ሲኖዶስ ጳጳሳት ብዛዕባ ተልእኾ ኣብ ዲጂታላዊ ዓውዲ ዘውጽኦ ጸብጻብ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ሓደ ካብቶም ብጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት ተልእኾ እተባህቦ ጕጅለ መጽናዕቲ ኣብ ዘውጽኦ ናይ መወዳእታ ጸብጻብ፣ ዲጂታላዊ ዓውዲ ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ንተልእኾ ቤተ-ክርስትያን ኣገዳሲ ባይታ ዀይኑ ኸም ዘገልግል ብምጕላሕ፣ "ቤተ-ክርስትያን ኣብ ኤለክትሮኒካዊ ዓውዲ ምህላዋ ምልክት ሕብረትን ምስክር ተስፋን ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ እዚ ድማ ነቲ መሓሪ ገጽ ክርስቶስ ከንጸባርቕ ይኽእል እዩ" ክብል ይምስክር።
እዚ ጸብጻብ እትዚ በቲ ጕጅለ መጽናዕቲ ቍ.3 ተባሂሉ ዝፍለጥ፣ ብዛዕባ "ተልእኾ ስብከተ ወንጌል ኣብ ዲጂታላዊ ዓውዲ" ኮይኑ፣ ከም ሓደ ክፍሊ ዕማም ናይ ስሩዕ መበል 16 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት "ሲኖዶሳዊት ቤተ-ክርስትያን ንኅብረትን ተሳትፎን ተልእኾን" ዘርእስቱ ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ኢዩ።
እቲ ዘውጽኦ ሰነድ ከም ዘመልክቶ፣ ኤለክትሮኒካዊ ዓውዲ ናይ ተክኖሎጅያዊ መሳርሒታት ጥርናፈ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ናይ ገዛእ ርእሱ ቋንቋን ቀላሲ ሓይልን ዘለዎ ኮይኑ፣ ርክባት ዝምስረተሉ መገድታት እውን ባህላዊ ባይታ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ቤተ-ክርስትያን ወንጌል ክትሰብኽ እተጸውዓትሉ ሓድሽ ሚስዮናዊ ዓውዲ እዩ ክብል የመልክት።
ተልእኾ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ኤለክትሮኒካዊ መዋእል
እቲ ዝተዋህበ ጸብጻብ ካብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዘቕረብዎ ሓሳባት ተበጊሱ፣ ንክርስትያን ምእመናን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታትን፣ ብመስመር ኢንተርነትን ክርስትያናዊ ተስፋ ንምክፋል ዘለዎም ቈራጽነት ከሐድሱ ዘተባብዕ ኢዩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዘመልከትዎ፣ "ውህበት እቲ ዝተንስአ ጐይታ ንዓለም ዘመሓላልፉ ንልኡካነ ወንጌል ዝኹኑ ደቀ መዛሙርቲ፣" ከምኡውን ነቶም ብመስመር ኢንተርነት ዝረኽብዎም ሰባት ኣብ ዘገድሶም ነገራት ከቕልበሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም ኣለዉ።
እቲ ጸብጻብ ከም ዝገለጾ፣ ኤለክትሮኒካዊ ዓውዲ ምስ መዓልታዊ ማሕበራዊ ናብራ ብፍላይ ከኣ ኣብ መንጎ መንእሰያት ኣጸቢቑ ዝተኣሳሰረ ክንዲ ዝኾነ፣ ንጕስነታዊ ተሳትፎን ተልእኾ ወንጌላውነትን ወሳኒ ባይታ ይገብሮ።
