ጻውዒት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንጽሞናዊ ጸሎት ምእንቲ ሰላም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብሰንኪ ኣምልኾ ጣኦት ስልጣን ዝመጽእ ጭፍጨፋን ውግኣትን - በቶም ንኣምላኽ ኣብ ጎድኖም ‘ከም ዝኾነ’ ዝግምቱ፡ ንጹሃት ንምቕታል ሃይማኖታዊ ምኽንያት ዘቕርቡ - ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ሰላም ዝደልዩ፡ ብሰላም ዝኣምኑ፡ ሰላም ዝጽልዩን መዓልታዊ ዝሃንጹን ኣብላጺ ህዝቢ ቀዳም ዕለት 11 ሚያዝያ 2026 ምሸት ኣብቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ደው ክብል ኣብ ዝጽውዕ መደብ ጸሎት ምእንቲ ሰላም ክሓብሩ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ቶርኒየሊ ኣብ ዘቕረቦ ሓተታ የዘኻኽር።
ድሮ ሰሉስ ዕለት 7 ሚያዝያ ኣብ ካስቴል ጋንዶልፎ ተመሳሳሊ ነገር ኣጋጢሙ ኢዩ - ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ስልጣነ ኢራን ንምጥፋእ ዘስግእ ፈኒውዎ ዝነበረ ኣዋጅ ኵናት ኣብ ግምት ብምእታው ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስ ልዮን መበል 14 ንዜጋታት እታ ሃገር ሰላም ንምሕታትን ኣብ ልዕሊ ትሕተ ቅርጺ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ደው ንምባልን ንምሕታት ምስ ኣባላት ህዝባዊ ባይቶ ክራኸቡ ጻውዒት ኣቕሪቦም ከም ዝነበሩን ሕጂ መበል 63 ዓመት ዝኽሪ ናይቲ ብር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ሰላም ኣብ ምድሪ - Pacem in Terris ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእክቲ ኣብ ዝተዘከረሉ መዓልቲ እዚ ጻውዒት ኵላዊ ኮይኑን ነቶም "ሎሚ ኣብ ሰላም ክኣምኑ ዝመርጹ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰብኡትን ኣንስትን መንእሰያትን ዓበይትን" ከምኡውን "ነቝሳል ዝከናኸኑን ነቲ ብሰንኪ ዕቡድ ኲናት ዝወረደ ጕድኣት ዝጽግኑን" ዝቐርብ እዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንድምጺ እቶም ኣብ ቓዛ ኢራን ዩክረይን ከምኡውን ኣብ ሓያሎ ኻልእ ክፋላት ዓለም መዛኑኦም ብቦምብ ኪሞቱ ዝረኣዩ ቘልዑ ፍሉይ ቈላሕታ ኺግበረሉ ይሓትቱ።
በዓል ፋሲካ ንኽበዓል ሰሙን ኣብ ዘይመልእ እዋን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዋዜማ ምብራቓዊ ፋሲካ፡ ተኸላኻሊ ዘይብሉ ዓወት ናይቲ መስፍን ሰላም፡ መሰረት ጳጳስ ሮማ ምእንቲ ነቲ ወዲ ሰብ ዝሓልፎ ዘሎ መዓታዊ ሰዓት ታሪኽ ክገጥም ተስፋኦም ኣብቲ ጽሞና ዝመልኦ ጸሎት ኣብላጺ ህዝቢ የቐምጡ። ነቲ “ሳጥናኤላዊ ዑደት ክፍኣት” እንክብሉ ዝገልጽልዎ ንስበር ኣብ ዝገብርዎ ጻዕሪ፡ ጸሎት ናይ ብዙሓት ሰባት ምስቲ “ደረት ዘይብሉ ተኽእሎታት ኣምላኽ” ክወሃሃድ ይሓትቱ።
እቶም ንሰላም ናይ ስልጣናዊ ትምህርቶም መለለዪ ዝገበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ ኣብ መወዳእታ ሰይጣናዊ ሱር ውግእ ኣብ ምልላይን ነቲ "ኣምላኽ ምሳና እዩ" ዝብል ንኹሉ ህያው ዝገብር ዝዀነ ዳግመ ምሕዳስ ምሉእ ብምሉእ ዝነጽግ ኣይፋል ዝብል እዩ። ኣምላኽ ምስቶም ሰላማውያን ሰባት ዝቐትሉ ሰባት ኪኸውን ኣይክእልን እዩ፡ ምስቶም ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ዚሞቱ ምስቶም ዚሳቐዩ እዩ።
ገለ ኻብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 እተጠቕመሉ መግለጺታት ዘደንቕ ኢዩ፡ ጸሎት "ነቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ እሞ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዘይተጸበኻዮን ቍጡዕን እናዀነ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ኵሉ ዝኽእል ምትላል ዕርዲ ኢዩ" ምኽንያቱ እቶም ዝጽልዩ ደረቶም ስለ ዝፈልጡ ኣይቐትሉን ወይ ኣየፈራርሁን እያቶም። ነቲ "ንገዛእ ርእሶምን ንስልጣኖምን ዓባስ ዕዉርን ጸማምን ጣኦት ዚገብሩ ብምልእታ ዓለም ክትምበርከብ ብምሕታት ኵሉ ዋጋ ዚስውኡ" ሰባት ዝጻረር። ነቲ ህጹጽ ጻውዒት ጸሎት ህድማ ናብ መንፈሳውነት ጌርና እንተ ርኢናዮ ጌጋ እዩ ። እዚ ድማ ኣብ ካልእ ክፋል ናይቲ ንጴጥሮስ ዝተክኡ ዝንጸባርቕ እዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ኵሉ ቦታ ሰላምን ርክብን ዕርክነትን ንምህናጽ ዘለዎ ሓላፍነት ድሕሪ ምዝኽኻር "ኣብ ፍቕርን ሚዛናውነትን ጽቡቕ ፖለቲካን" ክንኣምን ይዕድሙና። ዘተን ሽምግልናን ዝኣመሰሉ ቃላት ዘይግቡ ገይሩ ዘይሓስብ ኣብ መወዳእታ ተዅሲ ደው ንምባል ድሕሪኡ ድማ ነባሪ ናይ ሰላም ስምምዕ ክረጋገጽ ዝደልይ ፖሊቲካ፡ እንክብል ቶርኒየሊ ዘቕረቦ ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካን ይዛዝም።
(Andrea Tornielli)