ድለ

ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ ብዛዕባ ድኽነትን ኣከባብን ንብዝሓ መውስቦን ዝምልከት ጸብጻባት ይዝርግሕ ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ ብዛዕባ ድኽነትን ኣከባብን ንብዝሓ መውስቦን ዝምልከት ጸብጻባት ይዝርግሕ 

ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ ብዛዕባ ድኽነትን ኣከባብን ንብዝሓ መውስቦን ዝምልከት ጸብጻባት ይዝርግሕ

ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ናይ መወዳእታ ጸብጻባት ጉጅለ መጽናዕቲ ቁጽሪ 2 ‘ኣውያት ድኻታትን ምድርን ንምስማዕ’ ከምኡ’ውን ናይ መላእ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ጉባኤ ጳጳሳት (SECAM) ሽማግለ ብዛዕባ ‘ጒስነታዊ ብድሆ ብዝሓ መውስቦን’ የሕትም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ ዕለት 24 መጋቢት ናይ መወዳእታ ጸብጻብ ጉጅለ መጽናዕቲ ቁጽሪ 2 "ኣውያት ድኻታትን ምድርን ንምስማዕ" ከምኡ'ውን ናይ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ጉባኤ ጳጳሳት ሕብረት (SECAM) ሽማግለ "ጉስነታዊ ብድሆ ብዝሓ መውስቦ" ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ከም ዘሕተመን ክልቲኡ ጸብጻባት ብዘለዎ ብዝሓ ኣርእስታት ንጉዕዞ ሲኖዶስ ቤተ ክርስቲያን ዝምስክር እዩ፦ ኣብ ወንጌል ሱር ዝሰደደት ቤተ ክርስቲያን፡ ንነፍሲ ​​ወከፍ ሰብኣይን ሰበይትን ቀረባ ኣብ ምዃን ዘይተቋርጽ፡ ንብድሆታት ዘመንና ምላሽ እትህብ።

ናይ መወዳእታ ጸብጻባትን ሓጺር ጽማሬን ብሓሙሽተ ቋንቋታት ተተርጒይሙ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ www.synod.va ተዘርጊሑ ኣሎ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንሕትመት ናይዚ ናይ መወዳእታ ጸብጻባት መምርሒ ከም ዝሃቡን፣ እዚ መምርሒ እዚ ድማ ፍረ ናይቲ ኣብ ግዜ ሲኖዶስ ዝተገብረ ኣስተንትኖን መመያን፣ ብመንፈስ ግሉጽነትን ተሓታትነትን፣ ንመላእ ሕዝበ እግዚኣብሔር ከካፈል ዝእዝዝ እዩ። እዚ ንገዛእ ርእሱ ከም ናይ ዕዮ ሰነዳት ይቑጸር። እቲ ናይ መወዳእታ ጸብጻባት ናብ ሓፈሻዊ ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ ምስ ቀረበ እቶም ነዚ ጸብጻብ እዚ ዘቕረቡ ጕጅለታት መጽናዕቲ ነቲ ብሕድሪ እተዋህቦም ተልእኾ ይዛዝሙ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ይፈርሱ።

ናይ መወዳእታ ጸብጻብ ጉጅለ መጽናዕቲ ቁጽሪ 2

"ኣውያት ድኻታትን ምድርን ንምስማዕ" ዘርእስቱ ናይ መወዳእታ ጸብጻብ ጕጅለ መጽናዕቲ ቍጽሪ 2 ቅድሚ እቲ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዘቕረቦ ሓሳባት ቀቅድሚ እቲ ጸብጻብ ነቲ ቤተ - ክርስትያን ንኣውያት ድኻታትን ምድርን ብኸመይ ብዝሓሸ መገዲ ኽትሰምዕ ከም እትኽእል ንጕጅለ ብሕድሪ ዝሃቦ ሓሙሽተ መሰረታዊ ሕቶታት መልሲ ንምሃብ ዝጽዕር እዩ።

