ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፦ ምክልኻል ሕጻናት "ንሕልና ቤተ-ክርስትያን ብድሆ ኢዩ"
ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን
"ህላወ እቶም ዝነኣሱን ዝያዳ ተቓላዕቲ ዝኾኑን ንሕልና ቤተ-ክርስትያን ይብድሆ፡ ትኽክለኛ ሓልዮት ናይ ምርኣይ ዓቕማ ድማ ይዕቅን።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነዚ ዝገለጹ፡ በቲ ብጉባኤ ጳጳሳት ኢጣልያ ተዳልዩ ኣብ ዝነበረ፡ ንተሳተፍቲ ካልኣይ ሃገራዊ ኣኼባ ዞባውያን ወከልቲ ንምክልኻል ሕጻናትን ኣብ ተኣፋፊ ኵነታት ንዝርከቡ ዓበይትን ኣብ ዝተመሓላለፈ መልእኽቲ ኢዩ።
ንነፍሲ ወከፍ ሰብን ክብሩን ምልላይን ምክልኻልን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ በቲ ብዋና ጸሓፊ ሃገረ ቫቲካን ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ዝተፈረመ መልእኽቲ ኣቢሎም ከም ዝገለጽዎ፡ እቲ “ትኽክለኛ ርክባት ምፍጣር” ዝብል ኣርእስቲ ንክርስትያናዊ ማሕበረሰባት ኣገዳሲ ዕማም ምዃኑ ኣመልኪቶም።
"ነፍሲ ወከፍ ሰብ ክብሩ ምስ ዝፍለጥን ናጽነቱ ምስ ዝሕሎን፡ ቁምስናታትን፡ ማሕበራትን፡ ምንቅስቓሳትን፡ ንምምሃርን፡ ንምክልኻልን፡እሙናትን፡ ንምስናይ ብቑዓትን ይኾኑ" ዝበሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ "ክብሪ ኣብ ዘይብሉ ቦታ ግን ርክባት ይዳኸሙ፡ ይበላሸዉ፡ ከቢድ ጉድኣት እውን ከስዕቡ ይኽእሉ ኢዮም" ክብሉ ወሲኾም ገሊጾም።
ኣብ ክርስትያናዊ ራእይ፡ ክብሪ ማለት ትኽክለኛ ምዃን ጥራይ ዘይኮነስ፡ "ንሰባት ንሕይወቶም ከይተቖጻጸርካ ብምክልኻል፡ ከይዓብለልካ ብምስናይ፡ ከይኣሕሰርካ ድማ ብምግልጋል ዝግለጽ፡ ኣድላዪ ዝኾነ ናይ ፍቕሪ መግለጺ ኢዩ" ክብሉ ኣመልኪቶም።
እዚ ክብሪ እዚ ድማ ንጹር ብዝኾነ መገዲ፡ ብሱልን ውሑስን ዝኾነ ርክባት ንክፍጠር ዕድል ከም ዝህብ ገሊጾም።
በዚ ምኽንያት እዚ፡ "ምክልኻል ማለት ክትግበሩ ዘለዎም ሕግታት ወይ ክስዓቡ ዘለዎም ኣገባባት ጥራይ ጌርካ ክርአ የብሉን። ንሕይወት ሕብረተሰባት ቅርጺ ዝህብ ጥበብን፡ ሓላፍነት ምውሳድን፡ ቀጻሊ ዝኾነ ኵስኰሳ መምሃራንን፡ ንቕሓት ብዛዕባ ህሉው ኵነታትን፡ ግሉጽነት ናይ ባህርን የድልዮ ክብሉ ኣስሚሮምሉ።
ንሕልና ቤተ-ክርስትያን ዝቐርብ ብድሆ
