ድለ

“ናይ ፍራንቸስኮ ኣረጅንቲና’ ዘርእስታ ኣሰር ኾርገ ማሪዮ በርጎሊዮ እትድህስስ ሰነዳዊት ፊልም “ናይ ፍራንቸስኮ ኣረጅንቲና’ ዘርእስታ ኣሰር ኾርገ ማሪዮ በርጎሊዮ እትድህስስ ሰነዳዊት ፊልም  

“ናይ ፍራንቸስኮ ኣረጅንቲና’ ዘርእስታ ኣሰር ኾርገ ማሪዮ በርጎሊዮ እትድህስስ ሰነዳዊት ፊልም

ዕለት 10 ለካቲት ዝኽርን ንቕድሚት ዝጥምት ራእይን ናይ ፍራንቸስኮ ኣርጀንቲና ዘርእስቱ ኣብ ቤተ መዛግብት ፊልም ቫቲካን ብወግዒ ዝቐርብ ሰነዳዊ ፊልም ኣብታ ንማእከላይ ባሕሪ ዝሰግሩ ስደተይናታት መዕረፊት ኣብ ዝኾነት ኣብ ደቡባዊ ኢጣሊያ እትርከብ ደሴት ላምፐዱዛ ብወግዒ ንምርኢት ክቐርብ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ሰሜናዊ ኢጣልያ እትርከብ ከተማ ኣስቲ፡ ከተማ ቫቲካን፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ኢጣሊያ እትርከብ ደሴት ላምፐዱዛ ብመልክዓ ምድራዊ ኣቀማምጣ ዝተረሓሓቓ ግን ከኣ ብሓባራዊ ክብሪ ዝጥርንፍ ዝኽርን መበቆልን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ፡ ከምኡ’ውን ብዓይኒ ወንጌል ናብ መጻኢ ቤተ ክርስቲያን ክንጥምት ቀጻሊ ምዕዳኖም ዘዘንትው ብካቶሊካዊ ቴሌቪዥን ቴሌፓቸ ምስ ቫቲካን ኒውስ ብምትሕብባር ዝተዳለወ፡“ናይ ፍራንቸስኮ ኣርጀንቲና”  ሰርእስቱ ነዚ ጉዕዞ ብግዜን ቦታን ብምስዓብ፣ ምስ ምስክርነትን ማህደር ቅንጥብጣብ ስእልታትን ዘቕርብ ሰነዳዊት ፊልም ንምርኢት ክቐርብ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ዕለት 8 ሚያዝያ ንግሆ ኣብ ቤተ መዛግብት ፊልም ቫቲካን ብወግዒ ከም ዝቐረበን ድሕሪ ቐትሪ ተመሳሳሊ መግለጺ እውን ኣብታ ስድራ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ዝተበገሰትላ ሰሜናዊት ኢጣልያ ከተማ ኣስቲ ዝቐረበ ኮይኑ ኣብዚ መደብ እዚ ኣዝማድ ር.ሊ.ጳ. ኾርገ ማሪዮ በርጎሊዮን ከም ኣተሳተፉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ንፍራንቸስኮ ምዝካር

ነቲ ኣብ ቡኤኖስ ኣየርስ ዝተቐድሐ ናይቲ ሰነዳዊ ፊልም ክፍሊ ግብራዊ ምኽርን ውደባዊ ደገፍን ዝሃበት ኦርሶላ ኣፐንዲኖ፡ ብዛዕባ ር.ሊ.ጳ. በርጎሊዮ ዘለዋ ተዘክሮ ተካፍል ኣብታ ፊልም ዝቐረቡ ብዙሓት ህሞታት ኣብ ኣእምሮን ልብን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሰባት ተቐሪጹ ዝቕጽል ከም ዝኾነን። እዚ ስምዒት እዚ ብርግጽ ናብ ነበርቲ ላምፔዱሳ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ እትርከብ ደሴት ኢጣልያ - ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንፈለማ እዋን ጉስነታዊ ምብጻሕ ዝገበሩላ - ዝዝርጋሕ ኮይኑ፡ እቲ ሰነዳዊ ፊልም ንዕለት 10 ሚያዝያ ኣብ ቁስምና ጀርላንዶ ንምርኢት ክቐርብ ምዃኑ ዝሓበረአ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ “እዛ ደሴት ንፍራንቸስኮ ትዝክርን ንር.ሊ.ጳ. ልዮን ትጽበን” እንክብሉ ናይ ቁምስና ቅዱስ ጀርላንዶ ቆሞስ ኣባ ካርሜሎ ሪዞ፡ ፍራንቸስኮ ኣብ 2013 ናብታ ደሴት ዝገበርዎ ጉስነታዊ ምብጻሕ ኣብ ዝዝከረሉ እዋን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14  ኣብ ወርሒ ሓምለ ክበጽሑ መደብ ከም ዘለዎም ገሊጾም፡ "ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ እንሓስቦን እንነብሮን መገዲ ንተልእኾ ቤተ-ክርስትያን ብዙሕ ዕዳ ኣሎና። እዚ ሰነድ እዚ ድማ ንኻልኦት ኣእዳዉ ዝዝርግሕ ናይ ር.ሊ. ጳጳስ ሓባራዊ ሕቝፊ ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ናይ ተስፋን ሰላም መልእኽቶምን ንምዝካር እውን ኣጋጣሚ ኢዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

09 Apr 2026, 16:59