ካህናት ኣብ ናይ ጸሎተ ኃሙስ መስዋዕተ ቅዳሴ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ካህናት ኣብ ናይ ጸሎተ ኃሙስ መስዋዕተ ቅዳሴ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14  (@Vatican Media)

ካርዲናል ዩ ሄንግ-ሲክ፦ ንዅሎም ካህናት 'ኣዕሩኽ ጐይታ ኢኹም'

ካርዲናል ላዛሮ ዩ ሄንግ-ሲክ ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ካህናት ናይ ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዝኾኑ፡ ብምኽንያት ጸሎተ ኃሙስ ኣብ መላእ ዓለም ናብ ዝርከቡ ኵሎም ካህናትን፡ ድያቆናትን መልእኽቲ ሰዲዶም፣ ንክርስቶስ ብኣገልግሎቶም ናብ ሕዝቡ ስለ ዘቕርብዎ ድማ ኣመስጊኖም።

ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን

"ስለቲ ብስቕታን ብሕቡእን እተወፍይዎ መዓልታዊ ተኣማንነትኩም ኣመስግነኩም ኣሎኹ። ኣብ እዋን ጸገማትን ጽምዋን ዘይምርድዳእን እውን ከይተረፈ በብመዓልቱ ብዝሕደስ ተኣዝዞኹም ኣመስግነኩም ኣሎኹ። ክርስቶስ ብኣገልግሎትኩም ኣቢሉ ምእንቲ ከሕውዮምን፡ ኪምሕሮምን፡ ኪዕንግሎምን ናብ ሕዝቡ ስለ ዝቐርብ ኣመስግነኩም ኣሎኹ።

ካርዲናል ላዛሮ ዩ ሄንግ-ሲክ ህየንተ ብዛዕባ ካህናት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር፡ ምስ ጸሓፊ ናይቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ሊቀ ጳጳሳት ካርሎ ሮበርቶ ማሪያ ሬዳሊ ኰይኖም ብምኽንያት ጸሎተ ኃሙስ ናብ ካህናትን ዲያቆናትን ተማሃርቲ ዘርኣ ክህነትን ናብ ዝለኣኽዎ መልእኽቲ ነዚ ምስጋና እዚ ኣመሓላሊፎም።

ቤተ-ክርስትያን ምሥጢረ ቅዱስ ቍርባንን፡ ምሥጢረ ክህነትን ዝተሰርዓሉ ዕለት ኣብ ተኽብረሉ እዋን "ኣብ ኵሉ ክፍልታት ዓለም ንዘሎኹም፡ ሞሳን፡ ሕውነታዊ ፍቕርን፡ ልባዊ ምትብባዕን ክንገልጸልኩም ስለ ዝደለና" ነዛ መልእኽቲ ንሰደልኩም ኣሎና ክብሉ ካርዲናል ዩ ገሊጾም።

ካህናት ኣዕሩኽ ጐይታ እዮም

እዚ ጊዜ እዚ ቤተ-ክርስትያን ነቲ ኣእጋር ደቂ መዛምርቱ ብፍቕሪ ሓጺቡ፡ እንጌራ ብምቝራስ ገዛእ ርእሱ ዝሃበ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እተስተንትነሉ ዘላ እዋን ኢዩ፣ “ጸዋዕታና ካብዚ ፍቕሪ እዚ እዩ ተወሊዱ፣ ንሕና ከኣ ንምሉእ ሕይወትና ነዚ ፍቕሪ እዚ ንክንስዕብ ኢና ተጸዊዕና” ክብሉ፡ ካርዲናል ዩ፡ ንካህናት ስለቲ ምስ ጐይታ ዘለዎም ዓብዪ ፍቕርን ዕርክነትን ኣመስጊኖም።

 “ካህን ዓርኪ ጐይታ እዩ፣ ብቃል ኣምላኽን፡ ምሥጢራት ብምስራዕን፡ ብመዓልታዊ ጸሎትን፡ ምስኡ ብሕታዊ ርክብ ኪምስርት እተጸውዐ ኢዩ። ምስ ክርስቶስ ዕርክነት ምፍጣር፡ መንፈሳዊ መሰረት ናይቲ ኣገልጋሊ ካህን ኢዩ" ክብሉ፡ ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝበልዎ ቃላት ጠቂሶም።

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ካርዲናል ዩ፡ ንኵሎም ካህናት፡ ካህን ምዃን ኪትዓዮ ዘለካ ተራ ግደ ዘይኮነስ፡ ሞሳ ብዝመልስ  ልብን ብኣድንቖትን ኪዕቀብ ዘለዎ ውህበት ምዃኑ ኣዘኻኸሮም።

