ቋንቋ ኢንዶነዥያ መበል 57 ወግዓዊ ቋንቋ ዜና ቫቲካን ኮይኑ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቋንቋ ኢንዶነዥያ ኣብ ዜና ቫቲካን መበል 57 ቋንቋ ኮይኑ፡ ሳላ እቲ ዕለት 25 መጋቢት ኣብ መንጎ ወከልቲ ጉባኤ ጳጳሳት ኢንዶነዥያን ናይ ቅድስቲ መንበር መራኸቢ ብዙሓን ዝሓልይ ቤት ጽሕፈትን ዝተገብረ ስምምዕ ዜጋታት ኢንዶነዥያ መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብቋንቋኦም ክሰምዑ ክኽእሉ እዮም።
እቲ ክታም ናይ ምንባር ስነ ስርዓት ሮማ ኣብ ግዳማዊ ግዝኣት ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ጉዳያት መራኸቢ ብዙሃን ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት - ዜና ቫቲካንን ራድዮ ቫቲካን ሕንጻ ዝተኻየደ ኮይኑ ኣብዚ ስነ ስርዓት እዚ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ልኡካንን ልኡካን ጉባኤ ጳጳሳት ኢንዶነዥያ ከምኡውን ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ሪፓብሊካዊት ኢንዶነዥያ ልኡከ መግንስትን ከም እተረኽቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ጽምብል ነባሪ ዕርክነት
ኣብቲ መደብ ዝተሳተፉ ኣቦ መንበር ሽማግለ ማሕበራዊ ርክባት ጉባኤ ብፁዓን ጳጳሳት ኢንዶነዥያ ጳጳስ ኣጉስቲኖስ ትሪ ቡዲ ኡቶሞ፡ እቲ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት፡ ጽምብል ነባሪ ዕርክነት፡ ሃገራዊ መንነትና ኣፍልጦ ምሃብ ከምኡውን ኣብ መንጎ ኢንዶነዥያን ልቢ ኵላዊት ቤተ-ክርስትያንን ዘሎ ድልድል እምነት ንምድልዳል" ዝድግፍ ምዃኑ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣስተብሂሎም፡ እቲ ስምምዕ "ኣብ ኢንዶነዥያን ማሌዥያን ዝርከቡ ካቶሊካውያን ሕጂ ድምጺ ቅዱስ ኣቦንን መልእኽቲ ኵላዊት ቤተ-ክርስትያንን ብቛንቋ ኣዲኦም ክሰምዑ ስለ ዝኽእሉ ንህዝቢ ኢንዶነዥያ ናብ ኵላዊ ሓበሬታ ቤተ - ክርስትያን ብቀጥታዊ መገድን" ብእዋናዊ መጋበርያታት ተደጊፉ ዘቕርበን እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ንኹሉ ዝሓቁፍን ዝዓሞቐ ስምዒት ምትእስሳርን ምትብባዕ
ናይ ቅድስቲ መንበር መራኸቢ ብዙሃን ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ፓውሎ ሩፊኒን ናይ ዜና ቫቲካን ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊን ምኽትሉን ራዲዮ ቫቲካንን ሓላፊ ማሲሚልያኖ መኒከቲን - ኣብቲ ስነ ስርዓት ስምምዕ ከም እተስረኽቡን ኣብቲ ስምምዕ ክታሞም ዘንበሩ ህየንተ ሩፊኒ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ እቲ ስምምዕ "ንሓቛፍነት ንምድንፋዕ፡ ጒስነታዊ ርክብ ንምሕያል፡ ከምኡ'ውን ኣብ መንጎ ቫቲካንን ናይቲ ከባቢ ምእመናንን ዝዓሞቐ ስምዒት ምትእስሳር ንምምዕባል" ዝሕግዝ ምዃኑ ኣመልኪቶም፡ ብተወሳኺ እታ ከባብያዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጻዕርታታ ሓጋዚ ጸጋ ከም እትረክብ፡ ከምኡ’ውን ኣገደስቲ ኵላዊ መልእኽትታት ሰላምን ሕውነትን ብንጹር ኣብ ውሽጢ ባህላዊ ኵነታት ኢንዶነዥያ ከም እተቕርብን ነዚ ከም እተካፍልን ዘለዎም እምነት ድማ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ንኢንዶነዥያ
ኣብቲ ክታም ናይ ምንባር ስነ ስርዓት ዝተሳተፉ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ረፓብሊካዊት ኢንዶነዥያ ልኡከ መንግስቲ ሚካኤል ትሪያስ ኩንካህዮኖ እውን ብወገኖም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ እቲ ዝተግበረ ስምምዕ ዘሕደረሎም ሓጎስ ገሊጾም፡ እዚ ኣጋጣሚ "ንኢንዶነዥያ" "ብፍላይ ንካቶሊካውያን" ናይታ ሃገር ታሪኻዊ ህሞት እዩ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ቋንቋ ኢንዶነዥያ ኣብ ዜና ቫቲካን ምእታው ኣብዚ እዋን እዚ መበል 57 ቋንቋ ናይቲ ማዕከን ዜና ይኸውን፡ ኢንዶነዥያውያን ብዛዕባ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ቫቲካንን ዝምልከት ዜናን ሓበሬታን ከምኡ’ውን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ሓበሬታ ቤተ ክርስቲያን ብናይ ገዛእ ርእሶም ቋንቋ ኣደ ከንብቡን ክሰምዑን ዘኽእሎም ምዃኑ ዜና ቫቲካብ ብምምልካትል፡ እዚ ሓድሽ ናይ ቋንቋ ምውሳኽ ብዙሓት ሰባት ምስ ቤተክርስትያንን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሰባትን ብምትእስሳር ብምስማዕ፣ ብምምሃርን፣ ብምዝታይን ብሓባራዊ ክብርታት ሰላም፣ ሕውነትን ሃይማኖታዊ ስኒት ብምኽባርን እትልለይ ዓለም ንምህናጽ ዘኽእል ምዃኑ ይሕብር።