እቲ ሰነድ ካብ ቲዮሎጊያዊ እምንቶ ዝምንጩ ኮይኑ፡ ንድኻታትን ንምድርን ምስማዕ ናይ ጒስነታዊ ኣገልግሎት ኣማራጺ ዘይኰነስ ኣብ ክልተ ትእዛዝ ፍቕርን ኣብ ኣብነት ሕያዋይ ሳምራውን እተመስረተ ተልእኾ ቤተ-ክርስትያን ዘጽንዕ ተግባር እምነት እዩ። ከምቲ ውሁድ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ቸርኒ ኣብ መቕድም ዝገለጽዎ "ምስማዕ" እትብል ቃል ነቲ ጸገም ምርካብን ምርዳእን ተግባርን ምግምጋምን መንፈሳዊ ደገፍን ዘጠቓልል ንነፍሲ ወከፍ ክርስትያን እንኮላይ ነቶም ድኻታት ምስማዕን ዘጠቓልል ምሉእ መስርሕ የመልክት።

ስለዚ እቲ ቀንዲ ሕቶ ዕዮ እታ ጕጅለ ከምዚ ዚስዕብ እዩ፦ ቤተ-ክርስትያን ንኣውያት ድኻታት ምላሽ ምሃብ ማለት ንኣውያት ምድሪ ምላሽ ምሃብ ማለት ምዃኑ ብምስትውዓል ከመይ ገይራ ነዘን ክልተ ዘተኣሳስር ኣውያት ብዝሓሸ ኽትሰምዕ ትኽእል?

እቲ ጸብጻብ ብዛዕባ እቲ ዝረዓሞ ሜላታት ኣሰራርሓ፣ ዘጋጠመ ድሩትነት ከምኡውን እተማህሮ ትምህርትታት ይዝርዝር።

ነቲ ድሮ ኣብ ውሽጢ ቤተ - ክርስትያን ዘሎ መሳርሒታት እንኮላይ ኣብያተ ክርስቲያን መሰረታዊ ማሕበረሰባት ምንቅስቓሳት ኣካላት ካሪታስ - ግብረ ሰናይ፡ ኤቍመናውን ኣህጉራውን መራኸቢታት የለልዮ ሃብቶም ድማ የጕልሕ፣ ኣብ ሓደ እዋን ከኣ ንፍሉይ መዋቕር ብዘይግቡእ ናይ ምውካል ፈተና ክሰግሮ ጻውዒት ኣቕሪቡ፡ ንነፍሲ ወከፍ እተጠምቀ ሰብ ሓባራዊ ሓላፍነት ከም ዘለዎ የዘኻኽር።

ካብ መንጎ እቲ ጭቡጥ ሓሳባት መብዛሕትኦም ስንክልና ብዘለዎም ሰባት ዝቘመ ንኡስ ጕጅለ ዝቐረበ ጻውዒት ዓቕለሲያዊ ተዓዛቢ ስንክልና ዝሐትት ምዃኑ ጐሊሑ ይርአ። እዚ ድማ ኣብ ከባብያውን ዞባውን ደረጃ ንዅሎም እተገለሉ ጕጅለታት ድምጺ ንምሃብ ንዝግበር ጻዕሪ ኣብነት ኢዩ። ብቲዮሎጊያ ደረጃ እቲ ጸብጻብ ንድኻታትን ንምድርን ከም ሓቀይና ስነ - መለኮታዊ ቦታ ብምስማዕን ብምስትውዓልን ዝምንጭው ቲዮሎጊያ ኣድላዪ ምዃኑ የጕልሕ፣ ካብ ኣዝዮም ተነቀፍቲ ማሕበረሰባት ዝመጹ ቲዮሎጊያውያን ድማ ሰነዳት ስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምድላው ብንጥፈት ክሳተፉ ይዕድም። ብፍላይ ንምእመናን ንኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወትን ውሉደ ክህነትን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ዝወሃብ ናይ ሕንጸት መራሓ ግብርታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ምስ ህላወ ከባቢታት ብቐጥታ ክራኸቡ ኣድላዪ ምዃኑ ብምጕላሕ፡ ከም ግብራዊ ጥራይ ዘይኰነስ ከም መንፈሳዊ ስነ ስርዓት ናይ ምስማዕ ክእለት ከምኡውን ማሕበራዊ ትንታነ ንምጕላሕ ፍሉይ ቈላሕታ ይገብር።

