ድለ

2026.05.09 ፓሮሊን: ኢሰብኣዊ ረብሓታት ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን ንሕብረተሰብ ዜጥፍእ ውግእን የጎሃህሮ 2026.05.09 ፓሮሊን: ኢሰብኣዊ ረብሓታት ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን ንሕብረተሰብ ዜጥፍእ ውግእን የጎሃህሮ  (@VATICAN MEDIA )

ፓሮሊን: ኢሰብኣዊ ረብሓታት ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን ንሕብረተሰብ ዜጥፍእ ውግእን የጎሃህሮ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ምእንቲ ሰላም ኣብ ሃይቲ ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅድስቲ ማርያም ዓብይ ውሽጢ ኣብ ዘሎ ቤተ ጸሎት ስፎርዛ መስዋእተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዝለገዎ ስብከት፡ ኣብ ቅድሚ ስቓይ ዓለም ዝይገደሱ ከይንኸውን ተላብዮም፡ "ኣምላኽ ኣውያት ኩሎም ግዳያት በደልን ድኽነትን ናይቶም ኣብታ ካሪብያን ሃገር ዝርከቡ "ካብ ዓመጽ ንኽላቐቑ ዝምነዩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝሰምዕ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ- ሃገረ ቫቲካን

"ሰላም ኣብ ሃይቲ ንዘልኣለም ይንገስ" እዚ ድላይ እዚ ኣብ ልዕሊ ስቓይ ህዝቢ ካሪብያን ካልኦት ግዳያት ውግእን ንግዲ ሰባትን ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ዝረአ ዘይምግዳስ ዝለዓል ተስፋ ኢዩ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብውልቃውን ኢሰብኣውን ረብሓታት ዝለዓዓል ንብምሉኡ ማሕበረሰብ ዘጥፍእ መዓት ኢዩ። በዘን ቃላት እዚኣተን ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን ዕለት 9 ግንቦት ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ባዚሊካ ቅድስቲ ማርያም ዓቢይ ምንቲ ሰላም ኣብ ሃይቲ ሓሳብ ዝገበረ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝለገስዎ ስብከት ኣበጊሶም፡ ኣብ ሃይቲ ዓመጽ ደው ክብል ጻውዒት ከም ዘቕረቡን ኣብቲ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ዝኣተዉን ኣብታ ዕለት እቲኣ ምስ ቅዱስ ኣቦና ዝተራከቡ ናይ ሃይቲ መራሔ መንግስቲ ኣሊክስ ዲድየ ፊልስ - ኤሜ ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቅልውላው ሃይቲ

ካብ 2021 ጀሚሩ፡ ሃይቲ ምስ ዓመጽ ጕጅለታት ዝተኣሳሰር ተራእዩ ብዘይፈልጥ ቅልውላው ተሓሚሳ ከም ዘላ ዝፍለፍጥ ኮይኑ። 1 ነጥቢ 4 ሚልዮን ህዝቢ ብዕጡቓት ጉጅለታት ከም እተመዛበሉን ንዓመታት ድማ ነዛ ሃገር ኣብ ዕንወትን ሕንፍሽፍሽን ክትጥሕል ከም ዝገበሩን ብመሰረት ላዕለዋይ ኣካል ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2025 ጥራይ ልዕሊ 5,500 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ 2,600 ድማ ከም ዝቖሰሉን፡ እዞም ቁጽርታት እዚኣቶም እውን ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ብምዝኽካር፣  "ከምቲ ዓለም እተቕርበልና መብዛሕትኡ ግዜ ብዓመጽን ምትላልን" ዝጽዓን ሰላም ዘይኮነ ሓቀይና ሰላም የድልየና ኣሎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቀዳማይ ህያብ ናይቲ ካብ ሞት ዝተስአ

እቲ ካርዲናል ዝጸውዖ ዕርቂ እቲ ኢየሱስ ዝደልዮ እዩ "ድሕሪ ትንሳኤኡ ኣብ ቅድሚ ዓቕለሲያዊ ማሕበረሰብ ቀሪቡ ዝሃቦ ህያብ ነቲ ናይ መጀመርታ ስጕምትታት ማሕበረሰብ ኣመንቲ ዝመረሐ እዩ። እምበኣር እዚ "ቀዳማይ ውህበት" እቲ ዝተንስአ ጐይታን "ምልክት ህላወኡን" ዝኾነ ሰላም እዩ። ነዚ ህያብ እዚ ምቕባል ተልእኾ ናይ ምህናጽ ተልእኾ እዩ። "ክርስቶስ ኣብ ዘለዎ ሰላም ይነግስ።" ይኹን እምበር እዚ ዕርቂ እዚ ብጸቕጢ ዘይኮነ ኵሉ ሰብ ብናጻ ሓንጎፋይ ቢሉ ክቕበሎ ዘለዎ ህያብ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣድላይነት ሰላም ኣብ ዓለም

