ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትን ኲናትን ኣብ እዋናዊ ዘመን ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትን ኲናትን ኣብ እዋናዊ ዘመን  (@Vatican Media) ርእሰ ዓንቀጽ

ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትን ኲናትን ኣብ እዋናዊ ዘመን

ናይ ዜና ቫቲካን ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ‘ብዛዕባ ፍትሓዊ ወግእ’ ዝብል ኣምር ኣማእኪሉ ኣብ ዘቕረቦ ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካን፡ ዘመናዊ ኣጽዋር ዜስዕቦ ጐዳኢ ሓይሊ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት እተገብረ 'ፍትሓዊ ውግእ' ክህሉ ኸም ዚኽእል ምዝራብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ምዃኑ የጒልሕ፡ ኣብ መጀመርታ 1963 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሓንስ መበል 23 ኣብታ 'ሰላም ኣብ ምድሪ - Pacem in Terris' ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቶም ኣብ ኣቶማዊ መዋእል ውግእ ከም መጋበርያ ፍትሒ ጌርካ ኺርአ ይኽእል እዩ ቢልካ ምሕሳብ ዳርጋ ዘይከኣል እዩ ዝበልዎ ጠቒሱ፡ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ሰላም ሓደ ካብቲ ቐንዲ ኣርእስትታት ር.ሊ.ጵጵስናኦም ምዃኑ የዘኻኽሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሰባት ብዛዕባ "ፍትሓዊ ውግእ" ዝብል ኣምር ክዛረቡ እንከለዉ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሚእቲ ዓመት ኣብ መንበር ቅዱስ ጴጥሮስ ዝሓለፉ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ሰላም ዝመሃርዎ ትምህርቲ ክንዝክር ኣሎና። እዚ ትምህርቲ እዚ በብቝሩብ እናሃብተመ ከም ዝኸደን፣ እዚ ኸኣ "ፍትሓዊ ውግእ" ኣሎ ምባል ክሳዕ ክንደይ ኣጸጋሚ ምዃኑ ዝግንዘብ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ኣብ ቲዮሎጊያ እተመስረተ ምስትንታንን ንውግእ መመኽነይታታት ኪህሉ ዚኽእል ሓሳባትን ጥንቲ ዝነበሩ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንቲ ብዛዕባ እዚ ጕዳያት እዚ ክጽሕፉ እንከለዉ ውግእ ብሰይፍን ብበትርን ደኣ እምበር ብቐታሊ ኣጽዋርን ብዝተራቀ እደ ጥበብን ዚምራሕን ብሰብ ኣልቦ ነፈርትን ዝካየድ ዘይነበረሉ እዋን  ኣብ ግምት ዘእትው እዩ፣ እዚ ኸኣ ግብረ ገባዊ ሕቶታት ዘበግስ እዩ። ኲናት ክንስዕቦ ዘሎና መገዲ ኣይኮነን ዝብል ምስትውዓል እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ።

ኣብቲ ኣብ 1917 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 15 ናብተን ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም - ተዋጋእቲ ሃገራት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ነቲ ኣብቲ እዋን ዝካየድ ዝነበረ ቀዳማይ ውግእ ዓለም "ዘይረብሕ ጃምላዊ ቕትለት" እንክብሉ ከም ዝገለጽዎን ክሳዕ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒዮስ መበል 12 ካልኣይ ውግእ ዓለም ንኸይለዓል ዝገበርዎ ጻዕርታት፣ ካብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሓንስ መበል 23 ሰላም ኣብ ምድሪ  (1963) ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝለገስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ "ኣብ ኣቶማዊ መዋእል ውግእ ከም መጋበርያ ፍትሒ ጌርካ ምክያድ ዝክኣል እዩ ቢልካ ምሕሳብ ዳርጋ ዘይከኣል እዩ" እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ክሳዕ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት "ደጊም ውግእ ኣይሃሉ!" እንክብሉ ብኣጽንዖት ዘስመሩሉ ሓሳብ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሃንስ ጳውሎስ ዳግማይ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሓደገይና ግጭታት ንኸይፍጠር ዘቕረብዎ ዝነበረ ጻውዒት - እቶም ንጴጥሮስ ዝተክኡ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ብትንቢታዊ መመያን ኣብ ክውንነት እተመስረተ ሓሳባትን ብቐጻሊ ድምጾም ዓው ኣቢሎም እኳ የስምዑ እውን እንተነበሩ እቲ ዜሕዝን ግን ብዙሕ ግዜ ኣይተሰምዑን።

እቲ ቀንዲ መወከሲ ሓሳብ መዝገበ ሃይማኖት - ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ - ክርስትያን መሰል ሕጋዊ ርእሰ - ምክልኻል ኣፍልጦ ዝህብ ኮይኑ፡ ግን ኣብ ምክልኻል ውግእ ከይተረፈ “ጽኑዕ ቅድመ ኩነታት” ዘቐምጥ እዩ:
"እቲ ወራሪ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ወይ ማሕበረሰብ ኣህዛብ ዘውረዶ መጉዳእቲ ነባርን ከቢድን ዝተረጋገጸን ምስ ዝኸውን፤ "ካልኦት ኩሎም ደው ንምባል ዝሕግዙ ኣገባባት ዘይግብራዊ ወይ ውጽኢታዊ ከምዘይኮኑ ክረኣዩ ኣለዎም፤ ዕቱብ ተስፋታት ዓወት ክህሉ ኣለዎ፤ ኣጠቓቕማ ኣጽዋር ካብቲ ክፍኣት ባዕሉ ንላዕሊ ክፍኣትን ዓመጽን ክፈጥር ኣብዚ ግዜና ዘሎ ናይ ጥፍኣት መሳርሒታት ዘለዎ ሓይሊ ነዚ ዅነታት እዚ ኣብ ምግምጋም ዓብዪ ጽልዋ ኣለዎ። ሎሚ ፍጥረት ሰብ ብምኽንያት እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ግጭታትን ሓይሊ እዚ "ዘመናዊ ናይ ጥፍኣት መሳርሒታትን" ኣብ ጫፍ መዓሙቝ ከም ዘለዉ መን ኪኽሕዶ ይኽእል?

