ድለ

ካርዲናል ፓሮሊን፡ ንሰላም ዝጽውዕ ተወሳኺ ድምጺ የድልየና! ካርዲናል ፓሮሊን፡ ንሰላም ዝጽውዕ ተወሳኺ ድምጺ የድልየና! 

ካርዲናል ፓሮሊን፡ ንሰላም ዝጽውዕ ተወሳኺ ድምጺ የድልየና!

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብዚ ቀረባ እዋን ምስ ናይ ኢጣሊያ ዲያሎጊ ምስ እተሰምየ ርብዒ ዓመታዊ ጋዜጣ ጋዜጣ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ብዛዕባ እናተበላሸው ዝኸይድ ዘሎ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ኣገባባት፡ ምልዓል ስነ - መጐት ሓያላትን፡ ኣገዳስነት ሕቡራት ሃገራት፡ ከምኡ’ውን ኣድላይነት ምርጋፍ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ኣብ ዝምልከቱ ኣርእስታት ሰፊሕ መብርሂ ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ሰላም ብኣህጉራዊ ስምምዓት ዘይኮነስ ብኣጽዋርን ሓያላት ብዝገበርዎ ሚዛንን እዩ ዝረጋገጽ ኢልካ ምሕሳብ ኡጦብያዊ እዩ” ነዚ ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ምስቲ ንዓለም ናብ ሓደጋ ዘእትው ዘሎ ቅልውላዋትን ውግኣትን ኣማእኪሎም ዲያሎጊ ምስ እተሰምየ ባህላዊ ርብዒ ዓመታዊ ናይ ኢጣሊያ ጋዜጣ ኣብ ዘካየድዎ ቅለ መሕትት ከም ዘስተብሃሉን ብጹዕነቶም ኣብ ዓለም ዝረአ ዘሎ ንዳግመ-ዕጥቂ ዝምልከት እውን ኣጽኒዖም ከም ዘግወገዙ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ “ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ብፍጹም ክወገድ ከም ዘለዎ ኣጽኒዕና ንኣምን። ብጀካ እዚ፡ ኣቶማዊ ኣጽዋር በብቑሩብ ንምንካይ ዝተበጽሐ ስምምዓት ዝሓቶ ተሓድሶ ዘይምህላዉ፣ እዚ ድማ “ኣብ ምድሪ ህይወት ከጥፍእ ዝኽእል ቀታሊ ኣጽዋርን ንምህናጽ ዝያዳ ቀይዲ በተኽ ናብ ምዃን ከም ዝመርሕ” ኣስሚሮም፡ “ዝያዳ ድምጺ ንሰላም፡ ዝያዳ ኣንጻር ዕብዳን ውድድር ኣጽዋር፡ ዝያዳ ንረብሓ ድኻታት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ድምጺ ክስማዕ ዝያዳ ጽምጽን ዝያዳ እማመታትን የድሊ - ንኣብነት፡ ብዛዕባ ዓለም ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ እየ ዝሓስብ ዘለኹ - ካብ ብኣምልኾ ጣኦት ንሃብቲ ገንዘብ፡ ብፍትሕን ንዝደኸሙ ሓልዮትን ዝነቓቓሕ ሓደስቲ ቁጠባዊ ቀጥዕታት የድሊ” ከምዝ በሉ ኣፍሊጡ።

