ቅድስት መንበር፦ ዝያዳ ስሉጥን ቀጻልን ኣገባባት ንምህርቲ ሕርሻ ቅድስት መንበር፦ ዝያዳ ስሉጥን ቀጻልን ኣገባባት ንምህርቲ ሕርሻ 

ቅድስት መንበር፦ ዝያዳ ስሉጥን ቀጻልን ኣገባባት ንምህርቲ ሕርሻ

ኣብ መበል 39 ዓውደ ኣኼባ ዞባዊ ጉባኤ ላቲን ኣመሪካን ካሪብያንን ዝተሳተፉን መደረ ዘስምዑ ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ኣብ ውድብ መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት፡ ዓለም ለኸ መዋሊ ልምዓት ሕርሻን ዓለም ሓቆፍ ውድብ መርሓ ግብሪ መግብን ጳጳስ ፈርናንዶ ቺካ ኣሬላኖ፡ "ንኣከባብያዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ሸነኻት ሕርሻዊ ምህርቲ ብኹለመዳያዊ መልክዑ ምግምጋም ኣገዳሲ" ምዃኑ የጒልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ ዕለት 2 ክሳብ 6 መጋቢት ኣብ ከተማ ብራዚሊያ መበል 39 ዞባዊ ጉባኤ ላቲን ኣመሪካን ካሪብያንን ዝተሳተፉን መደረ ዘስምዑን ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ኣብ ውድብ መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት፡ ዓለም ለኸ መዋሊ ልምዓት ሕርሻን ውድብን ዓለም ሓቆፍ መርሓ ግብሪ መግብ ጳጳስ ፈርናንዶ ቺካ ኣሬላኖ፡ ብዛዕባ ሓደ ዞባ፡ ላቲን ኣመሪካን ካሪብያንን፡ ፍሉይ ክቡር ብዙሕነት ህይወት ሃብታም፡ "ንዓለማዊ ውሕስነት መግቢ መሻርኽቲ ዝኾነ ዞባ፡ ብተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት እናተሃስየ ይኸይድ ኣሎ፣ እዚ ድማ ንጥሜት፣ ድኽነትን ምብራስን ብከላን ከባብ ዘቓልዕ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መምርሕታትን ምህዞታትን ንብቑዕ ሕርሻ

ጳጳስ ኣሬላኖ "እቲ ዘሕዝን ግን፡ ህጹጽ ኩነታት ከባቢያዊ ኣየር ናይ መጻኢ ግምታት ኣይኮነን፡ እንተኾነ ግን ድሮ ሎሚ ንገጥሞ ዘሎና ጉዳይ እዩ፡ ንውሕስነት መግቢ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ ከቢድን መዓታውን ሳዕቤናት እዩ። ነቲ ዕለት 16 ጥቅምቲ ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ዓለም ለኸ መዋሊ ልምዓት ሕርሻን ውድብ- FAO ምብጻሕ ዘካየዱ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ዝበልዎ ብምዝካር “ስነ - ፍልጠት ንዕምሪ ህይወት ዘናውሓሉ እዋን እደ ጥበብ ንኣህጉራት ከም ዝቀራረበን ፍልጠት ከኣ ቅድሚ ሕጂ ዘይሕሰብ ዝነበረ ኣድማስ ከፊቱ እዩ፤ ሚልዮናት ደቂ ሰባት ብጥሜት ተሃስዮም ክነብሩ - ክሞቱ - ምፍቃድ ሓባራዊ ውድቀት፡ ስነ - ምግባራዊ ምድንጋር፡ ዓቢይ ታሪኻዊ ጌጋ እዩ - ቢሎም - ስለዚ ንሃገራት እቲ ዞባ መምርሕታትን ስርዓታትን፡ እደ ጥበብን ምህዞታትን ብምውህሃድ ኣፍራይነት ንምዕባይን ስርዓታት ሕርሻዊ መግቢ ናብ ዝያዳ ዘላቒ ዝኾነ መነባብሮን ተፈጥሮኣዊ ጸጋታትን ዝሕሉ ኣሰራርሓታት ንምቕያር ንምምችቻእን ብምድጋፍ፡ ንከባብያዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ሸነኻት ሕርሻዊ ምህርቲ ብኹለመዳያዊ መንገዲ ምእላይ ግድን እዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እቲ እደ ጥበባዊ ኣተገባብራ ኣብ ስነ-ምግባራዊ መዐቀኒታት ዝተመስረተ ይኹን

ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ኣብ ውድብ መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት፡ ዓለም ለኸ መዋሊ ልምዓት ሕርሻን ዓለም ሓቆፍ ውድብ መርሓ ግብሪ መግብን ጳጳስ ፈርናንዶ ቺካ ኣሬላኖ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣስዒቦም "ንህሉው ብድሆታት ብእኹል መልክዑ መልሲ ንምሃብ፡ ኣብ ጽኑዕ ስነ ሜላዊ ምሕዝነት ክትምርኮስ ምኽኣል ኣገዳሲ እዩ። ኣብዚ መንጽር እዚ፡ ስነ ፍልጠታዊ ጽላት፡ ስርዓታት ሕርሻዊ መግቢ ናብ ዝያዳ ዘዕግብን ተጻዋርን ኣገባብ ንምቕያር ምህዞን ፍልጠትን ኣብ ምፍራይ ልዑል ተራ ይጻወት - ቢሎም - ኣብ መወዳእታ፡ "ኣጠቓቕማ እደ ጥበብ ኩሉ ግዜ ኣብ ስነ - ምግባርን ምሕላው ክብሪ ሰብን ዝተመስረተ ክኸውን ተሓታትነት ምርግጋጽ የድሊ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

06 Mar 2026, 15:31