ድለ

ናይ ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ሓፈሻዊ ምሉእ ዓውደ ጉባኤ ናይ ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ሓፈሻዊ ምሉእ ዓውደ ጉባኤ  (@VATICAN MEDIA)

ናይ ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ሓፈሻዊ ምሉእ ዓውደ ጉባኤ

ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምሕላው ኣብ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ማእከላይ ምዃኑ ብምርግጋጽ ናይ ጽድያ ጉባኤኡ ይዛዝም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ኣብ ሮማ ዘካየዶ ምልእ ዓመታዊ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣብ መላእ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምሕያል ኣሰራርሓታት ምክልኻል ዘተኮረ ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ኣስተንትኖን ዘተን ውጥንን ብምክያድ ዕለት 20 መጋቢት ከም ዝዛዘመን እብቲ ሓፈሻዊ ዓውደ ጉባኤ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ኣባላትን ሰራሕተይናታትን ከም እተሳተፉን፡ እቲ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ምስ ግዳያትን ዝደሓኑን ምትእስሳር ምዕባይ፡ ዓለም ለኻዊ ስነ ኣሃዛዊ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ኣብ ምምዕባል፡ ከምኡ’ውን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደረጃ ቤተ ክርስቲያናዊ ህይወት ምትሕብባር ኣብ ምድልዳል ዘማእከለ ምንባሩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ኣብ መኽፈቲ እቲ ዓውደ ጉባኤ “ንር.ሊ.ጳ ልዮን መበል 14 ነቲ ኣብ ትሕቲ ሓልዮት ቤተ ክርስቲያን ብሓላፍነት ዝተዋህበ ነፍሲ ወከፍ ህጻን መንእሰይን ተቓላዓይን ክብሪ ናይ ምሕላው ማእከላይ ተልእኾ ዳግማይ ንምርግጋጽ ንዝገበርዎ መሪሕነት ዓሚቝ ምስጋና” ከም ዘቕረበ የመላኽት።

ኣብ ፈታኒ እዋን ናይ ሓባር ሓላፍነት

ብቐጻሊ ዓለማዊ ግጭትን ኣብቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዘለዎ ጽልዋን ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ኣኼባ ሓድሽ ተወፋይነትን ምትሕብባርን ኣድላዪ ምዃኑ ከም ዘስተንተነን ኣቦ መንበር ናይቲ ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ጳጳስ ቲቦልት ቬርኒ "ብጥንቃቐ ምስማዕን ትሕትናን ሓባራዊ ሓላፍነትን ኣድላዪ ምዃኑን ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ምክልኻል ባህልታትን መዋቕራትን ብምድልዳል ነተን ኣብ ከባቢ ዝርከባ ኣብያተ -ክርስትያን ምስናይ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘስመሩሉ ሓሳብ ብምቅላሕ ኣዘኻኺሮም፡ ካብ ክኢላታትን መሻርኽትን እተገብረ ወፈያታት ሕልኽላኻት ናይ ምዕቃብ ብድሆታትን ኣገዳስነት ምትሕብባርን ኣብ መንጎ ቤተ-ክርስትያንን ተዋሳእቲ በርገሳዊ ሕብረተሰብን ኣጕሊሖም፡ ኣባላት ነዚ ክውንነታት እዚ ብውጽኢታዊ መገዲ ምላሽ ክህብ ዝኽእል "ክፉትን ናይ ምትሕብባርን መንፈስ" ንምድንፋዕ ህጹጽ ምዃኑ ብኣጽንዖት ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ግዳያትን ካብ ሞት ዝደሓኑን ምስማዕ

ማእከላይ ትኹረት ናይቲ ጉባኤ፡ ተራ ግዳያትን ዝደሓኑን ኣብ ምቕራጽ ጻዕርታት ምክልኻል ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ከም ዝነበረን ኣባላት ኣብዚ ቐረባ ግዜ ብዛዕባ ማህሰይቲ ካብ ምፍላጥ ዝተወልደ ኣሰራርሓታት ገምጊሞም፡ ምስክርነት ግዳያት ኣብ ምቕራጽ ሕግታትን ስልጠናን ብኸመይ ብቐጻሊ ኣበርክቶ ኺገብር ከም ዚኽእል ከም ዝመርመሩን ተሳትፎ እቶም ግዳያትን ብህይወት ዝተረፉን "ንበይኑ መዳይ ዕቝባ ዘይኰነስ ንነፍሲ ወከፍ ተግባር ቀንዲ መወከሲ ነጥቢ" ምዃኑ ደጊሞም ብምርግጋጽ፡ እቲ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ድማ "ዕቝባ ተሓታትነት ግልጽነት ከምኡውን ክንክን እቶም እተጐድኡ ሰባት ኣብ ማእከል ህይወት ቤተ-ክርስትያን ህልው ምዃኑ ንምርግጋጽ ንምስማዕን ንምስናይን ኣበርክቶ ንምግባርን" ዘለዎ ተወፋይነት ደጊሙ ብምርግጋጽ "ገና ብዙሕ ክስራሕ ይግባእ” እንክብል ኣፍልጦ ከም ዝሃበ ይሕብር።