“ቁስሊ” ኲናት ሩስያን ዩክሬንን

"ብወገን ኩሉ ሰብ ሰብኣውነትን ሓላፍነትን ክብ ክብል እናተገበኦ ኣብ ክንዱኡስ ይብሉ ካርዲናል ቀጺሎም "ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት እቲ እንኮ መልሲ ዳግማይ ምዕጣቕ ዝብል ምዃኑ ዘሕምም እዩ።” ንተስፋ ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብምዝካር፡ ታሪኽ “ናብ ካልእ ኣንፈት ከም ዝኸደ፡ ኣብ ክንዲ ሓራ ዝኾነትን ዝያዳ ዝተጠርነፈትን ዓለም፡ ነቲ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ብጥሜት፡ ብጽምኢ፡ ክብሪ ዘይብሉ ናይ ስራሕ ኩነታት፡ ዋላ’ውን ብውሑድ ክንክን ጥዕና ክሳቐዩ ዝገብር ንዘስካሕክሕ በደላት፡ ኣድማዒ መፍትሒታት ዘይምቕራብ ዝያዳ ዘይርጉእ ዓለም ክቕልቀል ይገብር ምህላዉ ንርኢ ኣሎና - ቢሎም - ሓሳባቶም ናብቲ ኣብታ ክርስቲያናዊት ኤውሮጳ ዝረአ ዘሎ ኲናት፡ ማለት እቲ ኣብ ዩክሬይን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ዘስዓቦ ዕንወት እኹል ርድኢት ከም ዘይረኸበ ኣመልኪቶም፡ እቲ ዘውርዶ ዘሎ ኣዝዩ ልዑል ዝኾነ ሞትን፡ ዕንወት ከተማታትን ትሕተ - ቅርጽን ብዕምቆት ይግለጽ የሎን ዝብል ጦብላሕታ ኣሎኒ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ቀዳምነት ስልጣን

ካብ ዩክሬን ክሳብ ቓዛ “ብዙሓት መንግስታት” ብሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሩስያ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ዩክሬን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቁጥዐኦም ገሊጾም፣ ኣብ ልዕሊ እቶም ወረርቲ እገዳ ኣንቢሮም እዮም። ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ቓዛ ዘጋጠመ መዓት ምኽንያት ግን እገዳታት ኣይተገብረን እንክብሉ ሓዘኖም ብምግላጽ፡ “ቀዳምነት ስልጣን ምስ ዝብል ኣተሓሳስባ ዝተኣሳሰር ዝረአ ዘሎ “ድርብ መለክዒታት ናይ ምጥቃም”  ዕብለላ ናይ ገዛእ ርእስኻ ሃገር ኣብ ልዕሊ ካልኦት፣ ብዙሕ ግዜ ዕሽሽ ብዝበሃል ኣህጉራዊ ሕጊ ዝተመኽነየን “ምቹእ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ጥራይ” ዝወከስን፣ ተግባራት ይርአ ኣሎ፡ ኣብ ሱሩ፡ እቲ “ዓባስ ዝመስል፡ ኣማራጺ መጋበርያታት ከተባብዕ ዘይክእል” ቅልውላው ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ መስርሕ፡ ብስነ - መጐት ናይቶም ዝሓየሉ ዝተተክአ ከም ዝኾነ ኣጽኒዖም ብምምልካት፡ ብዛዕባ "ክቡር ዋጋ ዘሕዝን ፍጻመ ውግእን ኣገዳስነት ሓባራዊ ሕግታትን ነዞም ጉዳያት እዚኣቶም ናይ ምኽባርን ልቦና ዝጠፍአ እዩ ዝመስል” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሽማግለ ሰላምን

