ኣብ ሊባኖስ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ፦ ‘ሊባኖስ ሰላም ይግብኣ፤ ውግእ ሞት እዩ!’ ኣብ ሊባኖስ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ፦ ‘ሊባኖስ ሰላም ይግብኣ፤ ውግእ ሞት እዩ!’  (AFP or licensors)

ኣብ ሊባኖስ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ፦ ‘ሊባኖስ ሰላም ይግብኣ፤ ውግእ ሞት እዩ!’

ኣብ ሊባኖስ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ፓውሎ ቦርጃ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር እትፍጽሞ ዘላ መጥቃዕቲ ዘስዓቦ ሞትን ዕንወትን ዘሕድረሎም ሓዘን ብምግላጽ፡ ሰላም ንምርግጋጽ ዘተ ክግበር ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ጻውዒት የቕርቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"ከምዚ ዝበለ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ ኣይፈልጥን። ኣብ ውሽጢ 10 ደቓይቕ ዳርጋ ብሓንሳብ 10 መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ኣብ ሊባኖስ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ፓውሎ ቦርጃ. ዕለት 8 ሚያዝያ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፡ ብዝሒ ብዘለወን ነፈርቲ ውግእ እስራኤል ዝተፈጸም መጥቃዒት ምዃኑ ይሕብሩ።

ረቡዕ ዕለት 8 ሚያዝያ እስራኤል ኣብ መላእ ሊባኖስ ብዝፈጸመቶ ደብዳብ ብውሕዱ 182 ሰባት ከም ዝሞቱን ብኣማኢት ዝቕይጸሩ ድማ ከም ዝቖሰሉን፡ ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ኣብ መንጎ ኣሜሪካ፣ እስራኤልን ኢራንን ንኽልተ ሰሙን ዝጸንሕ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል እኳ እንተተገብረ፣ እስራኤል ግን እቲ ስምምዕ ነቲ ምስ ሂዝቦላሕ ንእተካይዶ ግጭት ዘይምልከት እዩ ከም ዝበለት እውን የዘኻኽሩ።

ሊቀ ጳጳስ ቦርጅያ ንልዕሊ 10 ሰዓታት ምስ ማሮናዊ ፓትርያርክ ካርዲናል በቻራ ቡጥሮስ ራይ ብሓባር ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ከባቢታት እታ ሃገር ንዝርከቡ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሰዓብቲ ሓገዝን ቅርበትን ኣብ ዘረጋግጽ ተልእኾ ከም እተሳተፉ፡ ኣብቲ ብስልኪ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፡ ተስፋ ናብ ካልኦት ንምብጻሕ ህያው ምግባር ከምዘድሊ ብምጉላሕ፡ እንተወሓደ ብመንፈሳዊ መዳይ “ፈጺሙ ኣይደኸመንን” ይብሉ።

ሕቶ፡- ኣብ ቤሩት እንታይ እዩ ዝፍጸም ዘሎ?

ምሉእ መዓልቲ ብሰንኪ ኣብ መንጎ ሂዝቦላሕን እስራኤልን ዝተፈጥረ ግጭት ይቕጽል ኣሎ። ሕጂ ብርቱዕ ናይ መጓዓዝያ ምጭንናቕ፡ እታ ከተማ ጽቕጥቕጥ ዝረኣየላን፣ ናይ መጓዓዝያ ህሙማን ማካይን ድምጽታት ዝስምዓላን ብሓፈሻ ኣብ ዕግርግር እያ ዘላ።

ወራር እስራኤል ክሳብ ሕጂ ይቕጽል ኣሎ። ብመሰረት ማዕከናት ዜና እስራኤል፡ በዚ ጽዑቕ መጥቓዕቲ እስራኤል ን48 ሰዓታት ዝቕልጽ እዩ። እቲ ኵነታት ከመይ ከም ዝምዕብል ዝርአ ድማ ይኸውን።

