ኣባ ፓተን፡ ኣስተንትኖታት ዓርቢ ስቕለት ንምፍራድ ዘይኮነስ፡ ለውጢ ንምልዕዓል
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“ኣብቲ ዝደረስዎ ኣስተንትኖታትን ጸሎትን ፍኖተ መስቀል ፡ ካብ ህሉው ክውንነትን ካብ ጭቡጣት ሰባትን ዝመጽእ ምትብባዕ ርኡይ እዩ” ብፍላይ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝነበሩ ክርስትያን ብሰንኪ ኲናት ዘጋጠሞም ስቓይ። በዚ መንገዲ’ዚ እዞም ካብ 2016 - ወርሒ ሰነ 2025 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ዓቃቤ ቅድስቲ መሬት ኣባ ፍራንቸስኮ ፓተን ኣብ ዓርቢ ስቕለት ምሸት ሮማ ኣብ ዝርከብ ቅርዓት ኮሎስዩን ብር.ሊ.ጳ. ተመሪሑ ዝፍጸም ጸሎት ፍኖተ መስቀል ናይቲ ዝደረስዎ ኣስተንትኖን ጸሎትን ኣብዚ እዋን እዚ ዝንበር መስቀል የጒልሑ።
ሕቶ፡- ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ቅርዓት ኮሎስዩም ዓርቢ ስቕለት ኣብ ዝመረሕዎ ጸሎት ፍኖተ መስቀል ዘሰንዮም ኣስተንትኖታት ክትደርሱ ብሓላፍነት ሂቦምኹም። እዚ ድማ ቅዱስ ኣቦና ንቅድስቲ መሬትን ንሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ዘጋጥም ዘሎ ዘሕዝን ፍጻመታት ዘለዎም ቅርበትን ትኩረትን ንጹር ምልክት ድዩ?
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ካብታ ዝተመርጹላ ዕለት ኣትሒዞም ንህያብ ሰላም ብቐጻሊ ይጽልዩ። ንቅድስቲ መሬት ጥራይ ዘይኮነ ንኹለን ብሰንኪ ውግእ ንዝሳቐያ ሃገራትን ህዝብታትን ውልቀሰባትን ዘለዎም ቅርበትን ሓድነትን ገሊጾም እዮም፡ እዚ ንልዕሊ 100 ዓመት መስርሕ ቤተ - ክርስትያን እዩ። ካብ ዕለት 1 ነሓሰ 1917 ኣትሒዙ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 15 ንሰራዊት ኣይባርኽን ቢሎም ነቲ ዝካየድ ዝነበረ ውግእ "ትርጉም ኣልቦ ቅትለት" እንክብሉ ብምግላጽን ንመራሕቲ እተን ኣብቲ ውግእ ዝሳተፋ ንዝነበራ ሃገራት ብዘተን ኣህጉራዊ ሕጊ ብምኽባርን ዝተመንዝዑ ዞባታት ንዋናታቱ ብምምላስን ናብ ፍትሓውን ነባርን ሰላም ኪበጽሑ ከም እተማሕጸኑ ኣባ ፓቶን ዘኪሮም፡ ናጻ ምንቅስቓሳትን ዝተመንዝዑ ከባቢታት ክምለሱን ኣጽዋር ብምርጋፍ እቲ ነጽዋር ዝውዕል ሃብቲ ገንዘብ ኣብ ሓባራዊ ጥቕምን ምዕባለን ክዋፈር ዝዕድም እዩ። ካብ ሽዑ ንነጀው ቤተ - ክርስትያን ወትሩ ምስቶም ብውግእ ዝሳቐዩ ሰባት ቀረባ ብምዃን "ትርጉም ኣልቦ ህልቂት" ዘስዕብ ዕጥቃዊ ግጭታት ድማ ብተደጋጋሚ ትዅንን። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዳርጋ ነፍሲ ወከፍ ሰንበት ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔርን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ናይ ዕልተ ረቡዕ ሓፍሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስን ኣብ ቅድስቲ መሬት ጥራይ ዘይኰነስ ኣብተን ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ደማዊ ኲናት ኣብ ዝርከባ ዅለን ሃገራት ሰላም ምርግጋጽ ኣድላዪ ምዃኑ ኣትሪሮም ጻውዒት የቕርቡ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ነቲ ብስም ኣምላኽ ዚፍጸም ዓመጻ ንምንጻግ ዝጽውዕ ኣዝዩ ሓያል ቃላት ተጠቒሞም ኣምላኽ ንጸሎት ናይቶም እእዳዎም ብደም ዝተዓለሰ ውግእ ዘለዓዕሉ ሰባት ከም ዘይሰምዖ ኣትሪሮም ከም ዝገለጹ እውን ይዝክሩ።
ሕቶ፡- ነዞም ኣስተንትኖታት ክትጽሕፉ ኣንከለኹም ዝያዳ ኣስተንፍሶ ዝገበርክምዎ እንታይ እዩ?
