2024.05.25 ኣብ ሮማ ክካየድ ተወሲኑ ዝነበረ ካቶሊካዊ ካልኣይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህጻናት ተሰሪዙ 2024.05.25 ኣብ ሮማ ክካየድ ተወሲኑ ዝነበረ ካቶሊካዊ ካልኣይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህጻናት ተሰሪዙ  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ኣብ ሮማ ክካየድ ተወሲኑ ዝነበረ ካቶሊካዊ ካልኣይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህጻናት ተሰሪዙ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ወርሒ ለካቲት ብኢዶም ብዝጸሓፍዎ ውሳነ ስዒቡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ቆልዑ ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ህይወትን ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ክስረዝ ብምግባር፡ ኵሉ እቲ ንጒስነት ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝዓለሙ ተበግሶታት ብምስራዝ፡ "ኩሎም ንጉስነት ህጻናት ዝዓለሙ ተበግሶታት፡ ብድሌት ተራ ሰባት፡ ብደረጃ ሃገረ ስብከት ወይ ቁምስናታትን ክካየድ ከምዝኽእል" የተሓሳስብ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዕለት 12 ለካቲት 2026 ብኢዶም ብዝጸሓፍዎ ናይ ውሳነ ሰነድ ስዒቡ፡ ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ህይወትን ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት፡ "ድሕሪ ጥንቁቕ ኣስተንትኖን ምስ ቅዱስ ኣቦና ብምስምማዕን፡ ነቲ ቅድም ክብል ካብ ዕለት 25 - 27 መስከረም 2026 ኣብ ሮማ ንኽካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ካልኣይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህጻናት ክስረዝ ግቡእ ኮይኑ ከም ዝረኸቦ” ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ብምምልካት፡ "ኩሉ ንጉስነት ህጻናት ዝዓለመ ተበግሶታት፡ ብድሌት ተራ ሰባት፡ ብደረጃ ሃገረ ስብከት ወይ ቁምስናን ብተሳትፎ፡ ንሰብኣውን መንፈሳውን ዕብየት ነፍሲ ወከፍ ህጻን ተፈጥሮኣዊ ቦታ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ዝብል ሓሳብ ብምቕራብ፡ ጉስነታዊ ክንክን ኣባይቲ ስድራ ብኹሉ ኣካላታ" ንምድንፋዕ ዝግበር ተወፋይነት ደጊሙ ከም ዘረጋገጸ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

01 Apr 2026, 15:42