ሕቶ፡- እዚ ኩሉ ዝፍጸም ዘሎ፡ መራሔ መንግስቲ እስራኤል ኔታንያሁ፡ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ንኽልተ ሰሙን ዝጸንሕ ዝተበጽሐ ስምምዕ ደው ምባል ቶኽሲ ከምዝድግፍ ብምግላጽ እዚ ግን ንሊባኖስ ዘጠቓልል ከም ዘይኾነ ኣፍሊጡ እዩ።

እዚ ክልተ ኩነታት ዋላ ዝተኣሳሰሩ እንተኾኑ ዝተፈላለዩ ኩነታት ምዃኖም ይርዳኣኒ እዩ። ብሓደ ወገን ኢራን ምስ ሂዝቦላሕ ዝተኣሳሰረት ኮይና በቲ ካልእ ወገን ግን ሂዝቦላሕ ንእስራኤል ዝተፈለየ ጸገም ይውክል። እንተኾነ ኣብዚ ተኹሲ ደው ምባልን ምስ እስራኤል ብምትእስሳር ንምርግጋእ ሊባኖስ ዘተ ክጅመርን ኣዝዩ ተደላዪ እዩ። ኩነታት ግርጭት ቀሊል ኣይኮነን፡ ሞትን ዕንወትን እናዘርገሐ ምፍልላይ ጥራይ እዩ ዘስፍሕ፣ ከም ዝፍለጥ እስራኤል ሂዝቦላሕ ኣጽዋር ክፈትሕ እያ እትደሊ፡ እዚ ዕላማ’ዚ ድማ ኣይተዓወተን።

ዕርቂ ምግባር ማዕጾ ስነ ሜላዊ ርክባት ዳግማይ ክኸፈትን ብተወሳኺ፡ ሰበስልጣን ሊባኖስ - ብፍላይ ርእሰ ብሔር ሊባኖስ - ነቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ፍታሕ ክርከቦ ምስ እስራኤል ቀጥታዊ ዘተ ክግበር ብተደጋጋሚ ጻውዒት ኣቕሪቡ እዩ።

እቲ መገዲ ከምቲ ዕለት 15 መጋቢት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ዘመልከትዎ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ ዝብል እምነት ኣሎኒ፣ ኣብኡ ድማ ንውድባት “ንሰበስልጣን እታ ሃገር ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝግለጽ ዘሎ ከቢድ ቅልውላው ነባሪ ፍታሕ ኣብ ምትግባር ክድግፉ ዝኽእሉ፣ ንሓባራዊ ረብሓ ኩሉ ህዝቢ ሊባኖስ፡ “መገድታት ዘተ” ክስዕቡ ከም ዝሓተትዎ ኢሎም።

ሕቶ፡- ነታ ሃገር እንታይ መፍትሒ ክህሉ ይኽእል?

ኩሉ ግዜ ሰላምን ፍታሕ ዝርከብ ኣብ ዘይመስልሉ እዋን ተልእኾኻን ዕዮታትካን ምፍጻም የድሊ። ኲናት ጥፍኣት፡ ሞት፡ ብዙሓት ተመዛበልቲ፡ ብዙሕ መሪርን ከቢድን ኩነታት እዩ ዘስዕብ። ምናልባት እዚ ቅኑዕ መንገዲ ከምዘይኮነን ዝተፈላለየ ኣካይዳ ክውሰድን ክካፈልን ርትዓዊ መርገጺታት ክድለ ከምዘለዎን ኩሉ ክርድኦ ይግባእ።

ሕቶ፡- ሊባኖስ “ዝጸልመተ ሰዓት” ትነብር ኣላ ክበሃል ይከኣል ድዩ?