ካብ ወንጌልን ነቲ ብዛዕባ ምስጢር ስቓይ ጐይታ ኣዚዩ ዝትክፍ ኣረኣእያ ዘለዎ ወንጌላዊ ቅዱስ ዮሃንስ መሰረት ብምግባር፤ ቀጺለ ድማ ካብቲ ውርሻ ክርስትያናዊ መንፈሳውነት ዝኾነ “ጽሑፋት” ቅዱስ ፍራንቸስኮ ከምኡ እውን ካብ ህሉው ክውንነትን ካብቶም ኣብዚ እዋን እዚ ፍኖተ መስቀል ዘሕልፉ ዘለዉ ሰባትን ዝነቅል ኮይኑ፡ ምስሊ ቅድስቲ ማርያምን ቅድስቲ ቨሮኒካን ኣንስቲ ኢየሩሳሌምን ዘንጸባርቓን፡ ብድሕሪ እቲ ዝተዛብዐ ጽንሰ - ሓሳብ ስልጣንን ብዘይግቡእ ምጥቃም ስልጣንን ዝምልከት ኣብ ቅድሚ ኩሉ ሰብ ዝረኣዩ ኣህጉራዊ ፍጻመታት ዝትንክፍ እዩ፤ እቲ ናይ ስምዖን ቄረናዊ ተክለ ሰብነት ዘንጸባርቖ ናይ ብዙሓት ወለንተይናታትን ሰራሕተይናታት ሰብኣውን ርክባትን፣ ኣብዘን ዓመታት ዝረኸብክዎምን ንሓደ ሰብ ንምሕብሓብ ወይ ሓቂ ንምፍላጥ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእተዉን፣ ክርስቲያን ዘይኮኑ እውን ከም ኣስተንፎ ከም እተጠቀምሉ ሓቢሮም። እቶም ኣብቲ ኣስተንትኖታት ዝተሰምዩ ክውንነታት ኣብ ልዕሊ ውልቀ-ሰባት ፍርዲ ክለዓዓሉ ዘይኮነስ፣ እንታይ ደኣ ኣስተንትኖን፣ ሕቶታትን ንምልዕዓል - ድላዪ እንተኾይኑ - ለውጢ ክገብሩን ዝዕድም እዩ። እቲ መልእኽቲ ብመሰረቱ ሃይማኖታዊ ኮይኑ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ስጋ ዝለበሰ ወዲ ኣምላኽ ምስ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረት ዘለዎ ቅርበት ክገልጽ ዝደሊ እዩ ኢሎም።
ኣምነቲ ካብ መንፈሳውነት ቅዱስ ፍራንቸስኮ ኣስተንፍሶ ብምውሳድ “ብኣሰር ኢየሱስ ክመላለሱ” ክሕግዞም እፍትን፣ ዘይኣመንቲ ድማ ኢየሱስ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍና ከም ዝግደስ፣ ከምኡ’ውን ዝኾነ ሰብ ዋላ’ውን ዝጠፍአ ኮይኑ ዝምዖን ኩሉ ካብኡ ተስፋን ምኽንያት ህይወትን ክረክብ ከም ዝኽእል ንምርግጋጽ እፍትን።
ድሌተይ፡ ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ብምርኻብን ብድሕሪኡ ናብ ቀራንዮ ብምኻድን፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ቅርበትን ፍቕሩን ክግንዘብ፤ ንነፍሲ ወከፍና ሕይወቱ ከም ዝሃበን ንነፍሲ ወከፍና ምስኡ “ናብ ኣቦ ክመልሰና” ከም ዝደልን፣ ሳላኡን ኣብኡን ምልኣት ህይወት ክንረክብን ነቲ ውሱንን መዋትን ዝኾነ ኩነታት ሰብ ምስ ማዕቀን ፋሲካ፣ ትንሳኤ፣ ዘለኣለማዊ ህይወትን ተሳትፎ ኣብ ህይወት ኣምላኽ ክንነብሮን ከም ዝደልን ክንርዳእ ዝሕግዝ እዩ።
ሕቶ፡- ከም ናይ ቅድስቲ መንበር ዓቃቤ ቅድስቲ መሬት ዘሕለፍክምዎ ትሽዓተ ዓመታት፡ ኲናት ሓድሕድ ሶርያ፡ ኮቪድ፡ ኩናት ቓዛን ዝኣመሰሉ ኣዚዩ ከቢድ ፍጻሜታት ኣብ ዝነበረሉ እዋን እዩ፡ ሕጂ ኣብ ቅድስቲ መሬት ኣብታ ሙሴ ዝደየባ እምባ ነቦ ከም ተራ መነኮስ ኮይንኩም ክትነብሩ ወሲንኩም። ስለምንታይ ደብረ ነቦ መሪጽኩም?
