ድለ

ካብ ደናግል ሰብ ውፉይ ሕይወት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ደናግል ሰብ ውፉይ ሕይወት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ  (Vatican Media)

ሲኖዶስ ብዛዕባ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሕይወት ቤተ-ክርስትያን ዘዳለዎ መጽናዕታዊ ጸብጻብ

ሓፈሻዊ ቤት ጽሕፈት ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት፡ ሳልሳይ ናይ መወዳእታ ጸብጻብ ጕጅለታት መጽናዕቲ ኣሕቲሙ፣ እቲ ኣርእስቲ 'ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሕይወትን መሪሕነትን ቤተ-ክርስትያን' ዝብል ኰይኑ፡ ካብ ጕጅለ መጽናዕቲ ቁጽሪ 5 ዝወጸ እዩ።

ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን

ሓፈሻዊ ቤት ጽሕፈት ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት ድሕሪ ቀዳማይ ጉባኤ መበል 16 ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት፡ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ዝተመስረተ፡ ሳልሳይ ናይ መወዳእታ ጸብጻብ ናይ መጽናዕቲ ጕጅለታት ኣውጺኡ።

እቲ እተሓትመ ጸብጻብ ናይ ጕጅለ መጽናዕቲ ቁጽሪ 5 ኰይኑ፡ ብዛዕባ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሕይወትን መሪሕነትን ቤተ-ክርስትያን ዝገልጽ ኢዩ። እቲ ናይ መወዳእታ ጸብጻብ ብቋንቋታት ጣልያንን እንግሊዝን ተሓቲሙ ኣሎ፣ ብተወሳኺ ድማ ብሓሙሽተ ቋንቋታት ሓጺር ጽማቝ ሓሳባት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሓፈሻዊ ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ ይርከብ፦ www.synod.va

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ፡ ናይ መወዳእታ ጸብጻባት ናይ ጕጅለ መጽናዕቲ ቁጽሪ 3 “ተልእኾ ኣብ ዲጂታላዊ ዓውዲ” ከምኡውን ናይ መጽናዕቲ ጕጅለ ቁጽሪ 4፡ “ዝተሓደሰ መሠረታዊ መምርሒ ስነ መዕበያ ካህናት ብመንፈስ ተልእኾ ስኖዶስ” ዘርእስቱ ኣሕቲሙ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነዚ ናይ መወዳእታ ጸብጻባት፡ ፍረ ናይቲ ኣብ ሲኖዶስ እተገብረ ምርምርን መጽናዕትን ስለዝኾነ፡ ብግልጽነትን ተሓታትነትን፡ ናብ መላእ ሕዝቢ እግዚአብሔር ምእንቲ ክበጽሕ፡ ንክሕተም መምርሒ ሂቦም። እቲ ናይ መወዳእታ ጸብጻባት ነቲ በዅሪ ቛንቋን፡ ናብ ካልእ ቋንቋታት ናይ ምትርጓም ስራሕን ኣብ ግምት ብምግባር፡ ብቋንቋታት እንግሊዝን ጣልያንን ኢዩ ተሓቲሙ።

እቲ ሓፈሻዊ ቤት ጽሕፈት ነቲ ናይ መወዳእታ ጸብጻባት ብኸምዚ ኣገባብ በብቝሩብ ምውጻእ ክቕጽል ኢዩ።

እቲ ጸብጻብ

እቲ ናይ መወዳእታ ጸብጻብ ብሰለስተ ክፋላት ዝቘመ እዩ። እቲ ቐዳማይ ብዛዕባ ታሪኽ ኣቃውማ ጕጅለ መጽናዕቲ ቍጽሪ 5ን፡ ኣገባብ ኣሰራርሓኡን ሓጺር መእተዊ ይህብ።

እቲ ካልኣይ ክፋል ነቲ ካብ ናይ ሲኖዶስ መጽናዕትታ እተላዕለ ኣርእስትታት ገምጋም የቕርብ። እዚ ክፍሊ እዚ ፍረ ናይቲ ንኣማኸርቲ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዝሃብኦ ርእይቶታት ብምስማዕ፡ ብእተፈላለዩ ኣካላት ናይቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈትን ዝተሰርሐ ኰይኑ፡ (ብዛዕባ ዓንቀጸ እምነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበርን፡  ቤት ምኽርን) ነቲ ዝተዋህበ ርእቶታት ምንባብን፡ ካብቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝቐረበ ብዙሕ ጭቡጥ ምስክርነትን ዝሓዘ ኢዩ።

እዚ ክፍሊ እዚ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ሕይወት ቤተክርስትያን ንዝፍጽሞን፡ ንዘስተንፍሶን ንምስትንታን፡ ኣብ ናይ ቤተ-ክርስትያን ተቕዋማት መዝነት ናይ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ተመክሮን ኣበርክቶን ብምስማዕ "ካብ ታሕቲ" ዚጅምር ጸብጻብ የቕርብ።

