ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ ናይ ፈለምቲ ኽልተ ናይ ጕጅለታት መጽናዕቲ መዛዘሚ ጸብጻብ ኣውጺኡ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ጠቕላሊ ቤት ጽሕፈት ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት ዕለት 3 መጋቢት ደድሕሪ ቀዳማይ ኣኼባ መበል 16 ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት ብጳጳስ ፍራንቸስኮስ ዝቘሙ ጕጅለታት መጽናዕእ ኽልተ ናይ መወዳእታ ጸብጻባት መጽናዕቲ ኣውጺኡ።
እቲ እተሓትመ ጸብጻባት ናይ ጕጅለ መጽናዕቲ ቍጽሪ 3 'ተልእኾ ስብከተ ወንጌል ኣብ ዲጂታላዊ ሃዋህው' ከምኡውን ናይ ጕጅለ መጽናዕቲ ቁጽሪ 4 'ምምሕያሽ ክህነታዊ ሥነ መዕበያ ኣብ ሲኖዳዊ ተልእኾ መሰረት ዝገብረ (Ratio Fundamentalis Institutionis Sacerdotalis)' ጸብጻባት እዩ ዝንበረ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነዚ ናይ መወዳእታ ጸብጻባት እዚ ንምሕታም ፍቓዶም ሂቦም ይርከቡ፣ ፍረ ናይቲ ኣብ ሲኖዶስ ዝተገብረ ኣስተንትኖን ሜመያን ብግሉጽነትን ተሓታትነትን ንመላእ ህዝቢ ኣምላኽ ከካፍሉ መምርሒ ሂቦም። እቲ ናይ መወዳእታ ጸብጻባት ብቋንቋታት እንግሊዝን ጣልያንን ተሓቲሙ ነቲ በዅሪ ቛንቋን ናይ ስራሕ ጸብጻታቱን ኣሕቲሙ ይርከብ።
ብእተፈላለየ ቛንቋታት እተዳለወ ጽማቝ ሓሳባት ናይ ነፍሲ ወከፍ ጸብጻብ ንምርካብ ዝቐለለ እዩ። ናይ መወዳእታ ጸብጻቦም ምስ ኣቕረቡ፣ ጕጅለታት መጽናዕቲ ቁጽሪ 3ን ቁጽሪ 4ን ተልእኾኦም ዛዚሞም ኣለዉ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ከም እተን ጉጅለታት ከም ህላወአን ከም ዘብቅዓ ኢዩ ዝቑጸር።
ሓፈሻዊ ቤት ጽሕፈት ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት፣ ነቲ ናይ መወዳእታ ጸብጻባት በብቝሩብ ምውጻእ ድማ ክቕጽል ኢዩ፣ ዝቕጽል ሕትመት ድማ ኣብ ዕለት 10 መጋቢት 2026 ክካየድ ተመዲቡ ኣሎ።
ዋና ጸሓፊ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ማሪዮ ግሬች ከም ዝገለጽዎ፣ እዚ ጸብጻባት "ካብ ዋጋ ትሕዝቶኡ ሓሊፉ፣ ነቲ ምስ ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር እተገብረ ሓባራዊ ጕዕዞ እውን ምስክርነት ዝህብ እዩ።
ኣስዕብ ኣቢሎም እውን ብፁዕነቶም፣ "ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር፣ ኣብ ሓደ ሓባራዊ ውጥን ኪተሓባበሩ ኸለዉ፣ ንፈለማ እዋን ኣይኰነን፣ ኣብዚ ግን ካልእ ሓድሽ ነገር ስለዝለዎ ኮይኑ፣ ሓባራዊ ስምምዕን ኣስተንትኖን ሜመያን ሓቀኛ ልምምድ ዝሓትት ክንዲ ዝንበረ እዩ። ቤትጽሕፈታዊ ምትሕብባር ጥራይ ዘይኰነስ ሲኖዶሳዊነት ኣብ ግብሪ ዘውዕል መስርሕ እውን ኢዩ" ክብሉ መስከሩ።
ተልእኾ ስብከተ ወንጌል ኣብ ዲጂታላዊ ሃዋህው
