ድለ

2026.03.06 ቀዳማይ ስብከት ዓቢይ ጾም፦ ሰላም ካብቲ ንእሽቶ ምዃን ትብዓት እዩ ዝመጽእ 2026.03.06 ቀዳማይ ስብከት ዓቢይ ጾም፦ ሰላም ካብቲ ንእሽቶ ምዃን ትብዓት እዩ ዝመጽእ  (@Vatican Media)

ቀዳማይ ስብከት ዓቢይ ጾም፦ ሰላም ካብቲ ንእሽቶ ምዃን ትብዓት እዩ ዝመጽእ

ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ኣባ ሮበርቶ ፓዞሊኒ ዕለተ 6 መጋቢት ብምኽንያት ዓቢይ ጾም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓርቢ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14ን ናይ ኵርያ ሮማና ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣሳቲፉ ዝካየድ መደብ ኣስተንትኖ ከም ዝመርሑን ኣባ ፓዞሊን ዘቅረብዎ ቀዳማይ ኣስተንትኖ ትሕትና ኣካል ናይቲ ቀጻሊ ምልዋጥና ዘለዎ ኣገዳስነት የጒልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ናይ ለምዘበን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓርቢ ዝቐርብ ክሳብ ዕለት 27 መጋቢት ዝቕጽል ኣስተንትኖ ዓይቢይ ጾም “ዝኾነ ብክርስቶስ እንተሎ ሓድሽ ፍጥረት እዩ (2ቆሮ 5፡17) ናብ ወንጌል ምልዋጥ ብመሰረት ቅዱስ ፍራንቸስኮ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝምራሕ ከም ዝኾነን፡ ናይቲ ቀዳማይ ኣስተንትኖ ኣርእስቲ"ምልዋጥ፡ ንጐይታ ኢየሱስ ኣብ መንገዲ ትሕትና ምስዓብ" ዝብል ኮይኑ፡ ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ኣባ ፓዞሊኒ "ኣብቲ ብቓንዛን ዓመጽን ዝልለይ ዘሎ መዓልታት፡ ብዛዕባ ትሑትነት ምዝራብ ረቂቕ ዳርጋ መንፈሳዊ ምሾት እዩ ዚመስል፡ ከም ሓቂ ግን ምስ መጻኢ ዓለም እተተሓሓዘ ግብራዊ ሓላፍነት ኢዩ" እንክብሉ ኣብሪሆም፡ ሰላም ካብ ፖለቲካዊ ውዕላት ወይ ካብ ስነ ሜላዊ ርክባት ወይ ወተሃደራዊ ስነ ሜላታት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብቶም ንኣሽቱ ንምዃን ትብዓት ዝረኸቡ ሰብኡትን ኣንስትን እውን ከም ዝውለድ ገሊጾም፡ እዚ ኩነታት ዘየፍቅድ ኣብ ዝመስለሉ እዋን ከኣ ሰባት ንድሕሪት ተመሊሶም ኵሉ ዓይነት ዓመጻ ኣይፋል ምስ ዝብሉ ነቲ ናይ ሕነ ምፍዳይን ዓብላልነትን ፈተና ምስ ዝነጽጉ ዘተ ኪመርጹ እንከለዉ እዩ ዜጋጥም” ይብሉ።

ምንቃሕ ምስሊ ኣምላኽ

"ምልዋጥን ትሕትናን ኣድካምን መዓልታዊ ዕዮን" ምዃኑ ኣባ ፓዞሊኒ ኣዘኻኺሮም፡ እዚ ድማ ንዅሎም እቶም ንገዛእ ርእሶም ከም ውሉድ ኣምላኽ ኣፍልጦ ዝህቡን "እዚ ናይ ልቢ ምልዋጥ" ሓላፍነቶም ምዃኑ ዝፈልጡን ዘገድሶም ኢዩ። ቅዱስ ፍራንቸስኮ "ብሓዊ ወንጌል እተሳገረ ኣብ ነፍሲ ወከፍና ነቲ ብመንፈስ ሓድሽ ህይወት ዘሎና ባህጊ እንደገና ከለዓዕሎ ይኽእል" እንክብሉ ገሊጾም፡ "ምልዋጥ" ግን ብልክዕ እንታይ ማለት እዩ? እዚ ሕቶ እዚ ከነቕርቦ ይግብኣና፡ ከመይሲ "እቲ መበገሲ ነጥቢ ጌጋ እንተድኣ ኮይኑ ኣብ ተነቃፊ መሰረት ክንሃንጾ ኢና። ወንጌላዊ ምልዋጥ ብቐዳምነት ሰብ ኣብ ምሉእ ሓርነት ኪሳተፍ እተጸውዓሉ ተበግሶ ኣምላኽ እዩ። እዚ ኣብቲ ኣባና ዝሰረጸ ምስሊ ኣምላኽ ክትንስእ ዝጽበየሉ ኣዝዩ ውሳጥዊ ቦታ" እዩ ዚፍጸም።