እቲ ጸብጻብ ብራእይ ንገዛእ ርእሳ ናይ ምስማዕ መሳርሒ ኽትከውን እትኽእል ሲኖዶሳዊት ቤተ - ክርስትያን ይዛዘም፡ እዚ ድማ ንምስማዕ መዋቕር ጥራይ ዘይኰነስ ንነፍሲ ወከፍ ኣባላታ ኣብ ጐድኒ እቶም ኣዝዮም ተነቀፍቲ ናብ ልኡካነ ወንጌላውነት ህላወ ምቕያር እዩ።

ታሪኽ ናይ መላእ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ጉባኤ ጳጳሳት ብዛዕባ ብዝሓ መውስቦ ዝምልከት ሽማግለ

ናይ መላእ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ጉባኤ ጳጳሳት(SECAM) ኣብ ብድሆ ብዝሓ መውስቦ ዘተኮረ ሽማግለ፡ ነቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2023 ዝተኻየደ ቀዳማይ ኣኼባ መበል 16 ስሩዕ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት፡ ብዝሓ መውስቦ ዝምልከት ቲዮሎጊያውን ጉስነታውን ምስትውዓል ክሰፍሕን ኣብ ብዝሓ መውስቦ ህይወት ዝርከቡ ናብ እምነት ዝመጹ ሰባት ምስናይን ዘተባብዕ ሕቶ ምላሽ ዝህብ እዩ። በዚ መሰረት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ ብመንገዲ ኣህጉራዊ ናይ መላእ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ጉባኤ ጳጳሳት (SECAM) ውፉይ ጉጅለ ክኢላታት ኣጣይሳ ትርከብ።

ካብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ኣፍሪቃን ደሴታታ ኣፍሪቃን ዝመጹ 12 ክኢላታት ዝሓቖፈን ንዝተፈላለዩ ዓውድታት ከም ሃምነናውን መሰረታውን ቲዮሎጊያ፡ መጽናዕቲ ቅዱስ መጽሓፍን፡ ጒስነታዊ ክንክንን፡ ሕገ ቀኖናን፡ ከምኡ’ውን ስነ - ሰብእ ዝውክል ጉጅለ ክኢላታት፡ ብኣካልን ብምናባዊ ኣገባብን መጽናዕቲ ኣካይዶም እዮም።

እቲ ረቂቕ ሰነድ ብመንገዲ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ዓንቀጸ እምነት ከም ዘካፈሎን ናይ መላእ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ጉባኤ ጳጳሳት (SECAM) ካብቲ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዘተባብዕ ግብረ - መልስን ፍሉይ ሓሳባትን ተቐቢሉ እቲ ጽሑፍ ድማ ተወሳኺ ምምሕያሽ ንኽግበረሉ ናብ ጕጅለ ክኢላታት ተመሓላሊፉን እቲ ግዝያዊ ጽሑፍ ካብ ዕለት 30 ሓምለ ክሳዕ 4 ነሓሰ 2025 ኣብ ኪጋሊ ሩዋንዳ ኣብ እተገብረ ናይ መላእ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ጉባኤ ጳጳሳት (SECAM) ሓፈሻዊ ኣኼባ ንጳጳሳትን ቲዮሎጊያውያንን ቀሪቡን ምይይጥ ተገሩሉን እዩ። ካብዚ ኣኼባ እዚ ዝወጸ ሓሳባት ነቲ ናይ መወዳእታ ሕታም እቲ ሰነድ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ።