ሊባኖስ ብዙሕ ኲናት ስለ ዘጋጠማ እዛ ሰዓት እዚኣ እቲ ዝጸልመተ ሰዓት ክብሎ ኣይክእልን። ነፍሲ ወከፍ ሰዓት ናይ ገዛእ ርእሱ ክብደት ዘለዎን ዝተፈላለየ ሰባትን ኩነታትን ዘሳትፍን እዩ። ኩሉ ውግእ ፍሉይ እዩ፣ ምስናይዚ ግን ኩሉ ቃንዛ የምጽእን ዕንወት ይውስኽን። ሊባኖስ ንልዕሊ 50 ዓመታት ኣብ ኲናት ከም ዝጸንሐት ኣብ ግምት ብምእታው፡ እዚ እቲ ዝጸልመተ ህሞት እዩ ክብል ዝኽእል ኣይመስለንን።

ሕቶ፡- ህዝቢ ከመይ ኣሎ? ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ እዋን ሰብኣዊ ተልእኾ ኣብ ብዙሓት ዓድታትን ማሕበረሰባትን ደቡብ በጺሕኩም ኢኹም። ሰባት እንታይ ይብሉኹም? እንታይ ተስፋ ይገብሩ?

ኣብ ከባቢ ቤሩት ምስ ኩሎም ተመዛበልቲ ብፍላይ ሺዓ ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ኩነታት ዝርከቡ ብዙሕ ስቓይ ኣሎ። ብዙሓት ክርስትያን ኣብ ቤሩት ወይ ኣብ ሰሜን እውን ተመዛቢሎም ኣለዉ። ብርግጽ ከቢድ እዩ ምኽንያቱ ኩሉ ዘለዎም ሓዲጎም ዝመዛበሉ እያቶም፣ ኣብ ደቡብ ዝርከባ ዓድታት ምስተጠንተና ንጥፈታት ስለዘተቋረጸ እውን ዓቢ ቁጠባዊ ጸገም ኣሎ። ብድሕሪኡ እቶም ኣብ ጎደናታት ዝተርፉ ወይ ምስ ኣዝማዶም ወይ ፈተውቶም ዝዕቆቡ ዝስምዖም ናይ ዘይምርግጋእ ስምዒት ኣሎ። እቶም ኣብ ደቡባዊ ዓድታት ዝተረፉ ድማ ምስ መሬቶምን ከባቢኦምን ጽኑዕ ምትእስሳር ስለዘለዎም ንኽጸንሑ ዝመርጹ እዮም።

ብዛዕባ መጻኢ ግን ብዙሕ ጭንቀትን ዘይርጉጽነትን፡ ከምኡ’ውን ብሰንኪ እቲ ዘጋጥሞም ዘሎ ተነጽሎ ናይ ጽምዋ ስምዒት ኣሎ። ናብ ዝኾነ ቦታ ክኸዱ ኣይክእሉን እዮም! በይኖም ጾር ዝተሰከሙ ኮይኑ እዩ ይስምዖም። ስለዚ ኢና ክንበጽሖም እንኸይድ: ህላወ ኵላዊትን ሊባኖሳዊትን ቤተ ክርስቲያን ብፍላይ ድማ ህላወ ቅዱስ ኣቦና ክስምዖም ኣለዎ: ከምኡ ውን ብዙሓት ሰናይ ድሌት ዘለዎም ሰባት ነቶም በዚ መዓት እዚ ዝሓልፉ ዝሕግዙን ዝድግፉን ክስምዖም ኣለዎ።
ሕቶ፡- ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንክርስትያን ደቤል ናይ ፋሲካ መልእኽቲ ብምልኣኽ፡ ንትንሳኤ ከም ምንጪ ተስፋ ክጥምትዎን ትብዓት ከይስእኑን ተላብዮም እዮም። እዚ ቃላት እዚ ብኸመይ ተቐቢሎምዎ?