ጸብጻብ ጕጅለታት መጽናዕቲ ቍጽሪ 3፣ ነቲ ኣብ መበል 16 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ እተላዕለ ቐንዲ ሕቶታት ዝምልስ ኮይኑ፣ እዚ ድማ ተልእኾ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ውሽጢ እቲ ብኤለክትሮኒካዊ ዓውዲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ባህሊ ብኸመይ ከም ኣብ ተፍባር ከም ዝውዕል ዘመልክት እዩ።
እዛ ጕጅለ ነቶም ካብ ብዙሓት ኣህጉራት ዝመጹ ኣገልገልቲ ሓዋርያዊ ጉስነታትን ክኢላታትን ሊቃውንቲ ቤተ-ክርስትያንን ዝሓቘፈ ኮይኑ፣ ኣብ ሰፊሕ ናይ ምኽሪ መስርሕ ተመርኲሱ፣ ተመክሮታት ናይ ንኣከባቢያዊ ብድሆታት ዝኸውን ተንተናታት ጭቡጥ ሓሳባት ዘቕርብ ኢዩ።
ቀንዲ ኣርእስትታት ዲጂታል ተልእኾ ወንጌል ኣብ ተራ መዋቕር ቤተ-ክርስትያንን ምትሕብባርን ኣድላዪ ምዃኑ፣ ኣብ ኢንተርነት ንማሕበረሰብ ኣብ ግምት ብምእታው ብዛዕባ ዞባዊ ስልጣን ዓሚቝ ትንተና ዝህብን፣ ከምኡውን ኣብ ዲጂታል ባህሊ ብሓዋርያዊ ጉስነት ዘገልግሉ ኣካላት ንምምስልጣን ዘጠቓልል ኢዩ ዝንበረ።
እቲ ጸብጻብ ኣብ ሰለስተ ደረጃታት፣ ብተኸታታሊ መስርሓት ዝቐረበ ሓሳባት ድማ ይዛዝም፣ ቅድስቲ መንበርን ኤጲስቆጶሳዉያን ጉባኤታትን ከምኡውን ሃገረ ስብከታትን ብምስታፍ፣ ብዛዕባ እቲ እተወስደ ሜላን እተማኸሩሉ ተቕዋማትን ድማ ዝገልጽ ሰፊሕ ክፋል እውን የጠቓልል።
ክህነታዊ ሥነ መዕበያ
ኣብ ክንዲ እቲ ኣብ መሰረታዊ ስርዓታቱ ብቑዕ ጌርካ ዝዚርአ ሰነድ ክህነታዊ ሥነ መዕበያ ዝኾነ ‘Ratio Fundamentalis Institutionis Sacerdotalis (2016)’ ምምሕያሽ ኣብ ክንዲ ዝቕጽል፣ ምስ ናይ መወዳእታ ሰነድ መበል 16 ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት ብምስምማዕ ኣብ ሲኖዳዊ ተልእኾ ዝፍጸም መምርሒ ዝሕብ ሰነድ ኬቕርብ መረጸ።
እዚ ሰነድ እዚ ኣብ ክልተ ክፋላት ዝቘመ እዩ። ኣብ መቕድም ናይ ቤተ-ክርስትያን-ጕስነታዊ መዋቕር የቕርብ፣ ኣብ ክህነታዊ ሥነ መዕበያ ድማ ተኸታታሊ ኣድላዪ ለውጥታት ይገልጽ፦ ዝምድናዊ፣ ተልእኾ ወንጌላዊ፣ ናብ ኅብረትን፣ ናብ ኣገልግሎትን ናብ ሲኖዳዊ ጕዕዞምን ዘመልክት ኣገባባት ድማ የቕርብ። ከም ማእከል ናይዚ ሰነድ እዚ ድማ ሓደ ቐንዲ ኣስተንትኖ የቕርብ፦ መንነት ሓደ ካህን "ኣብን ካብን" ህዝቢ ኣምላኽ ደኣ እምበር፣ ካብኡ ብምርሓቕ ኣይኰነን ዝፍጠር ክብል ድማ የመልክት።
እቲ ኣብ ካልኣይ ክፋል ናይዚ ሰነድ ዘሎ መምርሒታት እውን፣ ነዚ ለውጥታት እዚ ናብ ጭቡጥ መስርሓት ይትርጕም።
ገለ ኻብቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሓሳባት ከአ፣ ኣብ መንጎ ሥነ መለኮታዊ ቤት ትምህርትን ማሕበረሰብ ሃገረ ስብከታትን ወይ ካልእ ናይ ቤተ-ክርስትያን ክፍልታትን ተለዋዋጢ መንበሪ ምቕራብ የጠቓልል። ካብ መሰናደዊ ወይ መቀራረቢ ዝኾነ መድረኽ ናይ ትምህርቲ ሥነ መለኮት ጀሚሩ፣ ምስ ምእመናንን እሙናትንን፣ ሰብ ውፉይ ሕይወትትን፣ ቅብኣተ ክህነት ዘለዎም ኣገልገልትን ዝግበር ናይ ሥነ መዕበያ ተመክሮታትን እዋናትን የካፍል፣ ብቝዓትን ሰብ ዓቕምን ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ እውን ኣብ ኵሉ ደረጃታት ክህነታዊ ሥነ መዕበያ እንተላይ ኣብ ውሽጢ ጕጅለታት ሥነ መዕበያ ሓባራዊ ሓላፍነት ከም ዝህልወን ብምግባር፣ ከምኡውን ናይ ሓባር ሓላፍነትን ናይ ሓባራዊ ሜመያን ክእለት ጥርናፈን ዘጠቃልል ክኸውን ከም ዘለዎ የመልክት።