ህላወ እቶም ዝነኣሱን፡ ኣብ ተኣፋፊ ኵነታት ዝርከቡ ሰባት ከኣ፡ "ንሕልና ቤተ-ክርስትያን ይብድሆ፣ ከምኡ’ውን ናይ ሓቂ ሓልዮት ናይ ምግላጽ ዓቕማ ይልክዕ—እዚ ማለት ምክልኻል፡ ምስማዕ፡ ምግታእ፡ ከምኡ’ውን ንዋላ ሓደ በይኑ ከይትሓድግ ኢዩ፣” ክብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣጥቢቖም ተዛሪቦም። "
"እቶም ስልጠናን፡ ምስትውዓልን፡ ምውህሃድ ጽቡቕ ተመክሮታትን ዘተባብዑ ሰባት ዝሰርሕዎ ስራሕ፡” "ንዕብየት ዝያዳ ተቐባልነት ዘለዎምን ንቑሓትን ማሕበረሰባት ክትሓንጽ ዓቢይ ኣበርክቶ ዘመልክት ኢዩ፣" ክብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም ገሊጾም።
በዚ መሰረት፡ ቤተ-ክርስትያን "እቲ ቁስሎም፡ ቅንዕና ዝመልኦ ሓቀይና ቅርበትን፡ ብትሑት መንፈስ ምስማዕን፡ ከምኡ’ውን ንሕውየቶም ዝኸውን ቅኑዕን ዝከኣልን ነገር ኣብ ምድላይ ጽንዓት ከም ዝሓትት" ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ነቶም ግፍዒ ዝወረዶም ፍሉይ ቆላሕታ ክትህብ ጸዊዖም።
ኣጸጋሚ መገድታት ንሓቂን ፍትሕን ምሕዋይን ምቕባል የድሊ
ሓደ ክርስትያናዊ ማሕበረሰብ ንወንጌላዊ ለውጢ ዝነብሮ፡ "ካብ ስቓይ እቶም ግፍዒ ዝወረዶም ሰባት ርእሱ ክከላኸል ከሎ ዘይኮነስ፡ ብእኡ ክሕተት ገዛእ ርእሱ ምስ ዝፈቅድ ኢዩ፤ ከምኡ ውን፡ ንክፉእ ነገር ከቃልሎ ዘይኮነ ከም ዘሎ ኣፍልጦ ምስ ዝህብ፤ ብሰንኪ ዕንቕፋት ብፍርሒ ተዓጽዩ ከይተረፈ፡ ነቲ ኣጸጋሚ መገድታት፡ ንሓቅን ፍትሕን ምሕዋይን ምስ ዝቕበሎ ኢዩ" ክብሉ ገሊጾም።
ስለዚ ድማ፡ እቲ ብጉባኤ ጳጳሳት ኢጣልያ ዝተወደበ ኣኼባ፡ "ካብቲ ብሓይሊ ዕማም ናይ ዝስራሕ ጉዳያት ወጻኢ፡ ዝዓሞቐ ትርጉም ዝሓዘ ኮይኑ፡ ቤተ-ክርስትያን ኵሉ ጊዜ ብናይ ምክልኻል ባህሊ ክትዓቢ ዝጽውዕ ኢዩ፣ እዚ ድማ ልዕሊ ኵሉ ባህሊ ወንጌላዊ ሓልዮት ኢዩ። እዚ ድማ በቲ ኣብቲ ጉባኤኹም ኣቀዲሙ ዝቐረበ 'ኣነ ድማ ክሓልየልካ እየ' ዝብል ምርኢት ክድገፍ ኢዩ" ኢሎም።
ኣብ መወዳእታ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቶም ተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ፡ ስርሖም ብምትእምማን ክቕጽልዎ ኣተባቢዖም፣ "እዚ ድማ ኣብቶም ናይ ኢጣልያ ሰበኻታት ዘለዉ ማሕበረሰባት፡ እቶም ኣዝዮም ድኹማት ዝኾኑ ወገናት፡ ተቐባልነት ዝረኽቡሉን፡ ዝሕለዉሉን፡ ዝፍቀሩሉን ኮይኖም ንክዓብዩ ኢዩ።"