 “ስነ ጥበብ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ተኸኣሊ እዩ፡ ካብ ላዕሊ ብጸቕጢ ብዝቐርብን ኣቐዲሙ ዝተቐመጠ ውዲት ወይ ብረቒቕ ስርወ ሓሳብ መሰረት ፈጺሙ ክሰርሕ ኣይክእልን እዩ።” ካብ ክውንነት ክጅምር ኣለዎ። ዋላ'ውን ሓድሓደ ግዜ ዘፍርሕ እንተኾነ፡ ንኽብጻሕ ዝኽእል ኣገዳስን እወታውን ውጽኢት ድማ ትዕግስትን ኣቓልቦን ይሓትት። ብሓደ ድምጺ ክትዛረብ ኣብ ዘይትኽእል ኤውሮጳ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ዝተመስረተሉ መትከላት ዕሽሽ ከይበልካ፡ ኣብ መንጎ ዜጋታት ዘሎ ኤውሮጳውነት ስምዒትን ኣብ መንጎ መራሕቲ ሓባራዊ ስጉምቲ ከምዘድሊ ምፍላጥን ምሕዳስ” የድሊ - ቢሎም - ብዛዕባ ሕቡራት ሃገራት እውን እንክዛረቡ፡ “ቅድስቲ መንበር ኣብ ኣገዳስነት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘለዋ እምንቶ ቀጻሊ እዩ። ኣህጉራውያን ውድባት "ንርትዓዊ ኣተሓሳስባ እቶም ሓያላት ንምቍጽጻር" ኣድላዪ ምዃኑ ገሊጾም፡ ብርግጽ ድምጺ ብድምጺ ውድቂ ናይ ምግባር ዝብል ንዝተወስና ሃገራት ዝተዋህበ መሰል ንጽልዋ ኣህጉራውያን ውድባት ይድርቶ ኣሎ። እንተዀነ ግን "ካብ ሓይሊ ሕጊ ናብ ሕጊ ሓይላት ምስግጋር" ኣድላዪ ከም ዘይኰነ ብምዝኽካር፡ ንሽማግለ ሰላም ብዝምልከት፣ ቅድስቲ መንበር ዋላ’ኳ እንተዘይተጸንበረቶ፣ ምስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ቅድስቲ መሬት ብቐረባ ብምትሕብባር፣ ሰላምን ዳግመ ህንጸትን ንምድንፋዕ ዝከኣላ ኩሉ ክትገብር ድልውቲ ስለዝኾነ “ምስተን ናይ ሽማግለ ሰላም ኣባላት ሃገራት ዘተ ንኸተካይድ ክፍቲ እያ” ኣንክብሉ ኣብሪሆም፡ “ኣህጉራውያን ኣካላትን ፍልስጤማውያንን ንባዕሎም ኣብቲ ሽማግለ ሰላም ክሳተፉ ኣድላዪ እዩ፡ ምኽንያቱ ነቶም ሕጋውያን ነበርታ ሸለል ኢልካ ክትውስን ስለዘይከኣል፡ ንሳቶም ድማ ዜጋታት ሃገረ ፍልስጤም እዮም - ምስ ውሳነታት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን መሰረታዊ ስርዓታት ፍትሕን ዝጻረር ካብ ዝዀነ ይኹን ናይ መሬት ምብሓት ፈተነ ክዕቈብ ዘለዎ ኣካል ኢዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ድምጺ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምድጋፍ

ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ እዋን ቅልውላው ድምጺ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እንከስተንትኑ፡ እዚ ናይ ር.ሊ.ጳ. ድምጺ እንተዘይተደጊፉ “ኣብ በረኻ ከም ዘእውይ ድምጺ” ኮይኑ ከም ዝተርፍ ኣስተብሂሎም፡ ምምሕዳር ትራምፕ ንሃይማኖታዊ ክብርታት ዘቕረቦ ጻውዒት ብዝምልከት ገለ ዘይምስምማዕ ምህላዉ እንክሕብሩ:- “እምነት ክርስትና ሸማታይ ክመርጾ ዝኽእል ናይ ዝተፈላለዩ ፍርያት ምርኢት ዝቐርበሉ መድርኽ ኣይኮነን። ህይወት ናይቶም ኣብ ባሕሪ ዝሞቱ ስደተይናታት እውን ህይወት ምዃኑ ከይተገንዘብና፣ ብዛዕባ ዘይተወልዱ ጥራይ እናተገደስና ንህይወት ነፍቅርን ክንከላኸልን ኢና ክንብል ኣይንኽእልን!” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡  ብዛዕባ ቬንዙዌላ ብዝምልከት ቅድስቲ መንበር ካብ ምፍሳስ ደም ንምርሓቕ ዘኽእል መፍትሒ ንምርካብ ዝገበረቶ ጻዕርታት ደጊሞም ብምርግጋጽ፡ " ኣብታ ሃገር ዘሎ ህልው ኩነታት ብዝምልከት እንታይ ከም እተፈጸመን ብኸመይ ከም እተፈጸመን ብዘየገድስ ርእሰ - ውሳነ እታ ሃገርን ረብሓ ህዝቢ ቬንዝዌላን ክኽበር ብምሕታት ሰላማዊ ፍታሕ ምድጋፍ ንቕጽል ኣሎና" ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ዓለምለኻዊ ተርእዮታት