እቲ መልእኽቲ ንክርስትያን ብሓቂ ሓቀይና መገዲ እዮ ዘንጸባርቕ፣ ሕጂ ናብ ትንሳኤ ኽንጥምት ኣሎና። ሊባኖሳውያን ዓሚቝ ሃይማኖታውያን ስለ ዝዀኑ በዓል ትንሳኤ ምብዓል ኣገዳሲ ኽፍሊ ክርስትያናዊ እምነቶም እዩ። ሕጂ ውን እዘን መዓልታት ቅዱስ ሰሙን ንነብር ዘለና ንመስል፡ ግን ከኣ ኩሉ ግዜ ኣዒንትና ኣብ ትንሳኤ፡ ኣብቲ ዘድሕነናን ቃል ሓድሽ ህይወት ዝኣትወልናን ጎይታ ኣተኲርና ኣሎና። ክርስትያናት ዘይኮኑ ሰባት እውን ነቲ ቅዱስ ኣቦና ዝብልዎ ቃላት ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ሰላም ዝገልጽ መደረኦም ኣዝዩ የድንቕዎ። ብኲናት ንዝተሃስየ ኵነታትን ህዝብን ዘለዎ ሓልዮት እውን የድንቑ።

ሕቶ፡- ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ትማሊ ሰሉስ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ መገልጺ ንሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ብምጥቃስ፣ ሰባት ናብ ኣባላት ህዝባዊ ባይቶን ሓጋጊ ባይቶን ወይ ካልኦት ሰበስልጣንን ፖለቲከይናታትን ብምብጻሕ ኩናት ከምዘይደልዩን ሰላም ከምዝደልዩን ክነግሩዎም ኣተሓሳሲቦም እዮም፡ እዚ ጻውዒት ናብ ሂዝቦላሕ እውን ክዝርጋሕ ይኽእል ድዩ?

ብርግጽ ንኹሉ ሰብ ጽቡቕ ድላይ ዕድመ እዩ። እዚ ንሂዝቦላሕን ንእስራኤልን ዕድመ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ጸገማት ንምፍታሕ መንገዲ ንምድላይን ኣብ ሊባኖስ መንገዲ ሰላምን ሓድሽ ህይወትን ንምኽፋት - እታ ሃገር እትብህጎን ዝግብኣን መንገዲ እዩ።

ሓደ ሰብ ተስፋ ህያው ክገብሮ ኣለዎ፤ እንተዘይኮይኑ፡ ከመይ ጌርና ኢና ንተስፋ ካልኦት ክነነቓቕሕ እንኽእል?

ሕቶ፡- ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እውን ቀጻሊ ምእንቲ ሰላም ጻውዒት ጸሎት የቕርቡ እውን ኣለዉ። ንዕለት 11 ሚያዝያ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ እምንቲ ሰላም ዘማእከለ ጸሎት ክካየድ እውን ሓቲቶም ኣለዉ። ንሊባኖስ ጸሎትኩም እንታይ እዩ?

ሰላም ክረጋገጽ፡ ሰባት ድማ ብህድኣትን ብርግኣትን ክነብሩ። ሊባኖስ ኩሉ ግዜ ብድሆ እያ ምኽንያቱ ብዙሕነት ዘለዋ፣ ንጽጽር ዝመልኣ ሃገር ስለዝኾነት፤ እቲ ብድሆ እቲ ጽቡቕ ገጽ እዛ ሃገር ምእንቲ ክግለጽ ኩሉ ናብ ስኒት ምምጻእ እዩ። ኩሉ ሰብ ኣገዳስነት ሰላም ይርዳእ እዩ- ሰላም ስዕረት ዘይኮነስ ካብ ኣምላኽ ዝመጽእ ሰናይ ብምዃኑ፣ ኣብ ቅድሚ ኩነታት ኢድካ ምሃብ ማለት ኣይኮነን። ሰላም ፍትሓዊ እዩ፤ ብዕርቂ ኣቢልካ ንህይወት ክትከፍት ተኽእሎ ዝህብ ነገር እዩ። ኲናት ሞት ጥራይ እዩ እንክብሉ ሊቀ ጳጳሳት ቦርጃ ብስኪ ምስ ዜና ቫቲካን ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝሙ።

10 Apr 2026, 16:37