ድለ

2026.04.29 Michele Sagarino, presidente di Cross Catholic Outreach 2026.04.29 Michele Sagarino, presidente di Cross Catholic Outreach 

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝካየድ ናይ ሓምትሕብባር ሰልፊ ነቶም ብውግእ እተጐድኡ ሕጻናት

ናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ጉዳያት ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት፣ ነቶም ብዕጥቃዊ ግጭታት እተጠቕዑ ቘልዑን ህጻናትን ንምሕጋዝ፣ ብ“Cross Catholic Outreach” ዝስመ ትካል ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ንዘካየዶ ተበግሶ ይድግፍ ኣሎ። ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ማኪና ኣብ መላእ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብምኻድ፣ ናብቲ ንግዳያት ውግእ ዘጋጥሞም ዘሎ ክውንነት ኣቓልቦ ንምስሓብ ከምኡውን ናይ ጸሎትን ኣስተንትኖን መደባት ከካይድ ኢዩ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

"እቲ ልግሲ ዓንዲ ሕቘ ክርስትያናዊ ህይወት ዝዀነ ልግሲ፣ ሓደ ክልሰ-ሓሳብ ኰይኑ ክቕጽል የብሉን፣ የግዳስ ብተግባር ክግለጽ ኣለዎ፣ እዚ ማለት ድማ ኣገልግሎት ክኸውን ኣለዎ ማለት ኢዩ፣" ብምባል ሓለቓ ጳጳሳዊ ቤተ ገበዝ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ሉዊስ ማሪን ደ ሳን ማርቲን ንኣገዳስነት እቲ ኣብ ክንዲ ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ብምዃን ተልእኾኡ ዝፍጽም ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ንኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ዘዳለዎ ሓድሽ ተበግሶ የመላኽቱ።

ሚሸል ሳጋሪኖ ምስ ብፁዕ ሊቀ ጳጵሳት ልዊስ ማሪን ደ ሳን ማርቲን
ሚሸል ሳጋሪኖ ምስ ብፁዕ ሊቀ ጳጵሳት ልዊስ ማሪን ደ ሳን ማርቲን

ብዕለት 28 ሚያዝያ ህየትንተ ናይዚ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ብኣካሎም ተረኺቦም ነቲ መፍሕ ናይ መኪትና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንኣደ መንበር ናይቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝርከብ “Cross Catholic Outreach”  ዝተሰምየ ትካል ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ሚሸል ሳጋሪኖ ኣረኪቦም።

ትማሊ ረቡዕ ንግሆ ኣብ መደምደምታ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ሚሸል ሳጋሪኖ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ክትረክቦም ሰላም ክትብሎምን ከኣለት፣ ቅዱስነቶም ድማ ብዛዕባ ኣገልግሎት እቲ ውድብ ብምሳሌ ገሊጾም፣ እዚ ውድብ እዚ ኣብ ዝሓለፈ እዋን እውን ንርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ልዮን መበል 14 ብዙሕ ሓገዛት ለጊሱ ኢዩ። 

ኣብዚ ህሞት እዚ ነቲ ካብ ኒው ዮርክ ናብ ካሊፎርንያ ኣስታት 3,700 ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ፣ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝካየድ ጕዕዞ "ካትሊካውያን ጀጋኑ ኣመሪካ፡ ጕዕዞ ተስፋ" (American Catholic Heroes: The Road Trip for Hope) ብወግዒ ዝጀመረሉ ኣጋጣም ኢዩ ዝነበረ፣ እዚ ድማ ነቶም ኣብ ህይወቶም ሳዕቤን ውግእ ዝወርዶም ዘሎ ቈልዑን ተነቀፍቲ ኣካላትን ንምሕጋዝን ከምኡውን ናይ ጸሎት መደባት ንምክያድ ዝዓለመ ከአ ኢዩ።

እቲ ትካል ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዓብዪ ናይ ግብረ ሰናይ ጨረታ ኺውድብን ኬተባብዕን ኬመሓድርን እዩ፣ እዚ ኸኣ ንዕዮ ግብረ ሰናይ እዚ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ክውፈ ኢዩ።

