ድለ

ኣብ ተክለ ሰብነት ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 ዘማእከለ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ተክለ ሰብነት ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 ዘማእከለ ዓውደ መጽናዕቲ  

ኣብ ተክለ ሰብነት ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 ዘማእከለ ዓውደ መጽናዕቲ

ብካርዲናል ቀዳሜ ዲያቆም ዶሚኒክ ማምበርቲ ኣመሓዳሪ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሓዋርያዊ ክታም ህየንተ ዝምራሕ መበል 150 ዓመት ልደት ዩጀኒዮ ፓቸሊ - ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 ንምዝካር ኣርባዕተ ናይ መጽናዕቲ ጽሑፍ ዘቕርቡሉን መደረ ዘስምዕሉን ዕለት 4 ግንቦት ዝካየድ ዓውደ መጽናዕተ ከም እተዳለወ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"ኤውጀኒዮ ፓቸሊ – ፒዮስ XII፦ ኣብ መንጎ ከተማ ኣምላኽን ከተማ ሰብን" ዝብል ቅዉም ሓሳብ ናይቲ ዕለት 4 ግንቦት ሮማ ኣብ ዝርከብ ገዳም ቅድስተ ማርያም ኣብ ላዕሊ ሚነርቫ  ኣብ ዝርከብ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ  ንዝኽሪ መበል 150 ዓመት ልደት ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 ናይ ዝካየድ ዓውደ መጽናዕቲ ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

 ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ካርዲናል ቀዳሜ ዲያቆም ዶሚኒክ ማምበርቲ ኣመሓዳሪ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሓዋርያዊ ክታም ጆሃን ኢክስ ኣመሓዳሪ ታሪኻዊ መዛግብቲ ክፍሊ ርክባት ምስ ሃገራትን ኣህጉራውያን ትካላትን ቅድስቲ መንበር ቤት ሕፈት ዋና ጸሓፊ “ኤውጀኒዮ ፓቸሊን ውዕላትን” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ኣማእኪሎም መደረ ከምስዑ ምዃኖም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ናይ ዜና ቫቲካን ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ “ኤውጀንዮ ፓቸሊን ናይ ቅድስቲ መንበር ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራውያንትካላትን ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፍን” ፡ ከምኡ እውን ስቴፋን ሃይድ ዋና ኣመሓዳሪ ናይ ጳጳሳዊ ተቕዋም ክርስትያናዊ ስነ-ጥንቲ ድማ "ፒዮስ መበል 12ን ኣብ ትሕቲ ቃል ኑዛዜ ቅዱስ ጴጥሮስን እተገብረ ኲዕቶ" ኣስዒቦም ዶመኒካዊት ካህን ኣባ ፋብሪዚዮ ካምቢ ኣበ ምኒየት ገዳም በነዲክታውያን ኣብ ቅድስድተ ማርያም ኣብ ላዕሊ ሚነቭራ ብዛዕባ "ኢጣልያን ሓለውቲ ቅድስት ካተሪንን ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ኣብ ስልጣናዊ ትምህርቲ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12" ዘማእከለ መደረ ከቕርቡ ከም ዝኾኑ ኣፍሊጡ።

29 Apr 2026, 14:44