ስለዚ ሰላም ግጭታት ዘይምህላው ማለት ጥራይ ኣይኮነን መበቈሉ "ኣብ ምቕባል ክርስቶስን ክብረት ሰብን" እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ነቶም ዘይኣመንቲ እውን ይዛረብ። ነዚ ሕጂ ዘሎ ኣህጉራዊ ዅነታት ኣለምና ኣብ ግምት ብምእታው ህላወ ኣምላኽን ውህበት ሰላምን ክሳዕ ክንደይ ከም ዘድልያ ኵላትና ኽክግንዘብ ንኽእል ኢና" ኢሎም።

ኣምላኽ ልመና ይሰምዕ እዩ

ኣብ ቅድሚ ብዙሕ መዓት፡ "ኣምላኽ ኣውያት ናይ ኩሎም ግዳያት በደልን ድኽነትን እቶም ኣብ መላእ ዓለም ጸሎቶም ናብኡ ዘልዕሉ ይሰምዕ እዩ"። ስለዚ ኣብ ሃይቲ "ካብ ዓመጽ ነጻ ዝኾነ ሓባራዊ ናብራ፡ ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ዝነብሩሉ" ኩነታት ዝምነዩ ባህጎም ከይተሰምዐ ክተርፍ ኣይክእልን እዩ።

ኣድላዪ ተወፋይነት ማሕበረሰብ ዓለም

እዚ ሕጂ ዘሎ ናይ ፋሲካ ወቕቲ፡ "ዓለም በቲ ሰላም ዚህብ ኣምላኽ ምእንቲ ኽትኣምን" ህላወ ክርስቶስ ክንዝርግሕ ይዕድመና። እዚ ተልእኾ እዚ ኣዝዩ ሰፊሕ ካብ ምዃኑ እተላዕለ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ካብ "ዶባት ሃይማኖታዊ ልምድታትን ባህልታትን" ሓሊፉ "ካብ እተፈላለየ ዓውድታት ዝመጹ ትካላትን ስነ-ፍልጠታዊ ውድባትን ኣመሓደርትን ዘጣመረ ስሩዕ ምትሕብባር ዝጠልብ እዩ። ኵላትና ንሓድሕድና ተሓተትቲ ኣሕዋት ስለ ዝዀንና" ኣድላዪ ተወፋይነት ድማ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ሕግታት ብምኽባር ፍትሒ ምርግጋጽ

ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሓልፍነቱ ክስከምን ስኒት ንምምላስ "ሕግን ሰብኣዊ መሰላትን ብኣኽብሮት ንፍትሒ ክዓዪ" "ብዳግመ ህንጸት ትካላትን ንዜጋታት ክቡር ህይወት ውሕስነት ዝህብ ኵሉ መገድታት ኣብ ግብሪ ብምውዓልን" ዝለዓለ ረብሓ እታ ሃገር ንምርግጋጽ ዝተጸውዐ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሰላም ኣብ ቀጻሊ

ቀጺሎም ዋና ጸሓፊቅ ድስቲ መንበር ካርዲናል ፓሮሊን፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ናይ መወዳእታ ሓዋርያዊ ጉዕዞኦም ኣብ መቃም ኤቻሂድ ሓወልቲ ዝኽሪ ሰማእታት ኣልጀርያ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ "እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ሃገር ሰላም ይምነ"፡ እዚ ድማ ብዕርቅን ይቕረታን ጥራይ እዩ ክረጋገጽ ዝኽእል። "እቲ ሓቀይና ቃልሲ ንሓርነት ብውዱእ ሰላም ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ምስ ዝዕወት ጥራይ እዩ ዝረጋገጽ" እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ዘኪሮም፡ "መጻኢ ናይ ሰብ ሰላም እዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ጸሎት ነቶም ኣብ ኣገልግሎት ዘለዉ

ብጹዕነት ኣብ መወዳእታ ነቶም ኣብ ሃይቲ "ንኣገልግሎት ድኹማት ብሉጽነቶም ዝህቡ" "ናይ ዓመጽ እቲ ዝኸፈአ ገጹ ዘንጸባርቑ" ንማርያም ኣማዕቝይቦም፡ ነቶም ኣብታ ሃገር ሓዋርያዊ ተልእኾኦም ዝቕጽሉ ጳጳሳትን ካህናትን ኣባላት ሰብ ውፉይ ህየውትን ከምኡውን "ኣብ እተፈላለየ ሓላፍነታቶም ነቲ ዝተንስአ ምስዓብ ማለት ንሰላም ደኺመ ከይበሉ ምዕያይ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ገዛእ ርእስኻ ምርሳዕ ዝሓትት ምዃኑ ዝፈልጡ ብዙሓት ሰብ ጽቡቕ ድላይ ሰብኡትን ኣንስትን” ከም ዝዘከሩ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

11 May 2026, 16:16