ድለ

2021.12.26 Famiglia 2021.12.26 Famiglia 

ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤት ዝርከብ ምሉእ ሥነ-ኣከባቢ ዝገልጽ ሰነድ ኣውጺኣ

ናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ጉዳያት ምኡእ ሰብኣዊ ምዕብላና ዝሓሊ ላዕልዋይ ቤት ጽሕፈትን ከምኡውን ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ምእመናን ስድራቤትን ህይወትን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበርን፣ "ምኡሉ ሥነ ኣከባቢ ኣብ ህይወት ስድራቤት" (Integral Ecology in the Life of the Family) ዘርእስቱ ሰነድ ኣሕቲሞም፣ ንስድራ ቤታት ምስ ክንክን ተፈጥሮን ሰብኣዊ ህይወትን እተተሓሓዘ መምርሒታት ድማ የቕርብ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቅድስቲ መንበር ኣብ ውሽጢ ህይት ስድራ ቤት፣ ንፍጥረትን ንሰብኣዊ ህይወትን ኣብ ምክንኻን ዘተኰረ ሓድሽ ሰነድ ኣሕቲማ ኣላ፣ እዚ ድማ "ምኡእ ሥነ ኣከባቢ ኣብ ህይወት ስድራቤት” ዘርእስቱ ሰነድ ኣሕቲማ ኣላ።

እቲ ትማሊ ሰኑይ ዝወጸ ሰነድ፣ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስን፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14ን ንኣውያት ድኻታትን ምድርን ክንሰምዕን ጭቡጥ ምላሽ  ክህቡን ዘቕረብዎ ጻውዒት ጭቡጥ መልሲ ዝህብ ከም ምዃኑ ድማ፣ ነቲ ትማሊ ብዛዕባ እዚ ሰነድ እዚ ዝተኻየደ ጋዜዊ መግለጺ የመላኽት።

እዚ ሓድሽ ሰነድ ኣብ መሰረታዊ ሥርዓታት ናይቲ ድሕሪ ሲኖዶስ ብዛዕባ ስድራቤት ዝወጸ ሓዋርያዊ ማዕዳን “ናይ ፍቕሪ ሃሴትን” (Amoris Laetitia) ከምኡ ውን ኣብ ትምህርትታት ዓዋዲት መልእኽቲ “ስቡህ ኣንተን” (Laudato si’) እተመርኰሰ እዩ።

እዚ ጽሑፍ እዚ ድማ ውጽኢት ናይቲ ኣብ መንጐ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ምሉእ ሰብኣዊ ምዕብልና ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበርን፣ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ምእመናንን ስድራቤትን ህይትን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበርን ዝገበርዎ ሓባራዊ ጻዕርታት ክርከብ ክኢሉ ዘሎ፣ ኣብ ምስንድዋ እዚ ሰነድ እዚ ድማ ሊቃውንቲ ሥነ መለኮትን ኣማኸርቲ ምዕዋት ሰብ ሓዳርን ዝገብርዎ ብቐጥታዊ ተሳትፎ ኢዩ ተኻየዱ።

ስድራ ቤታት ሕብረተሰብ ዚዓብየሉ ባይታ እዮም

"ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ስድራ ቤት፣ ኵሉ ሕብረተሰብ ዝዓብየሉ ፈርያም መሬት እዩ። ንሓባራዊት ቤትናን ንዅሎም ሰባትን ብግቡእ ምእንቲ ኽንከናኸን፣ ስድራ ቤታት ኣርኣያ ክዀና ኣለወን" ክብሉ፣ ላዕለዎት ኣሕሉቕ ናይተን ክልተ ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ማይክል ቸርኒን፣ ብፁዕ ካርዲናል ኬቨን ፋረልን ጽሒፎም ኣለዉ።

"ብዙሓት ስድራ ቤታት  ንሓባራዊ ቤትና ኣብ ምክንኻንን ንኻልኦት ደቂ ሰባት ኣብ ምዕቋብን ጥንቃቐ ይገብራ እየን፣ ኣእምሮአን ከኣ ኣብቲ ተስፋና ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ ዜተኵር። ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ስድራቤት ንሓባራዊት  ቤትናን ንጐረባብትናን ንምክንኻን ቀጻልን መሰረታውን እዩ" በሉ።

