ካርዲናል ፓሮሊን፡ ሓያላት ዓለም ዝሓሸ ዓለም ክውን ምግባር ዝከኣል ምዃኑ ከስተውዕሉ ይጽውዑ ካርዲናል ፓሮሊን፡ ሓያላት ዓለም ዝሓሸ ዓለም ክውን ምግባር ዝከኣል ምዃኑ ከስተውዕሉ ይጽውዑ 

ካርዲናል ፓሮሊን፡ ሓያላት ዓለም ዝሓሸ ዓለም ክውን ምግባር ዝከኣል ምዃኑ ከስተውዕሉ ይጽውዑ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ናይ ኢጣልያ ናይ ፍራንቸስካውያን መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ብዛዕባ እቲ “ዘሰክፍ” ዓለማዊ ተርእዮ እውን እንተተዛረቡ ብፍላይ ኣብ ክርስትያናዊ እምነትን ኣብ ሕውነትን ዘተኰረ "ምልክታት ተስፋ" ከም ዘሎ የጒልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዋላ እኳ ሎሚ ኣዝዩ ጽዑቕ ኵነታት ስነ ፖለቲካዊ ኣቀማምጣ መልክዓ ምድሪ እንተሃለወ፡ ኣብቶም “ሓዳስ ዓለም ይከኣል፡ ሓድሽ ሕብረተሰብ ይከኣል፡ ሓድሽ ኣገባብ ኣነባብራን ንሓድሕድካ ምትእስሳርን ይከኣል እዩ” ዝብሉ ውልቀሰባት ምልክት ተስፋ ክርከብ ዝከኣል ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ኣሲዚ ምስ ዝርከብ ናይ ፍራንቸስካውያን ንኡሳን ኣሃው ገዳም ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ኣባ ጁሊዮ ቸሳርዮ ዕለት 5 መጋቢት ኣብ ዘካየድዎን ዕለት 1 ለካቲት ወግዓዊ ኣብ ዝኾነን ቃለ መሕትት ከም ዝገለጹን ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ምልክታት ተስፋ

ካርዲናል ፓሮሊን ኣብቲ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ብዛዕባ “ዘሰክፍ” ስነ ፖለቲካዊ ኣቀማምጣ መልክዓ ምድሪ እንክዛረቡ፡ "ኩላትና ብዛዕባ እቲ ዝፍጸም ዘሎ ጉዳያት ብሓቂ ንጭነቕ ኢና" ይኹን እምበር፡ "ኣብዚ ዅነታት እዚ ተስፋ ዘይቈርጹ፡ ሓድሽ ዓለም ሓድሽ ሕብረተሰብ ሓድሽ ኣነባብራን ርክብን ይከኣል እዩ" ቢሎም ኣብ ዝኣምኑ ዝንጸባረቕ ተስፋ ከም ዘሎ ይስተብህሉ።

ተራ እምነት​​

ኣስዒቦም ካርዲናል ፓሮሊን “ዓቢ ምኽንያት ተስፋ” ካብቲ “ጭቡጥ መምርሒ ዝህብ” እምነት ክርስትና ዝመጽእ እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ሕውነት ዝብል ክቡር ዋጋ፡ ኣብ ዝተኸፋፈለት ዓለም “ሎሚ ካብቲ መልእኽቲ ኢየሱስ ዘቃልሕ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዝበጽሓና መልእኽቲ ንኹሉ ሰብ ዋላ ንጸላእትና ምፍቃር ዝብል እዩ። ካብዚ ፍቕሪ እዚ ጥራይ ኢና ተስፋ ክንረክብ እንኽእል፡ ኩሉ ነገር ንኹሉ ሰብ ዝኾነን ናይ ሰላም ክውንነት ንምህናጽ ዝጽዕርን ፍቕሪ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ፖለቲካዊ ተግባር ዝኸውን ኣውያት

ቀጺሎም ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ፓሮሊን፡ ሃብታማትን ሓያላትን ዓለም ካብቶም ድሕሪት ዝተረፉን ዝተጠንጠኑን ዝስማዕ “ናይ ተቓውሞ ኣውያት” ዘይሰምዑ ጸማማት ኮይኖም ክተርፉ ከምዘይብሎም ኣስሚሮም፡ እዚ ኣውያት ናብ "ፖለቲካዊ ስጉምቲ" ክቕየር ኣገዳሲ እዩ። እቲ ዘሕዝን ግን መራሕቲ ዓለም “ነቲ ካብ ታሕቲ ዝመጽእ ድምጺ ብዙሕ ተሃዋዋስያን ወይ ትኩራት” ዘይምዃኖም እዩ። ኣብዚ ኩነት እዚ እዩ መልእኽቲ ወንጌል ምኽንያት ተስፋ ክኸውን ዝኽእል፣ ነዚ መዝማዚ ዝኾነ “ኣገባብ ኣነባብራን ከይንለምዶን ብምክልኻል ሰብኣዊ ርክባት ክንርድኣን መታን ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ናይ ተስፋ መልእኽቲ

ምስሊ ቅዱስ ፍራንቸስ ዘኣሲዚ ብፍላይ ኣብዚ እዋን እዚ "ሓሳባት ዘይኰነስ ንሰባት" ናይ ምትብባዕ ክእለት ዘለዎ ምዃኑ ብምምልካት፡ እዚ ነቲ ንቅርስታት እቲ ቅዱስ ንምርኣይ ናብ ኣሲሲ ዚውሕዙ ብዙሓት ነጋዲድያን፡ "ሰባት ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ኣርኣያታትን ኣብነታትን ኪህልዎም ከም ዝደልዩ ዘረጋግጽ እዩ" ንመብዛሕቲኦም ከኣ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ምስቲ ኣብ ቀረባ እዋን እተዛዘመ ዓመት እዮቤል ብቐጻሊ "መልእኽቲ ተስፋ" እዩ ዘመልክት ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

02 Apr 2026, 15:40