TOPSHOT-LEBANON-ISRAEL-IRAN-US-WAR TOPSHOT-LEBANON-ISRAEL-IRAN-US-WAR  (AFP or licensors)

ጳጳሳዊ ተቕዋም ሥነ-ህይወት "ተመራመርቲ ንሰላም" ዝተሰምየ ጻውዒት ኣቕረበ

ጳጳሳዊ ተቕዋም ሥነ-ህይወት ንዅሎም ተመራመርቲ ስነ ፍልጠትን ሊቃውንትን፣ ኣብ መላእ ዓለም ሰላም ንምድንፋዕ ጭቡጥ ስጕምትታት ከውጽኡ ኣህጉራዊ ጻውዒት ኣቕሪቡ የርከብ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

"ኣብዚ ኣብ እነሕልፎ ዘሎና ታሪኽ፣ ኣዝቢ ቋንቋ ኣጽዋርን ውግእን ከምኡ ውን ምስፍሕፋሕ ዓመጽን ዝበዝሖ ዘምን፣ ዘሕዝን ዓለምለኻዊ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎ እዋን፣ ንስነ-ፍልጠታዊ ምርምር እውን ይድርቶ ኣሎ፣ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠትን ምሁራትን ንሰላም ደው ክብሉ ከምኡውን ናይ ዕርቅን ንግጭት መፍትሐ ዝኸውን መገድታትን ኣብ ምድላይ ካብ መዓልታዊ ልምድታት ምርምራቶም ጀሚሩ ክሳተፉ ድማ ጻውዒት ይቐርበሎም ኣሎ። " ብምባል ትማሊ ረቡዕ 11 መጋቢት ዝወጸ ካብ ጳጳሳዊ ተቕዋም ሥነ-ህይወት ዝወጸ መግለጺ ኣመልኪቱ።

እዚ ተግባራዊ ጻውዒት እዚ፣ ብጳጳሳዊ ተቕዋም ሥነ ህይወት እተደገፈ ዀይኑ፣ በቲ ብዛዕባ ጉዳያት ምኡእ ሰብኣዊ ምዕብልና ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዝቀርብ ዘሎ ጻውዒት እዩ።

ዜግነት፡ ባህላዊ ልምድታ፡ ፖለቲካዊ ዝንባለ ወይ ሃይማኖታዊ ምትእስሳር ብዘየገድስ ካብ ኵሉ ዓይነት መዋቕራት ንዝመጹ ክኢላታት ሥነ-ፍልጠትን ተመራመርትን ሊቃውንትን ክፉት ዝኾነ መጸዋዕታ ድማ እዩ።

ንህይወት ደቂ ሰባት ንምድንፋዕን ምክልኻልን

እዝ ዝቐረባ ጻውዒት ንተመራመርቲ ሥነ ፍልጠትን ሊቃውንትን ከተኵሩሉ ዘለዎም ፍሉይ ነጥብታት ድማ የቕርብ፣ እዚ ድማ ኣብ እተፈላለየ ባህልታት ንዝርከቡ ሰባት ዘጠቓልል፣ ናይ ምርምር ውጥናት ብምትብባዕ ክሳዕ ከም ኣብ ወተሃደራዊ ኽፍሊ ዝኣመሰለ ዘይግቡእ ወይ ዘይተሓስበ ዕላማታት ስነ-ፍልጠታዊ ምርምር ናይ ምጥቃም ሓደጋታት ምቍጽጻር፣ ከምኡ ውን ሥነ-ፍልጠታዊ ምርምር ሰላም ኣብ ምህናጽ ትርጕም ዘለዎ መሳርሒ ምዃኑ ኣፍልጦ ንምሃብ ዘጠቓልል ኢዩ።

እዚ ጳጳሳዊ ተቕዋም ሥነ ህይወት እዚ ዘቕርቦ ዘሎ ተግባራዊ ጻውዒት፣ ምስቲ ሓደ ኻብቶም ሸቶታቱ ዝኾኑ ዕማማት ዝሰማማዕ ከም ምዃኑ እውን የጉልሕ፣ እዚ ኸኣ "ንህይወት ደቂ ሰብ ንምድንፋዕን ንምክልኻልን ኣብ ዝምልከት ጕዳያት"፣ ምትሕብባር ስነ-ፍልጠታዊ መጽናዕትታት ንምድንፋዕ ኢዩ።

"ስነ-ፍልጠታዊ ምርምር ሓቂ ብምስዓብ ተመሪሑ፣ ኣብ ጽኑዕ ሜላታት እተመስረተ እዩ፣ ፍልጠት ብምክፋልን ብቐጻሊ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ሕቶ ንምእታው ፍቓደኛ ብምዃንን ድማ ይዓቢ" ይብል።

እዚ ተቕዋም ሥነ-ህይወት ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብን ስነ-ፍልጠትን ብዚግበር ውድድርን ክትዕን ኣብ "ሓደ ግሉጽ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ባይታ" ኣብ እተመስረተ ክካየድን፣ ከምኡውን "ንውልቃዊ ረብሓታት ንምስዓር ካብ ሃገራዊ ዶባት ወጻኢ እውን ከይተረፈ ሓባራዊ ውርሻ ፍልጠት ኣበርክቶ ንምግባር እዩ" ዝዓለመ ኢዩ።

ናይዚ ጻውዒት ምሉእ ትሕዝቶ ንምንባብ ኣብ ገጽ መርበብ ሓበሬታ ጳጳስ ተቕዋም ሥነ ህይወት ይርከብ።

12 Mar 2026, 13:05