ብዛዕባ ግሪንላንድ ብዝምልከት ዝተሓተቱ ካርዲናል ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ርእሰ ብሔር ትራምፕ ክቈጻጸራ እየ እንክብል ምስ ኣፈራርሀ መንግስቲ ዴንማርክን ርእሰ - ምምሕዳር ግሪንላንድን ምስ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ስምምዕ ንምብጻሕ ዝገበርዎ ሓባራዊ ጻዕሪ ምልስ ቢሎም ብምዝካር፡ እቲ ዘጋጠመ ነገር ግን "ንህዝቢ ግሪንላንድ ብዛዕባ መንነቱ ዘለዎ ኣፍልጦ ከሕድስ ገይርዎ ኢዩ - ቢሎም - ብዛዕባ ኢራን ዝምልከት ንዝቐረብሎም ሕቶ ድማ፡ "ብትዕግስቲ ዘተን ሰላምን ብምምዕባል" ሰብኣዊ መሰላትን ጠለብ ህዝብን ምኽባር ኣድላዪ ምዃኑ ደጊሞም ብምርግጋጽ፡ ብዛዕባ ቻይና ዝምልከት ስዒቡ ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፡ "ጸገማት እናሃለወ ኽነሱ ዘተ ይቕጽል ኣሎ። እቲ ኣብ ወርሒ መስከረም 2018 ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ቻይናን ዝተኸተመ ግዝያዊ ስምምዕ ውዕሊ ወይ ፖለቲካዊ -  ስነ ሜላዊ ስምምዕ ዘይኰነስ ኣቡናት ንምሻም ዚግበር ኣሰራርሓ ጥራይ እዩ ዚምልከት" እንክብሉ ኣብሪሆም፡ "ሎሚ ኣብ ቻይና ኵሎም ጳጳሳት ምስ ጳጳስ ሮማ ሕብረት ዘለዎም ምዃኖም መሰረታዊ እዩ፡ ብዛዕባ ሆንግ ኮንግ ቤተ - ክርስትያን ምስ ሰበ - ስልጣን ዘተ ትገብርን ሃይማኖታዊ ናጽነት ንምርግጋጽን ትዓዪ ኣላ” ከምዝ በሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ገጽ ናይቲ ካልእ ዘይምርሳዕ

ኣብ መወዳእታ ዝቐረበሎም ሕቶ መሰረት ገይሮም ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ብዛዕባ እቲ ኣብ እደ ጥበብ ዝረአ ዘሎ ዓቢ ምዕባለን ኣድላይነት ምኽባር ደረትን ምሕሳብ ከም ዘድሊ ኣተሓሳሲቦም፡  “ንሰብኣውነት ክንከላኸልን ኣንጻር ሰብኣውነት ክንቃለስን ኣሎና። ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ዝርአ ንኻልኦት ዘየኽብር ናይ ጽልእን ንዕቀት ዝመልኦን ቋንቋ ምጥቃም” ኮኒኖም፡ እዚ ድማ ፍርሒ ዝፈጥርን ጸላእቲ ቢልካ ካልኦት ሰባት ጸላእቲ ክኾኑ ይኽእሉ ናብ ዝብል ምጥርጣር ዝመርሕ እዩ - ከም ክርስትያን መጠን ነዚ ምዝንባል እዚ ብመዓልታዊ ምስክርነትና ክንቃወሞ ኣሎና: ጽልእን ውግእን ዓመጽን ዝጅምር ወጅሂ እቲ ካልእ ምስ እንርስዕ እዩ” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

09 Apr 2026, 17:01