ገለ ካብቲ ቐንዲ ኣርእስትታት - "ሕቶ ደቂ ኣንስትዮ" ናይ ሓቂ ምልክት ናይቲ መንፈስ ቅዱስ ንቤተ-ክርስትያን ዝዛረበሉ ዘሎ ግዜ ምዃኑ ኣፍልጦ ምሃብ፣ ንዘቤታውያን ኣብያተ-ክርስትያን ምስ ባህለንንን፡ ምስ ብዙሕነተንን፡ ምስ ጭቡጥን ኵነተንን፡ ናይ ሲኖዶስ ቈላሕታ ከም ዘድልየን፤ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሕይወት ቤተ-ክርስትያን ዘለወን ግደን ኣበርክቶን ዝገልጽ፤   ብዛዕባ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስን፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን  መበል 14ን፡  ንደቂ ኣንስትዮ ኣብ ናይ ኩርያ ሮማና ናይ ምምሕዳር ቦታ ንምሃብ ዝገበርዎ ምርጫ ዝትንትንን፡ መላእ ቤተ-ክርስትያን ከተስተንትነሉ ዘለዋ ኣርኣያ ምዃኑን ዝገልጽ ኢዩ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ሳልሳይ ክፋል ኣብ ሽዱሽተ ክፋላት እተወደበ፡ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዝተቀበሎን፡ ዝኣከቦን ብዙሕ ነገራት ዝሓዘ ሰፊሕ መመላእታ ጽሑፍ ዝሓዘ እዩ፦ 1) ኣብ ብሉይ ኪዳንን ሓድሽን ኪዳንን ደቂ ኣንስትዮ ተጠቂሰን ይርከባ፣ 2) ኣገደስቲ ገጸ-ባህርያት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ታሪኽ ቤተ-ክርስትያን፣ 3) ኣብ መሪሕነት ቤተ-ክርስትያን ናይ ዝሳተፋ ደቂ ኣንስትዮ ዘለወን ናይ ዘመና ህያው ምስክርነት፤ 4) ናይ ማርያማዊ ኣቕዋምን፡ ጲጥሮሳዊ ኣቕዋምን መሠረታዊ ወሳኒ ኣረኣእያ፣ 5) ኣቅላስያዊ ሥልጣን 6) ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስን፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14ን ብዛዕባ ግደ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሕይወትን መሪሕነትን ቤተ-ክርስትያን ዝገበርዎ ኣበርክቶ።

ኵነትን ሕትመትን ናይ መወዳእታ ጸብጻባት

ኣብ ርእሲ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝወጸ ናይ መወዳእታ ጸብጻብ ጕጅለ መጽናዕቲ ቁጽሪ 3፡ ሓፈሻዊ ቤት ጽሕፈት ስኖዶስ፡ መበቈልን ተልእኾን ናይተን ናይ መጽናዕቲ ጕጅለታትን፣ ባህርይ እቲ ጸብጻባትን፡ ኣብ ግብሪ ብከመይ ኣገባብ ከም ዝውዕል ንምክትታትል፡ ትጽቢት ዝግበረሉ ኣሰራርሓ ዝገልጽ መዘኻኸርን ኣሕቲሙ ኣሎ።

እቲ መዘኻኸሪ ከም ዝገለጾ እቲ ናይ መወዳእታ ጸብጻባት ፍረ ናይቲ እተወደበ መስርሕ ኢዩ። እዚ ድማ ናይ ዝተፈላለዩ ክኢላታትን፡ ሞያዊ ብቕዓትን ንዘለዎም ብምስማዕ ዝተረኽበን፡ ናይቲ ብብዝሒ ዝተዋህበ ርእይቶታት ምምርማርን፡ ኣካዳምያዊ መጽናዕትን፡ ምስ እተፈላለዩ ኣካላት ቤተ-ክርስትያን ዝተገብረ ዘተን፡ ካብ ጉባኤ ጳጳሳት ክሳዕ ካቶሊካውያን መንበረ ጥበባት ዝተረኽበ ኣበርክቶን፡ ልዕሊ ኵሉ ድማ ኣስተንትኖን ጸሎትን ዘጠቓልል ኢዩ።

ከም ናይ ስራሕ ሰነዳት ክውሰዱ ኢዮም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 እቲ ናይ መወዳእታ ጸብጻባት በብቝሩብ ናብ ሓፈሻዊ ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ ብግልጽነት ኪቐርብ መምርሒ ሂቦም ኣለዉ።

እቲ ዝወጸ ትሕዝቶ ናብ ጭቡጥ መምርሒታትን ውሳነታትን ኣሰራርሓታትን ምእንቲ ኺትርጐም፡ ቅዱስ ኣቦና፡ ነተን መዝነት ዝተዋህበን ላዕለዎን ቤት ጽሕፈታት ቅድስቲ መንበርን፡ ሓፈሻዊ ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስን፡ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ጸብጻባት ተመርኲሶም፡ ብዛዕባ እቲ እተገብረ ምርጫታትን፡ ብዛዕባ ዘይተቐበልዎ ባእታታትን ጸብጻብ ኪህቡ ሓቲቶም ኣለዉ።

መግለጺ ናይቲ ሓፈሻዊ ቤት ጽሕፈት ስኖዶስ ከም ዝገልጾ፡ እዚ ሓባራዊ ጻዕርታት እዚ፡ ምስቲ መንፈስ ናይ ሲኖዶሳዊ ጕዕዞን፡ ኣብ ሚስዮናዊ ኣረኣእያ ቤተ-ክርስትያን ዝተመስረተ ምዃኑን የረጋግጽ።

እቲ በዚ ኣገባብ እዚ ዝቐረበ ተግባራዊ እማመታት ናብ ቅዱስ ኣቦና ክቐርብ ኢዩ፣ ንሶም ድማ ክግምግሞን፡ ምናልባት ከጽድቕዎ ውን ይኽእል ኢዮም።

እቲ ናይ መወዳእታ ጸብጻብ ናብ ሓፈሻዊ ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ ምስ ኣቕረበ፡ እቶም ነዚ ዘቕረቡ ጕጅለታት መጽናዕቲ፡ ነቲ እተዋህበሎም ሓላፍነት ክዛዝሙ ኢዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ከም ዝፈረሱ ክቝጸሩ ኢዮም። 

13 Mar 2026, 12:43