ኣብ እዋን ዘተ ጉባኤ ሲኖዶስ፣ እዛ ጕጅለ "ቤተ-ክርስትያን ንኤለክትሮኒካዊ ዓውዲ ከም ካልኣይ ወይ መመላእታ ገይራ ኣብ ክንዲ እትርእዮ፣ ብፍላይ ኣብዛ ብዙሓት ሰባት ቀንዲ ተሳትፎኦም ኣብ ኢንተርነት ዘካይዲላ ዘለዉ ዓለም፣ ከም ዘይንጸል ተልእኾኣ ኣፍልጦ ኽትህበሉ ኣለዋ" ዝብል ሓሳባት ኣቕሪባ ከም ዝነበረት ዝዝከር ኢዩ።
ኣብ ዓውዲ ኢንተርነት ደቂ ሰባት ንዅሉ ዓይነት ሓቅታት እንተላይ ብዛዕባ ወንጌልን ንኣምላኽን ከምኡ ውን ርክባት ሓበሬታ ንምርካብ፣ ናብ ኤለክትሮኒካዊ ኣውዲ ዝኸዱሉ፣ መንፈሳዊ ርክባት ዝካየደሉ ቦታ ምዃኑ እውን ኣፍልጦ ሂቦምሉ እዮም።
ሓሙሽተ ኣገደስቲ ኣርእስትታት
እቲ ናይ መወዳእታ ጽብጻብ ሰለስተ መምርሒ ዘለዎ ሕቶታት የቕርብ፦ እንታይ ኢና ሰሚዕና? እንታይ ማለት እዩ? እንታይ ኢዩ ምኽርና? ብምባል፣ ኣብዘን ሰለስተ ሕቶታት እዚኣተን ነተን ሓሙሽተ ኣገደስቲ ነጥብታት እዚ ሰነድ እዚ የቕርቡ።
ቀዳማይ፡ ኤለክትሮኒካዊ ዓውዲ ክንለማመዶ ዘሎና መሳርሒታት ጥራይ ኣይኰነን፣ ሓደ ባህሊ እዩ።
ካልኣይ፡ ኤለክትሮኒካዊ ተሳትፎ ንድምጺ ናይቶ ድምጾም ዘይስማዕ ሰባት ንምስማዕን ንምስናይን ድምጾም ንምልዓልን ዘክእልን ከምኡውን መግለጺ ማሕበራዊ ተልእኾ ቤተ-ክርስትያን እዩ።
ሳልሳይ፡ እዚ ዲጂታላዊ ባህሊ እዚ ኣብ ዝዀነ ይኹን ሕብረ ባህላዊ ኣገልግሎታት እነቕርበሉ ሓደ ዓይነት ዕላማን መዕበያን መንፈስ ተልእኾን ዝሓትት ኢዩ።
ራብዓይ፡ ብዝበለጸ ድማ እዚ ኤለክትሮኒካዊ ዓውዲ ንከም ምስማዕን ተሳትፎን ሓባራዊ ሓላፍነታትን ንዝኣመሰሉ ገለ ባእታታት ሲኖዳውነት ዘተባብዕ ኢዩ።
ሓምሻይ፡ ብተመሳሳሊ መንገዲ፣ ኤለክትሮኒካዊ ዓውዲ ዓበይቲ ብድሆታት እዩ ዘቕርብ። ማለት ዓበይቲ ሓደጋታት ዘለዎ ከም ምዃኑ፣ በቲ ኣብ ዕጹው መንነት ኪፈልየናን ኪቈጻጸረናን ዝኽእል ቀመር ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት እዩ ዝቕረጽ።
ነዚ ተርእዮታት እዚ ንምርዳእ ዜድሊ ብድሆ ከአ፣ ብፍላይ ኤለክትሮኒካዊ ተልእኾ ወንጌል ምስ ምምጽኡ እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ።
ተልእኾ ገና ይካየድ ኣሎ
እቲ ጕጅለ ዘቕረቦ መጽናዕቲ ናብ ጽፍሕታት ቅድስቲ መንበርን፡ ጉባኤታት ጳጳሳትን ብዝቕረቦ እማሜታት ይዛዝም፣ እዚ ድማ ተልእኾ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ዲጂታላዊ ዓለም ንምትግባር እተፈላለየ ስጕምትታት ኣመልኪቱ ሓሳባት ዘቕርብ ኢዩ። ከም ሓድሽ ተልእኾ ወንጌላዊ ግንባር መጠን፣ "ተልእኾ ስብከተ ወንጌል ኣብ ኤለክትሮኒካዊ ሃዋህው ዝግበር ጕዕዞ እዩ" ይብል።
ኤለክትሮኒካዊ ዓውዲ እናማዕበለ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ ከም ዲጂታላዊ ተልእኾ፣ ሲኖዳውነት ኣብ ናይ ኢንተርነት ስብከተ ወንጌል ከምኡውን ዲጂታል ኣሰንዮ ዝኣመሰሉ ሓሳባት ንምርዳእ ዝያዳ ስነ-መለኮታዊን፡ ጕስነታዊን ቀኖናውን ኣስተንትኖ የድሊ ክብል ድማ የመልክት።
ኣብ መደምደምታ እቲ ሰነድ ከም ዝሕብሮ፣ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ኤለክትሮኒካዊ ዓውዲ ከም ምህላዋ፣ ኣብቲ ብቕልጡፍ ዝቀያየር ዘሎ ባህላዊ ባይታታት፣ "መሓሪ ገጽ ክርስቶስ ዘንጸባርቕ" ምልክት ሕብረትን ተስፋን ክኸውን ይኽእል ኢዩ ክብል ይዛዝም።