ኣብ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ር.ሊ.ጵጵስና ዘመን "ንውግእ ኣይፋል" ዝብል ቃል እናሓየለ ብተደጋጋሚ ከም ዝቐረበን ኣብቲ ኣሃው ኵልን - Fratelli tutti (2020)  ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝለገስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ፦ "ውግእ ኵሉ ዓይነት ሰብኣውነት መከላኸሊ ወይ ጥንቃቐ ከም መኽነይታታት ብምጥቃም ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ሓበሬታ ብምቍጽጻር ብቐሊሉ ኺምረጽ ይኽእል እዩ። ኣብዚ ቐረባ ዓሰርተታት ዓመታት ነፍሲ ወከፍ ዝተራእየ ውግእ "ቅኑዕ" እዩ ዚመስል። እቲ ጕዳይ ምምዕባል ኑክልየሳውን ቀመማውን ስነ ሕይወታውን ኣጽዋር ከምኡውን እቲ ሓደስቲ እደ ጥበብ ዘምጽኦ ሰፊሕን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ተኽእሎታትን ንውግእ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ንጹሃት ሰላማውያን ሰባት ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ዝዀነ ኣዕናዊ ሓይሊ ሂብዎ እዩ። ከም ሓቂ ግን "ደቂ ሰብ ኣብ ገዛእ ርእሶም ከምዚ ዝኣመሰለ ስልጣን ነይርዎም ኣይፈልጥን እንተዀነ ግን ብጥበብ ከም ዝጥቀሙሉ ዘረጋግጽ ዋላ ሓደ ነገር የለን።" ድሕሪ ደጊም ንውግእ ከም መፍትሒ ጌርና ኽንሓስቦ ኣይንኽእልን ኢና፣ ምኽንያት ሓደጋታቱ ወትሩ ካብቲ ዝብሃል ረብሓታት ክዓቢ እዩ . . .  ድሕሪ ደጊም ኲናት ኣይሃሉ!" ይብሉ።

እቶም ዝተክእዎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንሰላም ሓደ ኻብቲ ቐንዲ ኣርእስትታት ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳስናኦም ሓዋርያዊ መርሓ ግብሪ ገይሮምዎ እዮም። እቲ እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ግጭትን ንዳግመ ዕጥቒ ዚወጽእ ዘይመጣጠን ወጻኢታትን ኣብ ዘጋጥመሉ ዘሎ እዋን ነቲ ቕድሚኦም ዝነበሩ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ዝሃበዎ መገዲ ብምቕጻል ብክውንነትን ትንቢታዊ ንጹርነትን ሰላምን ዘተን ምይይጥንን ክግበር ይጽውዑ። ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት እተፈጸመ ጃምላዊ ቕትለት ንሕልና እቶም ንጳጳስ ሮማ ዘማዕድዉ ብቢልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ኣናዊጽዎ እዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ልክዕ ከምቲ ኢየሱስ ኣብ ጌተሴማኔ ከም ዝበሉ ንሰይፊ ናብ ሰገባኡ ኣእትዉ እንክብሉ ተማሕጺኖምና ኣለዉ፡ "ኣክንዲ ክንሰምዕን ናብ ሓደ ክንመጽን እንዕደም ምፍርራህ የጋጥመና ኣሎ” እንክብሉ ዕለት 11 ሚያዝያ ኣብ ዝጸውዕዎ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ሰላም  ኣብ ዘስምዕዎ ኣስተንትኖ ኣጒሊሖም እዮም፡ "እቶም ዚጽልዩ ዓቕሞም ይፈልጡ እዮም፣ በዚ ድማ ኣይቀትሉን ብሞት እውን ኣየፈራርሁ እያቶም፡ እኳ ደኣ ሞት ነቶም ነቲ ህያው ኣምላኽ ዝባኖም ዝህቡ ጊልያዎ ይገብሮም። በዚ ከምዚ ድማ ገዛእ ርእሶም ብምምላስ ካብ ሓይሎም ይቑጠቡ። ካብቲ ጸማማትን ዕዉራትን ዝኾኑ ጣዖታቶም ማለት ሓይሎም ይቑጠቡ(መዝ. ምዕ. 115, 4 – 8 ረኣ)፡ ገዛእ ራእስኻን ገንዘብን ከም ጣዖት ምምላኽ የብቅዕ! ናይ ስልጣን ምርኢት ይኣክል! ኲናት ይኣክል! ሓቀይና ሓይሊ ኣብ ምግልጋል ህይወት እዩ ዝግለጽ” ከም ዝበሉ ቶርኒየሊ ብምዝኽካር ዘቕረቦ ርእሰ ዓንቀዝ ይዛዝም።

(Andrea Tornielli)

16 Apr 2026, 16:14