማ ንሓድሽነት ወንጌል ከይጠለመ ንባህሊ ብዙሕነት ከመይ ዋጋ ክወሃቦ ከም ዝኽእል ዘርኢ እዩ።
ቤተ ክርስቲያን ነቶም ኣዝዮም ከበድቲ ዝኾኑ ዓንቀጸ እምነታውያን ጓሳውን ስነ ምግባራውን ሕቶታት ኣብ እትምልሰሉ ኣገባብ ለውጢ ረባሕታታት ይእምት።
እቲ መግለጺ “እቲ ሸቶ ሽግራት ንምፍታሕ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብዝተለወጠ ርክብ፡ ሓባራዊ ትምህርቲ፡ ከምኡ’ውን ብግልጺ ሓባራዊ ረብሓ ንምህናጽ’ዩ” ምዃኑ ይገልጽ።
ኣብ ርእሲ እዚውን ናይቲ "መንፈስ ድሮ ዝዓየሉ" ሰማዒ ሓላፍነት ከይወሰደ ወንጌል ኪእወጅ ስለ ዘይከኣለ እቲ ሰነድ "መሰረታዊ ስርዓት ጉስነታዊ ሓልዮት" የቕርብ።
እቲ ጸብጻብ ነዚ ጕዳያት እዚ ንምፍታሕ - ገዛእ ርእስና ምስማዕ ክውንነት ምስማዕ ከምኡውን እተፈላለየ ዓይነት ፍልጠት ምእካብ ዝብሉ ሰለስተ ሜላታት ይዝርዝር።
ብመንፈስ ዚግበር ዘተ ንባህሊ ሲኖዶውነት ቤተ ክርስትያን ንምምዕባል ፍሉይ መሳርሒ ምዃኑ ተዘክሮኡ ይገልጽ።
ጭቡጥ ምስክርነት ከም መሰረት መመያ
እቲ ጸብጻብ እዚ መምርሒታት እዚ ኣብ ተመኩሮ ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ዘለዎም ካቶሊካውያንን ንጡፍ ዘይጎነጻዊ ተግባርን ብጭቡጥ ክትግበር ይጽውዕ።
ብፍላይ ንመልክዓት ዘይጎነጻውነት ብዝምልከት፡ እታ ጕጅለ በቲ ንሰላማዊ ውድቀት ሚሎሼቪች ኣበርክቶ ዝገበሩ ምንቅስቓስ መንእሰያት ሰርብያውያን ብተመክሮን ምስክርነትን ክርስትያን ቀዳመይቲ ቤተ-ክርስትያን ተደሪኾም ዘምጽእዎ ለውጢ ከም ኣብነት የቕርብ።
ኣብ ክልቲኡ ኵነታት፡ ምስክርነት ንስነ-ምግባራውን ቲዮሎጊያውን መመያ ከምኡውን ንኽፉት ሕቶታት ከም መበገሲ ዀይኑ የገልግል በዚ ኸምዚ ነፍሲ ወከፍ ማሕበረሰብ "ነቲ ኣምላኽ ኣብ ታሪኽን ኣብ ተመክሮ ሰባትን ዚገብሮ ሰናይ ኣፍልጦ ናይ ምሃብን ምትብባዕን ሓላፍነት" ኪስከም ይኽእል እዩ።