ናይ ስድራቤት ስነ-ምግባራዊ ሥርዓታት እንታይ እዩ? ኣባላት ስድራቤት ስስዐ ዘይብሉ ትዕግስትን ተወፋይነትን ግሉጽነትን ዕቝባ ህይወትን ይመሃሩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ተመላላእነትን ምቅብባልን፣ ምሉእ ውህደትን ምስ ካልኦት ስራቤታት ዝግበር ምትሕብባርን፣ ከምኡ ውን ናይ ፍልጠትን ባህል ምትሕልላፍ ክዕምብብ ይርከብ።"

መምርሒታትን ሓሳባትን

እዚ ሰነድ እዚ ንስድራ ቤታትን ጕጅለታት ቤተ-ክርስትያንን ውልቀ-ሰባትን ነዚ ሕጂ ዘሎ ኣከባብያዊ ብድሆታት ንኺዋጽኡሉን፣ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ምሉእ ብምሉእ ንምዕባለ ንምድንፋዕን መምርሒታት ዝህብ እዩ።

እቲ ቐዳማይ ክፋል እቲ ጽሑፍ፣ ኣብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝጸሓፍዎ ኣዝዩ ኣገዳሲ ጽሑፋት እተመስረተ መሰረታዊ ሓሳባት ዝሓዘ ክኸውን ከሎ፣ እቲ ካልኣይ ክፋል ማለት ማእከል ናይቲ ሰነድ ከኣ ሸውዓተ ሸቶታት ካብ ዓዋዲት መልእኽቲ “ስቡህ ኣንተ” ዜንጸባርቕ ጭቡጥ ምዕራፋት ዝሓዘ እዩ።

እዚ ድማ ኣውያት ምድሪ ምስማዕ፣ ኣውያት ድኻታትን ናይቶም ተነቀፍቲ ኣካላት ሕብረተሰንብ ምስማዕ፣ ሥነ ኣከባቢያዊ ቝጠባ ምቕባልን ምትብባዕን፣ ሥነ ኣከባቢያዊ ኣነባብራ ብምውሳድ፣ ምሉእ ብምሉእ ሥነ ኣከባቢያዊ ትምህርትን መንፈሳውነትን ኣብ ስድራቤት ከምኡውን ኣብ ሕይወት ማሕበረሰብ ዝሳተፉ ስድራቤታት ንብሉ ኣርእስትታት የጠቓልል።

ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ ኣብ ኣርባዕተ ኽፋላት እተኸፋፈለ እዩ - መግለጺ ናይዚ ርእሰ ነገርን፣ ትርጕም እቲ ኣርእስትታትን ንምስትንታንን ንምዝታይን ዝቐርብ ሕቶታት ከምኡውን ዝርርባትን ዝቐረበ ስጕምትታትን የቕርብ።

እቲ ብዛዕባ እዚ ሰነድ እዚ ዝተኻየደ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዘመልከቶ፣ እዚ ሰነድ እዚ ንስድራ ቤታት እተወፈየ እኳ እንተ ዀነ፣ ንፍጥረት ምክንኻንን ሰብኣዊ ክብሪ ምድንፋዕን፣ ከምኡ ውን ንዅሉ ሰብ ዚትንክፍ ኣርእስትታት ስለ ዝዀነ ንዅሉ ጠቓሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ስድራቤታት ከም መሰረታዊ ክፍሊ ሕብረተሰብ መጠን፣ ነዚ ዓሚቝ ባህላዊ ለውጢ እዚ ሞተር ክኸውን ከም ዝኽእል ድማ ይገልጽ።

"ምሉእ ሥነ ኣከባቢ ኣብ ህይወት ስድራቤት” ኣብ 5 ቋንቋታት ተተርጒሙ ኣብ ወግዓዊ ማሕበራዊ ድሕረ ገጻት እዘን ክልተ ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ይርከብ።

30 Apr 2026, 10:34