ካርዲናል ፓሮሊን፦ ጳጳሳዊ ተቕዋም ኣቕላሲያዊ ሥነ ትምህርቲ ንዓለም መገዲ ሰላም የቕርብ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን ንመበል 325 ዓመት ዝኽሪ ምስረታ ጳጳሳዊ ተቕዋም ናይ ኣቅላሲያዊ ሥነ ትምህርቲ ንምዝካር፣ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ-መሕትት፣ እዚ ተቕዋም እዚ "ኣብ መንጎ ሃገራት፣ ውህደትን ውሕስነትን ብዚህብ ስርዓታትን ሕግታትን መዋቕርን ዝቘመ ጭቡጥ መገድታት ሰላም" ንምድላው ኣብዚ ዘመን እዚ ተጸዊዑ ኸም ዘሎ ኣመልኪቶም።
እዞም ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዘካፈልዎ ትዕዝብቲ፣ እዚ ጳጳሳዊ ተቕዋም ትማሊ ሰኑይ ድሕሪ ቐትሪ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14፣ ኣብቲ ኣብ ፒያሳ ዴላ ሚነርቫ ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈቱ ንኽቅበሎም ኣብ ዝዳለወሉ ዝንበረ ኣጋታሚ ኢዮም ነዚ ቃለ መሕትት ዘካየዱ።
ሥነ መዕበያ ጳጳሳውያን ኣካላት ዲፕሎማሲ
ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ መግለጺኦም፣ ነቲ እዚ ተቕዋም እዚ ንታሪኽን ምሕዳስ ኣብ ዝገብሮ ኣገልግሎ ከም ምልክት ሕብረት ገይሮም ገሊጾምዎ ይርከቡ፣ ክፍሊ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር እኳ እንተ ዀነ፣ ነቶም ኣብ መላእ ዓለም ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዚውክሉ ካህናት ኣብ ምስንዳው ሓላፍነት ከም እተዋህቦ ድማ ገለጹ።
ጳጳሳውያን ኣካላት ዲፕሎማሲው ንዅነታት ብንጹር ክግምግሙን፣ ኣብ ዘተ ክሳተፉ ከምኡውን ድሌታት ህዝብታትን ሃገራትን ከስተውዕሉ ክኽእሉ ከም ዘለዎም ድማ ኣመልከቱ።
"ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንኣብያተ-ክርስትያንን ንህዝቢ ኣምላኽን ዘለዎም ሓልዮት ንምምስካር፣ ብሓቅን ብዚግባእን እተዳለዉን መስኻኽር ዝገብሮም ተልእኾ ወንጌላዊ ቅንኣት የድልዮም እዩ" በሉ።
ካብ ረቂቕ ሓይሊ ንላዕሊ
ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣስዒቦም፣ ብዛዕባ ተልእኾ እዚ ተቕዋም እዚ እንከስተንትኑ፣ እቲ ትምህርታዊ ዕዮኡ "ብመሰረቱ ኣቅላሲያዊ" ምዃኑ እውን ብምግላጽ፣ እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዲፕሎማሲያዊ ኣገልግሎት ካብ ረቂቕ ሓይሊ ንላዕሊ ምዃኑ ኣስመሩሉ።
እዚ ተቕዋም ኣቅላሲያዊ ሥነ ትምህርቲ ንናይ መጻኢ ዲፕሎማሲያውይን ኣካላት፣ ንኣህጉራዊ ምዕባለታት ኣብ ግምት ብምእታው ማሕበራዊ ሰረተ-እምነት ቤተ-ክርስትያን ንምትርጓምን፣ ንመዋቕር ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ብጥዑይ ኣስተውዕሎት ንኽሳተፉን የዳልዎም ከም ዘሎ ገለጹ።
ተመሃሮ ኣብ ኣካዳምያዊ ብልጽግና ጥራይ ዘይኰነስ፣ ኣብ ከም ምስማዕን ዘተን ትሕትናን ምስ ካልኦት ኣብ ዝግበር ምቅርራባን ዝኣመሰለ ናይ ክህነት ባህርያት እውን እዮም ዝስልጥኑ።
ኣብ ትሕቲ ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ እተገብረ ተሓድሶ
ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ወሲኾም እውን፣ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብናይ ኢድ ጽሑፎም ብዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ “ጴጥሮሳዊ ተልኾ” (Il Ministero Petrino) ዘርእስቱ ኣቢሎም፣ ነዚ ተቕዋም ዝገበርዎ ተሓድሶ ብምዝካር፣ ንተልእኾን መዋቕርን እቲ ትካል ዓብዪ ተሓድሶ ምንባሩ እውን ኣመልከቱ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሓደ እዋን ንዲፕሎማት ቫቲካን "ኣብ ኢዶም ባልጃታት ዝሓዙ ካህናት" ኢሎም ከም ዝገለጽዎም እውን ኣመልከቱ።
ኣብ ትሕቲ እዚ ተሓድሶ እዚ ድማ፣ እዚ ተቅዋም ከም ሓደ ላዕለዋይ ሥነ መዕበያ ዲፕሎማስያዊ ሥነ ፍልጠት ዝልግስ ተቕዋም ኰይኑ ቀሪቡ ኣሎ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ናይ ቀዳማይን ካልኣይ ዲግሪ ይህብ ከም ዘሎ ገሊጾም።
ንዲፕሎማሲ ቅልውላው ምላሽ ምሃብ
ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ብዛዕባ ህሉው ኣህጉራዊ ዲፕሎማሲ ኣብ ዘካፈልዎ መግለጺ ድማ፣ ዲፕሎማሲ ግጭታት ንምክልኻልን ንምፍታሕ ዘለዎ ድሩት ክእለትን ብምምልካት ዝተሰምዖም ዓቢይ ሻቕሎት እውን ኣፍልጦ ሂቦምሉ።
እዚ ተቕዋም እዚ ዝህቦ ምላሽ፣ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ስነ-ፍልጠት እንተላይ ኣብ ሕጋዊ፣ ታሪኻዊ፣ ፖለቲካውን ቍጠባውን መጽናዕትታት ምስ ስነ-ክርስቶስን ምስ ውንጌላዊ ተልእኾ ቤተ-ክርስትያንን እተተሓሓዘ ሓድሽ ስልጠና ንምሃብ ምዃኑ እውን ኣመልከቱ።
ይኹን እምበር ተክኒካዊ ምድላው ንበይኑ እኹል ከም ዘይኰነ እውን ኣጕልሑ።
"ሓደ ዲፕሎማሲያዊ ኣካል፣ ፈለማ ምስክርነት ክህብ፣ ብትዕግስቲ ጥራይ ድማ ክዘራረብ ኢዩ ተጸዊዑ ዘሎ" በሉ።
ብፁዕ ካርዲናል ብተወሳኺ፣ ነቲ ኣብ ኣህጉራዊ ስርዓት ዘጋጥም ዘሎ ቅልውላው፣ ሓይሊ ብምጥቃምን ንዓለምለኻዊ ሕጊ ዕሽሽ ብምባልን ዘይኮነስ፣ ብዲፕሎማሲያዊ መገድታት "ጭቡጥ መገድታት ሰላም ንምውጻእ" ጥራይ እዩ ክፍታሕ ዝኽእል ክብሉ ቃለ መሕትቶም ደምደሙ።
"እዚ ዕዮ እዚ ድማ ኢዩ፣ ድሕሪ 325 ዓመታት እውን ጸኒሑ ነዚ ጳጳሳዊ ተቕዋም ኣቅላሲያዊ ሥነ ትምህርቲ ብሕድሪ ከም ተልእኾ እተዋህቦ" በሉ።