ኵላዊ መምርሒታት ምምዕባል

ብተወሳኺ ኣብ ምምዕባል ኵላዊ መምርሒታት ማዕቀፍ፣ ኣብ መላእ ዓለም ንዝግበር ጻዕርታት ምክልኻል ንምድጋፍ ዝዓለመ መሰረታዊ መሳርሒ ፍሉይ ኣቃልቦ ከም ዝገበረን፡ ኣባላት ነቲ ሕጂ ዘለዎ ምዕራፍ ብምግምጋም፡ ብኸመይ “ዝያዳ ተበጻሒ፡ ባህላዊ ምትዕጽጻፍን መንፈሳዊ ሱር ዝሰደደን” ክኸውን ከም ዝኽእል ኣስተንቲኖም፡ እቲ መምርሒ ኣብ ዝተፈላለየ ኵነታት ንዝርከባ ከባብያዊ ኣብያተ ክርስቲያን ከም ጭቡጥ መሳርሒ ምእንቲ ከገልግል፡ ንጹርነትን ተግባራውነትን ኣብ ምርግጋጽ ትኹረት ክወሃብ ድማ ኣነጺሩ፡

ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት’ዚ ሰነዳዊ ጸብጻብ ናብ ቅዱስ ኣቦና ቅድሚ ምቕራቡ፡ ንኽብርታት ወንጌል እሙንን ምስ ሞያዊ መዐቀኒታት ዝሰማማዕን መምርሒ ንምሃብ ዝኣተዎ ቃል ከም ዘሐደሰ ዜና ቫቲክን ኣፍሊጡ።

ዓለማዊ ተበግሶታት ምስፋሕ

እቲ ኣኼባ ነቲ ሕጂ ኣብ እተፈላለያ ዞባታት ዝርከባ 18 ኣብያተ-ክርስትያን ዝድግፍ ናይ መዘኻኸሪ ተበግሶ ምዕባለ ከም ዝገምገመን፡ እቲ ተበግሶ ብእተወደበ ኣገባብ "ገምጋም ምትግባርን ምግምጋምን" ኣቢልካ ናይ ጸብጻባት ስርዓታትን ስልጠናን ናይ ዕቝባ ክእለትን ከም ዘደልድልን ዋላ'ኳ ብድሆታት እንተሃለወ ድሩት ናይ ተሓታትነት ኣሰራርሓታትን ናይ ጸጋታት ጉድለትን እንተሃለወ ኣባላት ግን ብፍላይ ኣብ ኣፍሪቃን ላቲን ኣመሪካን ኣወታዊ ምዕባለታት ከም እተራእየ ከም ዘስተብሃሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ተሓታትነትን መሰነይታን

እቲ ብዛዕባ ዓመታዊ ጸብጻብ ሽማግለ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ እተገብረ ምይይጥ ከም "ሓፈሻዊ ጸብጻብ ንምቕራብ ዘኽእል መጋበርያን ምስኡ ዚተሓሓዝ መስርሕን" መጠን እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ግደ ኣጕሊሑ፡ እቶም ዞባውያን ጕጅለታት ብዛዕባ ናይ ሃብቲ ፍልልያት ኣብ ስርዓት ጸብጻብን ዘሎ ሃጓፋት ከምኡውን ፍልቀት ሓጋጊ ዓውድታት ከም ዘጒልሑን፡ እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ግዳያትን ብህይወት ዝተረፉ ሰባትን ብጕጅለታት ኣቢሎም ዝገብርዎ ኣበርክቶ ከም ቀንዲ ረቛሒ ትንተናን ለበዋን ናይቲ ጸብጻብ ምዃኑ ኣፍልጦ ከም እተወሃቦ ዜና ቫቲካን ኣረጋጊጹ፡ እዚ ቐጻሊ ዕዮ እዚ ብሓደስቲ ምትሕብባርን ዝሰፍሐ ጥርናፈ ሓበሬታን ዝሃብተመ ነቲ ኣብ እተፈላለየ ኽፋላት ህይወት ቤተ-ክርስትያን ዘሎ ጸገማት ንምፍታሕ ከምኡውን ነቲ ጳጳሳዊ ሽማግለ "ኣብ ከባቢያውያን ኣብያተ-ክርስትያንን ኣብ ውፉይ ህይወትን ናብ ባህሊ ክንክን ዝመርሕ መገዲ ንምድልዳል" ዝዓለመ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ንዝቕልቀሉ ዓይነታት ግህሰት ምፍታሕ

ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ባይቶ ኣቓልቦኡ ናብ ዝቕልቀሉ ዘለዉ ብድሆታት፡ እንኮላይ ብብዙሕ ሸነኻት ተቓላዕነትን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ስግኣት ግህሰት መስመራት መርበብ ኣቕኒዑ፡ ብጉጅለ መጽናዕቲ ተቓላዕነት ዝቐረበ ብዙሕ ዓውድታት ዝሓዘ ማዕቀፍ ነቲ ጉዳይ ኣብ ዝምድናዊ፡ ባህላውን ትካላውን ኵነታት ዝድህስስ ኮይኑ፡ ንኽልቲኡ ቀኖናውን ጓሳውን ተግባራት ርድኢት ይህብ። እንኮላይ  ግህሰት፡ ስነ ኣሃዛዊ ሓደጋታት ኣብ ምልላይን ንመከላኸልን ምላሽን ዝሕግዙ ግብራዊ መሳርሒታት ኣብ ምቕራብ ምዕባለ ከምዘሎ ጸብጺቡ፡ ከምቲ ኣብ እዋን ባይቶ ዝጎለሐ፡ “ብደረጃ ዓለም ሓቆፍ ኣብ ልዕሊ ህጻናትን ኣብ ተቓላዕቲ ኩነታት ዝርከቡ ሰባትን ብመርበባት ዝፍጸም ግህሰት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ስነ ኣሃዛዊ ምዕባለ ምክልኻል ህጹጽ ቀዳምነት ክወሃቦ ከም ዘለዎ ብኣጽንዖት ከም ዘተሓሳሰበ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

21 Mar 2026, 17:23