እዚ ጉጅለ እዚ፣ ነቲ ዝቐረበ መምርሒታት ክህነታዊ ሥነ መዕበያ ንምዝርጋሕን ኣብ ግብሪ ንምውዓልን ዘኽእል መገዲ እውን ሓሳባት ኣቕሪቡ ይከብ።
ባህርይን ሕትመትን ናይ መወዳእታ ጸብጻባት
ኣብ ርእሲ እቲ ናይ መወዳእታ ጸብጻብ ጕጅለ መጽናዕቲ ቁጽሪ 3፣ ቤት ጽሕፈት ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት መበቈልን ተልእኾን ጕጅለታት መጽናዕቲ፣ ባህርይ እቲ ዘቕረብዎ ጸብጻባትን ትጽቢት ዝግበረሉ ትግባሬታትን ምልክታትን ዝገልጽ መዘኻኸሪ ኣሕቲሙ ይርከብ።
ኣብቲ መዘኻኸሪ ተገሊጹ ከም ዘሎ፣ እቲ ናይ መወዳእታ ጸብጻባት፣ ፍረ ናይ እተወደበ መስርሕ ምዃኑ የጕልሕ፦ እተፈላለየ ክእለትን ሞያዊ ትንታኔታትን ምስማዕ፣ ናይ ብዙሓት ኣበርክቶታት ብምምርማርን፣ ኣካዳምያዊ መጽናዕትታት ብምክያድን፣ ምስ እተፈላለዩ ኣካላት ቤተ-ክርስትያን ዝግበር ምይይጥ፣ ካብ ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት ክሳዕ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበባትን፣ ልዕሊ ዅሉ ድማ ብኣስተንትኖን ጸሎትን እተሰናደወ ምዃኑ ይገልጽ።
ከም ናይ ዕማም ሰነዳት እውን ተቐባልነት ክረክብ ኣለዎ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 እውን እዚ ናይ መወዳእታ ጸብጻባት በብቝሩብ ናብ ሓፈሻዊ ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ ብግልጽነት ኪቐርብ መምርሒ ሂቦም ይርከቡ።
እቲ ዝወጸ ትሕዝቶ ናብ ጭቡጥ መምርሒታትን ውሳነታትን መስርሓትን ምእንቲ ኺትርጐም፣ ቅዱስ ኣቦና ነቶም ዝምልከቶም ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበርን ቤትጽሕፈት ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳትን፣ ኣብዚ ናይ መወዳእታ ጸብጻባት ተመርኲሶም ብዛዕባ እቲ እተገብረ ምርጫታትን ብዛዕባ ተቐባልነት ዘይረኸበ ባእታታትን ጸብጻብ ኪህቡ ሓቲቶም ኣልዉ።
እዚ ሓባራዊ ጻዕርታት እዚ ምስቲ ኣብ ተልእኾ ወንጌላውነት ዘሎ ኣረኣእያ ቤተ-ክርስትያን ዘመልክት፣ ናይ ሲኖዶዊ ቀላሲ ሓይሊን ሱር ዝሰደደ ምዃኑን እውን ኣረጋጊጾም።
እቲ በዚ ኸምዚ ኣገባብ ዝሰናዶ ተግባራዊ መምርሒታት፣ ናብ ቅዱስ ኣቦ ክቐርብ ኢዩ፣ ቅዱስነቶም ድማ ክግምግምዎን ከጽድቕዎን ዝከኣል ኢዩ።
እቲ ናይ መወዳእታ ጸብጻብ ናብ ሓፈሻዊ ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ ጳጳሳት ድሕሪ ምቕራቦም፣ እቶም ነዚ ጸብጻባት ዘሰናደዉ ጕጅለታት መጽናዕቲ ነቲ እተዋህበሎም ሓላፍነት ይዛዝሙ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ከም እተን ጉጅለታት ከም እተበተና ይቝጸር።