ድሕሪ እቲ ኣብ ሓፈሻዊ ኣኼባ እተገብረ ምይይጥ እቲ ናይ መወዳእታ ጽሑፍ ተወሳኺ መምርሒ ንምርካብ ናብ ሓፈሻዊ ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስን ናብ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈትን ምስ ቀረበ ድማ እነሆ ናይ መወዳእታ ጸብጻብ ዕለት 24 መጋቢት ተሓቲሙ ወግዓዊ ኮይኑ ይርከብ።

ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ጸብጻብ ናይ መላእ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ጉባኤ ጳጳሳት (SECAM)

ስለዚ፡ ናይ መላእ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ጉባኤ ጳጳሳት (SECAM)፡ ኣብ ባህላዊ፡ ስነ-ሰብኣውን ቲዮሎጊያውን ኵነታት ኣህጉር ኣፍሪቃ ሱር ዝሰደደ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ንጉስነታዊ ብድሆ ብዝሓ መውስቦ ዝምልከት ስሩዕ - ውሁድ ኣስተንትኖ ኣማዕቢሉ ኣሎ።

እቲ ጸብጻብ፡ ኣብ መንጎ ሰብኣውነትን ምስ ኣበውን ምስ ኣምላኽን ኣብ እተገብረ ኺዳን እተመስረተ ቅዱስ ክብሪ ኣፍሪቃዊ ስድራቤት ኣፍልጦ ብምሃብ እዩ ዝጅምር፣ ኣብኡ ድማ እቲ ቘልዓ ከም መለኮታዊ በረኸት እዩ ዚቝጸር፡ ብዙሓት ቈልዑ ናይ ምውላድ ባህጊ ዘይንጸል ክፋል መንነት ማሕበረሰብ እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ እዩ ታሪኻዊ ህላወ ብዝሓ መውስቦ ዝምርኮስ።

እቲ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ትንታነ ድማ ሓዲግነት ብዝሓ መውስቦ ይገልጽ: ኣብ ብሉይ ኪዳን ተጸዊሩ ዝነበረ፣ ግን ደሓር በብቑሩብ ብናይ ሓድሽ ኪዳን ምግላጽ ይስገር፣ ኣብኡ ኢየሱስ ነቲ መበገሲ መደብ ፈጣሪ ብምዝካር ንሓድነትን ዘይፈርስን ሓዳር ብንጹር የረጋግጽ።

እቲ ሰነድ ንትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ብጽኑዕ ይደግሞ፡ ክርስትያናዊ መውስቦ ብቲዮሎጊያዊ ባህርይ እምበር ብባህላዊ ጸቕጢ ዝቐርብ ከም ዘይኮነ የጒልሕ።

ብጉስነታዊ ደረጃ ናይ መላእ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ጉባኤ ጳጳሳት (SECAM) ንብዝሓ መውስቦ ኣፍልጦ ምሃብ ኣይክልክልን እቶም ብዝሓ መውስቦ ዝነብሩ ንኡሰ ክርስቲያን ምስጢረ ጥምቀት ቅድሚ ምቕባሎም ብናጽነት ኣሚናዊ መውስቦ (ንጽል - መውስቦ) ክቕበሉ ይእዝዝ። እዚ ናይ ምግልጋል ወይ ናይ ምጽላም ጕዳይ ዘይኰነስ ብምሕረት ክርስቶስ ዝተደረኸ ብትዕግስትን ብኣኽብሮትን ምስናይ ማለት እዩ።

ክብረት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ማእከል እዚ ጒስነታዊ ኣቀራርባ እዩ ዚቕመጥ፣ ማርያም ኣደ ኢየሱስ ከም ኣርኣያ ወንጌላውነት ኣብ ባህሊ ትቐርብ። እዚ መደምደምታ እዚ ነቶም ኣብ መንፈሳውን ህላወን ከባቢታት ዝነብሩ ማዕጾ ቤተ-ክርስትያን ክኸፍተሎም ዝኽእል "ናይ ምቕራብ ጒስነታዊ ሓልዮት" የነጽር። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ድማ ናብ ተኣማንነት ፍቕርን ኪዳንን እተጸውዐ ውሉድ ኣምላኽ ምዃኑ ኣፍልጦ ይህብ።