ኣስዒቦም’ውን ካህናት በቲ ዚዓይዎ መንፈሳዊ ዕዮ ጥራይ ዘይኰነስ በቲ "ክርስቶስ ዜፍቅረና መወዳእታ ዘይብሉ ፍቕሪ" ከም ዚፍለጡ ገሊጾም።

ቅዱስ ቍርባን ምንጪ ህላወናን ጫፍን እዩ

ኣብታ መልእኽቲ ካርዲናል ዩ ብዛዕባ መስዋእትነትን ኣገልግሎትን ክህነት ውን ኣስተንቲኖም።

መስዋእትነት ሓቀይና ትርጕሙ፡ ንዅሉ ምሕዳግ ዘይኰነስ ውህበት ኢዩ፣ ምሉእ ብምሉእ ናብ ፍቕሪ ኣምላኽን፡ ናብ ፍቕሪ ኣሕዋትን ኣሓትን ምእንቲ ከተተኵር ሕይወትካ ምውፋይ ኢዩ።

"ኣብ ቅዱስ ቍርባን ምንጪ ህላወናን ጫፍ ህላወናን ብምርካብ፡ ዝተወፈዩን ዝተቀደሱን ሰባት ኴንና ክንነብር ዝተጸዋዕና ኢና።ኣብ መንበረ ታቦት ነፍስና ምስ ክርስቶስ ክትወሃሃድ ነፍቕድ፡ ካብኡ ከኣ ናይ ይቕረ ንምባልን፡ ናይ ምጽንናዕን ብርታዐ ንረክብ፣ኣገልግሎት ከኣ ጭቡጥ ኵነት ናይዚ ፍቕሪ እዚ ኢዩ ክብሉ ገሊጾም።

ካርዲናል ዩ ኣብ መወዳእታ ካህናት በቲ ኣብዚ ጊዜና ዘሎ ጸገማት ተስፋ ንከይቈርጹ መኺሮም። "እቲ መሬት መኻን፡  እቲ ዘርኢ ከኣ ኪበቍል ዝቃለስ ዘሎ ኪመስል ይኽእል ኢዩ፣ ጐይታ ግን ኵሉ ጊዜ ይዓዪ፣ “ንሱ ሓሪዩናን፡ ቀዲሱናን ኢዩ፣ ከቶ ከኣ ኣይክገድፈናን ኢዩ። ስለዚ፡ ክፉት ልቢ ዘለዎም፡ ቀረብቲ፡ ሰማዕቲ፡ ሓለይቲ፡ ሰብ ሕብረት፡ ምልክት ናይ ሲኖዶሳውነትን፡ ሚስዮናዊት ቤተ-ክርስትያንን ዘለዎም ካህናት ኩኑ፣ መስዋዕቲ ውን ይሕተት፡ ሕጉሳት መስከርቲ ወንጌል ኩኑ።

ሓጐስ ጸዋዕታኻ ሓልዎ

ካርዲናል ዩ ቀጺሎም፡ ነቶም ብልግሶምን፡ ምቕሉል ኣገልግሎቶምን፡ ንፍቕሪ ናይቲ ኣገልጋሊ ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ንዜንጸባርቑ ቀወምቲ ድያቆናት ውን ኣመስጊኖም።

ከምኡ ውን ኣገልግሎት ድያቆናት፡ ሎሚ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ንሕይወት ቤተ-ክርስትያን ክቡርን ኣድላዪን ምዃኑ ኣብሪሆም።

ኣብ መወዳእታ ኣድህቦኦም ናብቶም ንክህነት ዚሰናደዉ ዘለዉ ተማሃርቲ ዘርኣ ክህነት ብምግባር፡ "ምሉእ ሕይወትኩም ንጐይታ ከተወፍዩ ኣይትፍርሁ" ክብሉ ኣተባቦዖም።

ቤተ-ክርስትያን ሓቅነቶምን ውዕዉዕ ስምዒቶምን እምነቶምን ስለ ዘድልያ፡ ንዅሎም ተማሃርቲ ዘርኣ ክህነት ጸዋዕታኦም ክሕልዉን፡ መዓልታዊ ብፍቕሪ ክርስቶስ ክዓብዩን ተማሕጺኖም።

ንዅሎም ካህናትን ዲያቆናትን ተማሃርቲ ዘርኣ ክህነትን ኣማልድነት እኖና ቅድስቲ ማርያምን፡ ምስ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዓሚቝ ሓድነት ዝፈሪ ቅዱስ ዘመነ ፋሲካን ተመንዮም።

 

03 Apr 2026, 14:05