ርክብ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ፓሮሊን ምስ ልኡከ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ቅድስቲ መንበር ርክብ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ፓሮሊን ምስ ልኡከ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ቅድስቲ መንበር  (Custodia di Terra Santa)

ርክብ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ፓሮሊን ምስ ልኡከ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ቅድስቲ መንበር

ዕለት 30 መጋቢት ብናይ ቅድስቲ መንበር ርክብ ምስ ሃገራትን ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ዝተሰነዩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ሃገረ እስራኤል ልኡከ መንግስቲ ያሮን ሲድማንን ከም እተራኸቡን፡ ቀንዲ ናይቲ ርክብ ርእሰ ጉዳይ ድማ ኣብ እስራኤል ላቲናዊ ፓትሪያርክ ካርዲናል ፒዛባላን ናይ ቅድስቲ መንበር ዓቃቤ ቅድስቲ መሬት ኣባ የልፖ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ መቓብር ሰንበት ዕለት 29 መጋቢት ንበዓለ ሆሳእና ናብቲ ቦታ ከይኣትዉ ብሓይሊ ጸጥታ እስራኤልን ዘጋጠሞም ክልከላ ኮይኑ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ መብርሂ ከም ዝሓተት ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሰንበት ዕለት 30 መጋቢት ኣብ መንጎ ብናይ ቅድስቲ መንበር ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ዝተሰነዩ፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ሃገረ እስራኤል ልኡከ መንግስቲ ያሮን ሲድማንን ርክብ ምክያዱ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ እቲ ክሌኣዊ ርክብ ድሕሪ’ቲ ዕለት 29 መጋቢት ሰንበት በዓለ ሆሳእና ዘጋጠመ “ዘሕዝን ፍጻመ” ኮይኑ፡ እዚ ድማ ካርዲናል ፒየርባቲስታ ፒዛባላ ላቲናዊ ፓትሪያርክ ዘእየሩሳሌምን ናይ ቅድስቲ መንበር ዓቃቤ ቅድስቲ መሬት ኣባ ፍራንቸስኮ የልፖ ናብ ባዚሊካ ቅዱስ መቓብር ከኣይኣትዉ ብሓይሊ ጸጥታ እስራኤል ድሕሪ ምክልኻሎም፡ ቅድስቲ መንበር ምዛዕባ እዚ ዘሕዝን ፍጻሜ እዚ መብርሂ ንምሕታት ዘካየደቶ ርክብ ምዃኑ ብምምልካት፡ “ኣብቲ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ፡ ኣብ ቅድስቲ መንበር ልኡከ መንግስቲ እስራኤል ዝተሰመዖ ጣዕሳ ገሊጹ መብርሂ ከም ዝሃበን ብኻልእ መዳይ እውን ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ መቓብር ሰሙነ ሕማማትን በዓለ ፋሲካን ንምስታፍ ዝምልከት ኣብ መንጎ ላቲናዊ ፓትሪያርክ ዘእየሩሳሌል ካርዲናል ፒየርባቲስት ፒዛባላን ሰበ ስልጣን እቲ ከባብን ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣቃልቦ ዝገበረ ዘተ እውን ምክያዱ የረጋግጽ።

31 Mar 2026, 16:40