መደምደምታ ጸብጻብ ብዝሓ መውስቦ

እቲ ጸብጻብ ሎሚ እውን ኣብ ሕብረተሰባት ኣፍሪቃ ብዝሓ መውስቦ ክውንነት ኮይኑ ይቕጽል ምህላዉ ብምስትውዓል፣ እንተኾነ ግን ህላወኡን ዝርገሐኡን ከከም ሕግታት ነፍሲ ወከፍ ሃገር፣ እቲ ዓብላሊ ሃይማኖትን ትውፊታዊ ባህልታት ጽልዋን ይፈላለ እዩ።

"ኣብዚ መዳይ እዚ ኣዋጅ ወንጌልን ኣሚናዊ መውስቦን ንኽስዕቡ ዘቕረቦ ርእይቶን ሓድሓደ ግዜ ብባህላዊ ኣመክንዮ ምኽንያታዊ ዝገብር ገለ ምጽራር የጋጥሞ እዩ።

ኣብ ምሉእ ታሪኽ ስብከተ ወንጌል፡ ገና ኣብ ውሽጢ ተመሳሳሊ ማሕበረ - ባህላዊ ኵነታት እናሃለዉ፡ ሓንሳብ ሓንሳብ ኣብ ሃገረ ስብከታትን ጳጳሳዊ ጉባኤታትን ብዝሓ መውስቦ ዝነብሩ ሰባት ኣብ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ንምቕባል ከም እተፈተነ እቲ ጸብጻብ የስተውዕል።

"ቤተ-ክርስትያን ምሉእ ብምሉእ ሲኖዳዊ ባህርያታ ኣብ ሕብረትን ተሳትፎን ክትነብር ኣብ ዝሓሰበትሉ እዋን ቤተ - ክርስትያን ኣፍሪቃ ነዚ ቅጥዕታት እዚ ኸተካፍልን ብሰረተ - እምነትን ብጉስነታዊ ኣገባብን ክትግምግሞን ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ከኣ ምስ ክርስቶስን ወንጌሉን ንምርኻብ ኵሉ ኣጋጣሚ ንምሃብ ካልእ መገድታት ከተቕርብ ህጹጽ ኢዩ።"

እታ ኣብ ኣፍሪቃ እትርከብ ቤተ - ክርስትያን ብዝሓ መውስቦ ምስ ዘለዎም ሰብ ሓዳር ኣብ ምስዓብ እትወስዶ ጒስነታዊ ስጕምቲ ነቲ ቤተ - ክርስትያን ብዛዕባ መውስቦን ክርስትያናዊት ስድራ ቤትን ዘለዋ ምርዳእ እሙን ንምዃን ዚግበር ጻዕሪ እዩ ዘርእይ።

ጳጳሳት ኣፍሪቃ "ንውልቀ-ሰባትን ስድራ ቤታትን ምቕባልን ምስናይን ኣድላዪ እናዀነ ይኸይድ ኣሎ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ነቲ ኣብ ወንጌል እተገልጸ ሓቂ ብዛዕባ ተልእኾን ስድራቤት ኣብ ቤተ-ክርስትያንን ኣብ ሕብረተሰብን ዝቐረበ ጻውዒት ብንጹር ምላሽ ኪህቡ ይኽእሉ እዮም።"

በዚ ምኽንያት እዚ ድማ "ንምስጢረ ተክሊል ከም ማሕበራዊ ዋዕላ ዘይኰነስ ከም ውህበት ንቕድስናን ድሕነትን ሰብ ሓዳር ምዃኑ ንምርዳኡ ዝሕግዝ ቀረባ ናይ ምዃንን ቈላሕታን ማእከል ዝገበረ ጉስነታዊ ኣቀራርባ ህጹጽ ይኸውን" ብዝብል ሓሳብ እቲ ሰነድ ይዛዘም።

25 Mar 2026, 15:52