ክንድዚ ዝኣክል ዓመታት ኣብ ስልጣንን ምሕደራን ድሕሪ ምጽናሕ ከም ተራን ንኡስ መነኮስ ኮይነ ክነብር ስለ ዝተሰመዓኒ። እዚ ድማ ዝያዳ ናብ ስሩዕ ህርመት ጸሎትን ገዳማዊ ህይወትን ክመልስ፡ ዳግማይ መጽናዕቲ ክጅምር፡ ንፈለስቲ ከገልግልን ትሑት ኣገልግሎት ክገብርን የኽእለኒ። ከምኡ’ውን እምባ ነቦ ወትሩ ዓቢ ዝማርኽ እዩ፣ ምስ ምስሊ ሙሴ ዝተኣሳሰር ስለዝኾነ፣ . . . ኣብ መወዳእታ ድማ ቅድሚ ሚእቲ ዓመት ሳላ መነኮሳት ሓለውቲ ቅድስቲ መሬት፣ ኣብዚ ዘለዉ ኣብ ዮርዳኖስ ምስቶም ዝውንንዎ ዝነበሩን ኣብ 1932 ነቲ ቦታ ናይ ቅድስቲ መንበር ዓቃቤ ቅድስቲ መሬት ድሕሪ ምሻጦም ምሳና ብቐረባ ዝተሓባበሩ ዝነበሩን ስድራቤት ሰበኽ ሳግምን ክዕረቑ ክኢሎም እዮም።
እዚ ቦታ እዚ ንዅላትን ምስ ኵሉ ሰብን ክርስትያንን ኣስላምን ዝርከቡሉ ቦታ ኢዩ ኵሉ ሰብ ነቲ እምባ ነቦ ዘመሓላልፎ ናይ እምነትን ሰላምን ሃዋህው ኣስተንፍሶ ዝኾኖምን ከምኡውን ከምቲ ኣብ መበል 5ይ ዘመን ዝነበረ መንፍሳዊ ነጋዲ ዝበሎ "ናይ ስጋን ነፍስን ፈውሲ" ዝረኽቡሉ ቦታ ኢዩ።
ሕቶ፡- ኣብ ቅድስቲ መሬትሪ ዘለዉ ክርስትያን መዓልታዊ ፍኖተ መስቀል ይነብሩ፡ ውጽኢቱ ድማ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ስደት ኮይኑ ኣሎ። ሓደ ሰብ ኣብ ትሕቲ እቲ ኩነታት ከመይ ኢሉ እዩ ጨው ምድሪ ክኸውን ዝኽእል?
