ድለ

ሊቀ ጳጳሳት ጋብሪኤል ካቻ ኣብ ኣመሪካ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ንኽኾኑ ተሰምዮም ሊቀ ጳጳሳት ጋብሪኤል ካቻ ኣብ ኣመሪካ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ንኽኾኑ ተሰምዮም  

ሊቀ ጳጳሳት ጋብሪኤል ካቻ ኣብ ኣመሪካ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ንኽኾኑ ተሰምዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ካብ 2019 ኣትሒዞም ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮይኖም ከገልግሉ ንዝጸንሑ ሊቀ ጳጳሳት ጋብሬለ ካቻ - ሃዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እንክብሉ ከም ዝሰመይዎምን ሊቀ ጳጳሳት ካቻ ኣስዒቦም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ እቲ ዝተወሃቦም ሓድሽ ተልእኾ ኣገልግሎት ንሓድነትን ሰላምን ምዃኑ የጒልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቶም ዕለት 30 ጥሪ 80 ዓመት ዕድመ ንዝገበሩ ኣብ ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኮይኖን ንዘገልግሉ ዘለዉ ካርዲናል ክሪስቶፍ ፒየር ብገደብ ዕድመ ምኽንያት ካብ ሓላፍነቶም ንኽለቁ ብመሰረት ሕገ ቀኖና ንዘቕረብዎ ሕቶ እወታዊ መልሲ ብምሃብ፡ ቀዳም ዕለት 7 መጋቢት ሊቀ ጳጳስ ጋብሪኤል ካቻ ሓድሽ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እንክብሉ ከም ዝሰመይዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ሊቀ ጳጳሳት ካቻ "ኣብቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብ እተወልዱሉን ዝዓበዩሉን ሃገርን ቤተ-ክርስትያንን" ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኮይኖም ንኸገልግሉ ብቕዱስነቶም ምሽያሞም፡ ክብሪ ምዃኑ ገሊጾም፡ "ነዚ ተልእኾ እዚ ብሓጐስን ብትሕትናን እቕበሎ። ንሕብረትን ሰላምን ዚግበር ዘገልግል ተልእኾ” ምዃኑ ገሊጾም፡ ለምዘበን ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ መበል 250 ዓመት ምስረታ እተኽብረሉ ዓመት ዝጅምርዎ ሓድሽ ኣገልግሎት እውን ምዃኑ ኣጒሊሖም፡ ኣብቲ ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ዝርከብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኮይኖም ኣብ ዘገልገለሉ ዓመታት ዝፈልጥዋ ቤተ-ክርስትያንን ዝፈልጥዎን ህዝብን ትካላትን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ "በቲ ዝረኸብዎ ምዉቕን ግልጽነትን" ከም ዝተባብዑ ይገልጹ።

ሊቀ ጳጳሳት ካቻ ዕለት 24 ለካቲት 1958 ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ሚላኖ ዝተወልዱ፡ ኣብ 1983 ብካርዲናል ካርሎ ማሪያ ማርቲኒ ማዕርገ ክህነት ዝተቐበሉ፡ ክሳዕ 1986 ኣብታ ዝተወለዱላ ከተማ ናይ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ጆቫኒ ቦስኮ ቆሞስ ኮይኖም ከም ዘገልገሉን፡ ድሕሪኡ ናብቲ ኣብ ሮማ ዚርከብ ጳጳሳዊ ዓቕለሲያዊ ተቕዋም ትምህርቶም ኣጠናቒቖም፡ ኣስዒቦም ኣብ ጳጳሳዊ ግረጎሪያና መንበረ ጥበብ ብቲዮሎጊያ ሊቕነትን ብሕግቀ ቀኖና ድማ ቀዳማይ ናይ ትምህርቲ ማዕርግ ከም ዝረኸቡን፡ ኣብ 1991 ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ኣገልግሎት ተጸምቢሮም ኣብ ታንዛንያ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ 1993 ኣብ ክፍሊ ሓፈሻዊ ጕዳያት ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ተወዚዖም ድሕሪ ምግልጋል ኣብ 2002 ትኩእ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ንሓፈሻዊ ጕዳያት ተሰምዮን ኣብ ወርሒ ሓምለ 2009 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ሊባኖስ ሃዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበርን ናይ ስፒኖ ስዩም ሊቀ ጳጳሳት እንክብሉ ከም ዝሰመይዎ  ዝሓበረዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ዕለት 12 መስከረም 2009 ዓ.ም. ቅብኣተ ጵጵስና ተቐቢሎም። ኣብ 2017 ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣብ ፊሊፒንስ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ተሰምዮም ንኽልተ ዓመት ምስ ኣገልገሉ፡ ኣብ 2019 ዓ.ም.  ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋም ተዓዛቢ እንክብሉ ከም ዝሰመይዎም ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

09 Mar 2026, 15:12