ድለ

ናይ ር.ሊ.ጳ. ዓለም ሓቆፍ ናይ ጸሎት መርበብ ሓድሽ ሕጊ ናይ ር.ሊ.ጳ. ዓለም ሓቆፍ ናይ ጸሎት መርበብ ሓድሽ ሕጊ 

ናይ ር.ሊ.ጳ. ዓለም ሓቆፍ ናይ ጸሎት መርበብ ሓድሽ ሕጊ

ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዓለምለኻዊ ናይ ጸሎት መርበብ ነቲ ዝምራሓሉ መንነትቱን ተልእኾኡን መዋቕራዊ ሰብነት እዋናዊ ዝገብር ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ይኹንታ ዝሃብሉ ሓድሽ ሓፈሻዊ ሕጊ ዕለት 19 መጋቢት ወግዓዊ ከም ዝገበሮ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሓሙስ ዕለት 19 መጋቢት ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዓለም ሓቆፍ ናይ ጸሎት መርበብ (PWPN) ዝምርሓሉ ሓድሽ ሓፈሻዊ ደንቢ ወግዓዊ ከም ዝገበረ፡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ፡ እቲ ሰነድ "ብዛዕባ መንነትን ተልእኾን መዋቕርን ዝተዋደደ እዋናውን ራእይ ዘቕርብ ኮይኑ፡ ከምኡውን ባህርይ ናይ ር.ሊ.ጳ. ዓለም ሓቆፍ ናይ ጸሎት መርበብ - PWPN ከም "ካልእ ኣብ ውሽጢ ቤተ - ክርስትያን ዚግበር ምንቅስቓስ" ዘይኰነስ ንር.ሊ.ጳጳሳትን ንዅሎም እቶም ብጸሎትን ኣገልግሎትን ኣቢሎም ምስኦም ዝሓብሩ ብቐጥታ ጽርገልግል ኵላዊ መርበብ" ምዃኑ የዘኻኽር።

እቲ ዝተሓደሰ ሕጊ ዕለት 19 መጋቢት ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱስ ዮሴፍ ወግዓዊ ክኸውን “ብኣጋጣሚ ዘይኮነስ፡ ር.ሊ.ጳ. ነዚ ናይ ር.ሊ.ጳ. ዓለም ሓቆፍ ናይ ጸሎት መርበብ - PWPN ንኸመሓድሩ ነቲ ቅዱስ ዮሴፍ ጠበቓኡ ዝኾነ ማሕበር ኢየሱሳውን ዝሃብዎ ብምዃኑ እቲ መግለጺ ኣመልኪቱ፡ ኣገልግሎቱ ብመንገዲ ኣብ ሮማ ዝመደበሩ ብትካል ቫቲካን ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ 90 ሃገራት ብዝርከቡ 22 ሚልዮን ሰባት ዝሓቖፍ መርበብ ኣቢሉ ከም ዝፍጽም ይሕብር።

ኣብ ልቢ ኢየሱስ ዝተሰረተ ተልእኾ

እቲ ሓድሽ ሕጊ ናይ ር.ሊ.ጳ. ዓለም ሓቆፍ ናይ ጽሎት መርበብ ከም ጳጳሳዊ ሓዋርያዊ ስራሕን ትካል ቫቲካንን “ኣብ ቤተ ክርስቲያናዊ ኣገልግሎት ቅድስቲ መንበር” ዝግለጽ ምዃኑ ኣብቲ መግለጺ ተመልክቲ ከም ዘሎን ዕላማኡ ድማ ከምቲ ኣብ ዕላማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወርሓዊ ናይ ጸሎት ሓሳብ ተገሊጹ ዘሎ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ንብድሆታት ሰብኣውነትን ተልእኾ ቤተ ክርስቲያንን ምላሽ ክህቡ ምልዕዓል ምዃኑ ይሕብር።

ኢየሱሳዊ ካህን ናይቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ዓለም ሓቆፍ ናይ ጸሎት መርበብ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ክሪስቶባል ፎነስ እቲ ዝተሓደሰ ሓፈሻዊ መምርሒ "ነቲ ቅዱስ ኣቦና ብሕድሪ ዝሃቡናን ኣብ መላእ ዓለም እሙናት ክንከውን እንጽዕረሉን ተልእኾ ብቐጻሊ ዘዘኻኽር ኢዩ - ቢሎም - ተልእኾ እቲ መርበብ ኣብ መንፈሳውነት ልቢ ኢየሱስ እተመስረተ ኮይኑ፡ ኣብኡ ድማ ነቲ ናይ ሕንጸት ጉዕዞኡ ዝመርሕ ማእከል ዝኾነ መገዲ ልቢ የለልይ፡ እዚ ዕላማ እዚ ምስ ክርስቶስ ዘሎና ጥቡቕ ርክብ ምስ ጭቡጥ ተወፋይነት ብጸሎት ንምሕባር በዚ ኸምዚ ድማ ንጕዳያት ዓለም ዝያዳ ኽፉት ኣብ ምዃን ዝሕግዝ እዩ እንክብሉ የብርሁ።

ብተወሳኺውን እቲ መግለጺ ኣስዒቡ ከም ወራሲ ታሪኻዊ ሓዋርያዊ ጉስነት ንጸሎት ነቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ዓለም ለኻዊ ናይ ጸሎት መርበብ ኣብቲ ሓድሽ ሕግታት ከም ወትሩ ምስ እዋናዊ ብድሆታት ከም ዘሰማምዕ ብምምልካት፡ ነቲ ናይ ጸሎት መርበብን ኣባላቱን ምስቲ ኣብ 2024 ዝጸደቐ ናይ መወዳእታ ሕግታት ብምስምማዕ "ብሓባር ኪመላለሱ" ዚሕግዝ መምርሒታት የቕርብ ክሳዕ እቲ ኣብ 2028 እተመደበ መደብ ገምጋም ድማ ንኽልተ ዓመት ዚኣክል ናይ መጀመርታ ግዜ ዚጸንሕ ናይ ክልተ ዓመት ስርዓታዊ ቅርጺ ዘንበረ ምዃኑ ይሕብር።

20 Mar 2026, 15:32