ኣዝዩ ከቢድ እዩ፡ ዘይከኣል ግን ኣይኮነን። ሎሚ ኣብ ቅድስቲ መሬት ዝነብሩ ክርስትያን ምስ ቀዳማይ ወለዶ ክርስትና ኣዝዮም ይመሳሰሉ፤ ሓደ ዓይነት ዝኾነ ሰናይ ባህርያትን ደረትን ኣለዎም፡ ምናልባት’ውን ሓደ ዓይነት መበቆል ኣለዎም። ብዝኾነ ቅድሚ 2000 ዓመት ኢየሱስ ነቶም ዝነበርዎ ውሑዳት ደቀ መዛሙርቲ “ኣታ ንእሽቶ መጓሰ፡ ነቲ ምስጢር መንግስቱ ኺህበኩም ፍቓድ ኣቦኹም እዩ እሞ፡ ኣይትፍርሑ” ዝበሎም ሽዑ እውን እንተኾነ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ጭብጥታት ብስነ ኣሃዝ ብዝገልጽ ኣገባባት እውን እንተኾነ ኣብ ቁጽሪ ዘይኣትዉ ውሑዳት እዮም ዝነበሩ: እቲ ብኢየሱስ ዝተንግረ ብጽእና ሓቀይና ትርጉም ህይወት ዝረኽብሉ፣ ኣብ ይቕሬታ ብጸእናን፡ ምሕረትን፤ ንህጻናት፡ ኣንስቲ፡ ድኻታት፡ ሕሙማት፡ ቀረጽ ዝእክብ ዝነበረ፡ ሓጥኣንን ኣመንዝራታት ብምቕባል፤ እግሪ ብምሕጻብ ዝገለጾን፡ ድሕሪኡ ሕይወቱ ምእንታና ኣሕሊፉ ብምሃብን ሞይቱን ሞት ብምስዓርን ዝገለጾ ክቡሪ ዝሰዓቡ እያቶም። ሎሚ እውን ከምኡ።
ኣብ ቅድስቲ መሬት ክርስትያን ምዃን - ግን ከኣ ኣብ ኩሉ ክፋላት ዓለም ክርስትያን ውሑዳትን ወይ ስደት ዘጋጥምሞም ይኹን - ጸዋዕታን ተልእኾን እዩ: ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ብዘይ ጾታውን፣ ዜግነትን ወይ ሃይማኖት ኣፈላላይ ንኹሉ ዝቕበል መሕረት ኣምላኽ ከነርኢ ተጸዊዕና ኣሎና፤ በዚ መገዲ እዚ እውን እንተ ዀነ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዋላ እውን እቶም ካብ ካልእ ህዝቢ ዝኾኑ እቶም እተጋገዩ አረ ነቶም ዝጐድኡና እውን ከይተረፈ በርኣያን ኣምሳልን ኣምላኽ ናይ ምፍጣር ክብሪ ኸነርኢ ተጸዊዕና ኢና ኢሎም።
ሕቶ፡- ሃይማኖታት ከም መጋበርያ ሰላም። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዚካየድ ዘሎ ውግኣት፡ ካብ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ሃይማኖታዊ መወከሲ ዘለዎ ኣብ ምዃን እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። እቲ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም እተወልደ፡ እስራኤል እውን እንተ ዀነት ግዳይ መሲሓዊ ኣኽራርነት ዝኾነት ትመስል?
እዚ ድሕሪ ምፍራስ መንደቕ በርሊን ዘጋጠመ እዩ፡ እቲ ኣብ ዓለም ዝነበረ ህልዮኣዊ ቀጽሪ ወዲቑ፡ እቶም ኣብ ስልጣን ዝነበሩ ድማ ሃይማኖታት መዝሚዞም መንነትን ተቓውሞን ክፈጥሩ ከም ዝጀመሩን። እቶም ብግዜ ኢየሱስ ብስም ኣምላኽ ንዓመጽ ዘጽድቑ ዝነበሩ “ቀናኣት” ናብ እዋንና እውን ተመሊሶም እዮም ክንብል ንኽእል ኢና።
ሎሚ “ቀናኣት” ኣብ ኩሉ ቦታ ኣለዉ፡ ኣብ ኣስላም . . . ብዝፍጠሩ ጸንፈይናታት ምንቅስቓሳትን፡ ኣብ ኣይሁድ ብሰፋሮን ብፖለቲካዊ መንገዲ ብውሽጣውን ኣህጉራውን ደገፍትን ውክልና ዘለዎም፤ ኣብ ክርስትያን እውን እንረኽቦ ጉዳይ እዩ፣ ኣንጻር እቲ ቅዱስ ኣቦና ዝሓለፈ ሰንበት ዝገለጽዎ ሓሳብ ዝኸይድ፡ ክልተ ሺሕ ዓመታት ኣቢሉ እቲ ኣብ ጌተ ሰማንየ ኣብ ልዕሊ ኢየሱስ ዝተፈጸመን ኣብቲ ዘይሃይማኖታውን ሃይማኖትን ግብረ ገብን ዘይውክሎ ባህልትን ስርዓትን ኣብ ልዕሊ ሃይማናታት ዝፍጸም ንሃይማኖታዊ መግለጺታት ዘወግድ ብኣድልዎን ንስደትን ብዘቃልዕ መንገዲ ምቀጽጻርን ኣብ ዘይሃይማኖታዊ ስርዓተ መንግስቲ እውን ከይተረፈ ብዓለማዊ መልክዕ ዝግለጽ እውን ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ ኣብ እስራኤል ዝፍጸም ዘሎ ኣብ እስራኤል ዘሎ ጥራሕ ዘይኮነስ ዓውሎማዊ ዝንባለ እዩ። ኣብዚ ኩነታት እዚ ቤተ ክርስቲያን ኣገዳሲ ተራ ኣለዋ፣ ንሱ ድማ ገለ ወንጌላዊ እምነ ኩርናዕ ምርግጋጽ የድሊ፦ ንቄሳር ናይ ቄሳር ንኣምላኽ ድማ ናይ ኣምላኽ ዝኾነ ምሃብ ዝብል መትከል። ካብ ሃይማኖታዊ ኣኽራርነትን ንሃይማኖት ካብ ዝምዝምዝ ፖለቲካን ናጻ ምዃን የድሊ። ነዚ ንምግባር ድማ መራሕቲ ሃይማኖት ከምኡ እውን ኩለን ሃይማኖታት ንዓመጽ ንምምኽናይ ዝኾነ ይኹን ምዝመዛ ሃይማኖት ሕጋውነት ከምዘይብሉ ኣብ ምርግጋጽ ክተሓባበራ ክእመናን ኣለወን። እቲ ኣብ ኣቡ ዳቢ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮን ዓብዪ መምህር መንበረ ጥበብ ኣል - ኣዝሃርን እተኸተመ ሰነድ ሰብኣዊ ሕውነትን ኣብቲ ኣብ ኣሃው ኩልነ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ተቐባልነት ዝረኸበ መትከል ንኸም "ውድብ ሕቡራት ሃገራት" ሃይማኖታት ጽቡቕ መበገሲ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ንምመናን ነዚ ብምስትውዓል እቶም "ቀናኣት" ሃይማኖታዊ ምኽንያታት ንናይ ገዛእ ርእሶም ረብሓ ዘውዕልዎ ምዃኑ ብምፍላጥ ነዚ ኣበርቲዖም ክጻረርዎን በዚ ኣረኣእያ እዚ ምሕናጽ ኣድላዪ ምዃኑ ንጹር እዩ ይብሉ።
ሕቶ፡- ግጭት እስራኤልን ፍልስጤምን ን80 ዓመታት ዝጸንሐ እዩ። ኣብ ቅድስቲ መሬት ሰላም ዶ’ኮን ክህሉ እዩ?
ይንዋሕ ይሕጸር ክህሉ እዩ፣ ዘይተርፍ እዩ፣ እቲ መንገዲ ግን ገና ነዊሕ ክኸውን ይኽእል እዩ፤ ወለዶኣዊ ለውጢ፡ ለውጢ ፖለቲካዊ ደርቢ፡ ልዕሊ ኩሉ ድማ ባህላዊ ለውጢ ዝሓትት እዩ። ሎሚ - ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ - ሓቀይናታትን እውነተይናታትን ነብያት ወይ ራእይ ዘለዎም ሰባት የለዉን፣ እዚ ግን ኣብ እስራኤልን ፍልስጤምን ወይ ማእከላይ ምብራቕን ጥራይ ዘሎ ጸገም ኣይኮነን፤ ዓለምለኻዊ ጸገም እዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ በርገሳዊ ማሕበረሰብ እወታዊ ምልክታት ኣሎ።
እስራኤላዊት ማኦዝ ኢኖንን ፍልስጥኤማዊት ዓዚዝ ኣቡ ሳራን “ንሰላም ጥራይ እግረን ዝጓዓዛ ኣዴታት” ወይ “ደቂ ኣንስትዮ እምነት ንሰላምን ካልኦት ብዙሓት ክዓብያ ተስፋ ዝግበረለን ንኣሽቱ ጉጅለታትን ዝጀመርዎ ምንቅስቓስ እሓስብ።
ናይ ገዛእ ርእስና ኣብያተ ትምህርቲ ኣብነት ሕንጸት ናብ ሓባራዊ ህይወትን ሕውነትን እየን። ከምቲ ኣብዘን ዓመታት ብተደጋጋሚ ዝበልክዎ፡ ኣብ ስርዓተ ቤት ትምህርቲ ንምክብባርን ንምቅባልን ንምምሕዳር ግርጭታትን ሰላምን፡ ኣብ ኢጣሊያ ኣብ ከባቢ ኣረዞ ዝርከብ ዕርዲ ሰላምን ዝኣመሰሉ ኣገባባት ብምስዓብ፡ ስርዓት መደባት ትምህርቲ ምትእትታው ዘተሓሳስብ ፖለቲካዊ ሓላፍነት ኣሎ። እዚ ንእስራኤልን ፍልስጤምን ጥራይ ዘይኮነስ ንሃገራት ኤውሮጳ እውን ዝምልከት እዩ እንክብሉ ዘካየድዎቃለ መሕትት ዛዚሞም።