ምትሕግጋዝን ስብከተ ወንጌልን

ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ልዊስ ማሪን ደ ሳን ማርቲን ከም ዝገለጽዎ፣ መኪና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዚ መደባት እዚ ምውፋዮም፣ ምስቶም ኣዝዮም እተሸገሩ ሰባት ብምሕባር ማሕበራዊ ዋጋ ዘለዎን ከምኡውን "ምስ ቅዱስ ኣቦና ዘሎና ርክብ ንምድልዳልን ተልእኾ ስብከተ ወንጌል ንምድንፋዕን" ዘገልግል ኢዩ።

ጳጳሳዊ ቤተ ገበዝ "ነቲ ንነዊሕ እዋን ምስቲ ብዛዕባ ጉዳያት ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ብምትሕብባር ብልግስን ምጽዋትን ዝድግፍ ዘሎ ትካል ኣገልግሎት ግበረ ሰናይ ዝኾነ ‘Cross Catholic Outreach’  ተባሂሉ ዝሰመ ኢዩ" በሉ።

እቲ ቅድሚ 25 ዓመት እተመስረተ በዚ ጥፈታት እዚ ኣብ እተፈላለየ ኽፍልታት ዓለም ተዘርጊሑ ይርከብ። ኣብ 2024 ጥራይ ኣብ ማላዊ ዛምብያ ከምኡውን ሃይቲ ሓዊስካ ኣብ 32 ሃገራት 279 ውጥናት ግብረ ሰናይ ብምድጋፍ ኣብ ጥዕና፡ ሕርሻ፡ ምድላው ምግብን ጽሩይ ማይን፡ ጽላት ትምህርትን ልዕሊ ዅሉ ድማ ኣብ መንፈሳዊ ሓገዛት ብዙሕ ወፍሪ ዘካይድ ዘሎ ማሕበር ኢዩ።

መኪና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት
መኪና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት

"ናይ ተስፋ መኪና ርእሰ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት"

ኣዳለውቲ እዚ ፍሉይ "ጕዕዞ" እዚ ከም ዘመልከትዎ ንመኪና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መገድታት ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ "ናይ ተስፋ መኪና" ብምዃን ከም እትጻተፍ ገሊጾም።

እቲ ኣብ ወርሒ ሰነን ሓምለን 2026 ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ተበግሶ፣ ምስቲ ኣብ መበል 250 ዓመት ዝኽሪ ናብቲ ኣብ 1776 ዓ.ም. ኣዋጅ ናጽነት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እተፈረመሉ እዋን ዝሰማማዕ እዩ። ንከተማታት ኒው ዮርክን ዋሽንግተንን ሓዊስካ ናብ 13 ከተማታት ድማ ክትበጽሕ እያ፣ ኣብ ከም ኖተር ዳምን ሰይንት ሉዊስን ዝኣመሰሉ ቦታታት ከኣ ክሳዕ ደቡባዊ ምዕራብን ካሊፎርንያን ክትዘዋወር እያ።

እዚ ተበግሶ እዚ ኣብ ፈለማ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ተደልዩን እተወደበን ኢዩ ዝንበረ፣ ዕላማኡ ድማ ነቲ ኣታዊታት ናይዚ መደብ ናብ ድኻታት ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣብ መላእ ዓለም ግዳያት ውግኣት ዝዀኑ ቘልዑን ህጻናትን ንምውፋይ እዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ  ብዛዕባ ፍቕሪ ድኻታት ዝሃብዎ ሃዋርያዊ ማዕዳን "ክርስትያናዊ ቅድስና መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቲ ኣዝዩ እተረስዐን ዝቘሰለን ቦታታት ደቂ ሰብ እዩ ዚዕምብብ። ድኻታት ኣብ ልቢ ኣምላኽ ፍሉይ ቦታ ኣለዎም። ንሳቶም ፍቑራት ወንጌል ወረስቲ መንግስቲ ኣምላኽን እዮም። ክርስቶስ ኣብኣታቶም ይሳቐን ይትንስእን ኣሎ። ቤተ-ክርስትያን ካብ ኵሉ ንላዕሊ ሓቀኛ መንነታ ንኸተርኢ ዘቕረበቶ ጻውዒት ከም ብሓድሽ እትረኽቦ ድማ ኣብኣታቶም ኢዩ።"

እዚ ድማ እቲ ናይ ልግሲ ኣገልግሎት ብዓብዪ ተወፋይነት ንቕድሚት ዝስግሞ ተልእኾኣ እዩ።

30 Apr 2026, 10:36