ድለ

2026.04.27 ናይ ቅድስቲ መንበር ፍጻመታት መአንገዲ ዳስ ኣብ ቨነዚያ ክልተ ዓመታዊ ስነ ጥበባዊ ምርኢት 2026.04.27 ናይ ቅድስቲ መንበር ፍጻመታት መአንገዲ ዳስ ኣብ ቨነዚያ ክልተ ዓመታዊ ስነ ጥበባዊ ምርኢት  (@VaticanNews)

ናይ ቅድስቲ መንበር ፍጻመታት መአንገዲ ዳስ ኣብ ቨነዚያ ክልተ ዓመታዊ ስነ ጥበባዊ ምርኢት

"ኣብ ንኣሽቱ መፋትሕ" ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሐ ብኮዮ ኩኦህ ዝተዳለወ ካብ ዕለት 9 ግንቦት ክሳብ ዕለት 22 ሕዳር 2026 ኣብ ዝካየድ መበል 61 ዓለምለኻዊ ክልተ ዓመታዊ ምርኢት ስነ-ጥበብ ቨነዚያ ቅድስቲ መንበር ሕይወትን ስራሕን ቅዱስ ሂልደጋርድ ዘ ቢንገን ኣስተንፍሶ ብዝገብር ዕዮ ስነ ጥበብ ክትሳተፍ ምዃና ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ 2026 ዝካየድ ክልተ ዓመታዊ ዓለም ሓቆፍ ስነ ጥበባዊ ምርኢት ቨነዚያ ቅድስቲ መንበር ኣብ ኣምር ምስማዕ ኣማእኪላ፡ ብስራሕን ተክለ ሰብነትን ጀርመናዊ ቅዱስን ሊቕ ቤተ ክርስቲያንን ሂልደጋርድ ዘቢንገን ዝተደረኸ ምርኢት ብምቕራ ክትሳተፍ ከምዝኾነ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ እዚ ምርኢት ኣካል ናይቲ ካብ ዕለት 9 ግንቦት ክሳብ ዕለት 22 ሕዳር 2026 ዝካየድ መበል 61 ክልተ ዓመታዊ ኣህጉራዊ ምርኢት ስነ-ጥበብ ቨነዚያ  ኮይኑ፡ ኣብ ክልተ ዝተፈላለየ ቦታታት ዝተነጸረ ቅድስቲ መንበር እተቕርቦ ምርኢት ኣማእኪሉ ዕለት 27 ሚያዝያ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር መንበር ኣብ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ነቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ተሳትፎ ዝመርሑ ናይ ባህልን ትምህርትን ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ኾሴ ቶለንቲኖ ደ መንዶንሳ፡ ነቲ ናይ ቅድስቲ መንበር መደብ “ትዕዝብቲ ዓለም” እንክብሉ ብምግላጽ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 11 ሚያዝያ ምእንቲ ሰላም ኣብ ዝጸውዕዎ ጸሎት መቑጸሪያ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ፡ “ብናህሪ ኣታ እትስዕቦ ዘላ ዘይትፈልጥ ዓለም ክንዋሓጥ ክንፈቕድ የብልናን። ኣብ ክንዳኡስ ብፍጥነት ህይወትን ስኒት ፍጥረትን ቍስሉ ናብ ምፍዋስን ክንምለስ ኣሎና" እንክብሉ ዘስመሩሉ ኣምር መሰረት ዝገበረ ምዃኑ ሓቢሮም፡ ስለዚ ኣብዚ ዓለም ሓቆፍ ስነ ጥበባዊ ምርኢት ግደ ቅድስቲ መንበር “ገዛእ ርእስካ ኣብ ኣስተንትኖን ምስማዕን ክትውስጥ ዕድል ምዃኑ ኣብሪሆም ካብ ውሳጣዊ - ኣገዳሲ ሸነኽ - ፍረ ሰላምን ርክብን መጻኢን ክቕልቀል ተስፋ ንገብር። ኣብዛ ብግርጭትን ወጥሪን ዝተለለየት ዓለም፡ ስነ - ጥበብ ብዙሕ ዘቕርቦ ዕድላት ኣለዎ፡ ስለዚ ድምጾም ዘስምዑ ስነ-ጥበባውያን የድልዩና እዮም። ከምቲ ንነብያት እንሰምዖም ክንሰምዖም ኣለና። ስነ - ጥበብ ሓድሽ ራእይ ዓለም ዘቕርበልና እዩ" ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

29 Apr 2026, 14:43