ንጸጋ ዝወሃብ ምላሽ

ቅዱስ ፍራንቸስኮ ኣብ መንገዲ ምልዋጥ ምስ ኣተወ "ብዛዕባ ንስሓ ምግባር" ይዛረብ። ንሱ “ናይ ምልዋጥ ተሃዋስነት” ይጠቅስ፣ ንኻልኦት ብምሕረትን ብብርሃን ወንጌልን ዝረኣየሉ መንገዲ፣ "ምሕረት ናይቲ ብብዙሕ ነገራት ዝተመልአ ግን ከኣ ገና ካብቲ ኣገዳሲ ዋጋኡ ባዶ ዝኾነ ሕይወት" ምእላይ እዩ።

ንስሓ ምግባር፡ ነቲ ኣምላኽ ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘቐመጦ ዘርኢ ብተኣማንነት እናመገብካ፡ ነቲ "ሓድሽ ጣዕሚ ነገራት" ንምክልኻል ዝግበር ቃልሲ ምጅማር እዩ። ምልዋጥ ድሕሪ ሕጂ ንህይወት ብናይ ገዛእ ርእስኻ ሓይሊ ከተቕንዕ ዝግበር ፈተነ ዘይኮነስ፡ ንመዐቀኒታት ናይቲ እንርድኣሉን እንፈርደሉን እንምነየሉን ኣገባብ ዳግማይ ዝገልጽ ጸጋ ምላሽ እዩ።

ሓጢኣት ምልላይ

ምልዋጥ ምስቲ “ሓጢኣት ኣብ ውሽጥና ዝቐረጾ ዕምቆት ናይቲ ደልሃመት" ዝተኣሳሰር እዩ። ሓጢኣት ግን ሎሚ ዝጠፍአን ብዙሕ ኣቃልቦ ዘይወሃቦ ቃል ዝኾነ እዩ ዝመስል። "ኣብ ሓባራዊ ንቕሓት - ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ኣብ ህይወት ቤተ ክርስቲያን ከይተረፈ - ኩሉ ነገር ከም ተነቃፊ፡ ቁስሊ፡ ድሩትነት፡ ተገይሩ ይግለጽ። ሓጢኣት ገና ክጥቀስ እንከሎ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ንእሽቶ ጌጋ ወይ ድኻም ብምዋርድ እዩ ዝግለጽ።" "ነፍሲ ወከፍ ሓጢኣት ምልክት ጥራይ እንተኾይኑ፡ ኣገዳሲ ዝኾነ "ዕብየት ናጽነት ደቂ ሰባትን ሓላፍነቱን" ናይ ምስኣን ሓደጋ የሀልው።”

ድሕሪ ደጊም ናይ ሓቀይና ክፍኣት ተኽእሎ እንተዘይሃልዩ፡ ኣብ ሓቀይና ሰናይ ተኽእሎ ክንኣምን ኣይንኽእልን ኢና። ሓጢኣት እንተ ጠፊኡ ቅድስና እውን ረቂቕን ክርድኦ ዘይክእልን ዕጫ ይኸውን።

ሰብ ኣብ ሓጢኣት "ሓርነቱ ጋህዲ ምዃኑን ብእኡ ገይሩ ንገዛእ ርእሱን ንኻልኦትን ንዓለም ኪሃንጽ ወይ ከጥፍኣ ኸም ዚኽእልን" ኣፍልጦ ይህብ። ስለዚ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ንምምላስ "ዓሚቝ ምሕዋይ" የድሊ፣ እዚ ኸኣ ብፍቕርን ናጽነትን ንምንባር ብተደጋጋሚ ምምራጽ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን "መኻን" ዘይኰነስ "ትርጕምን ዋጋን ናብራኦም ድሮ ዝረኣዩ ሰባት" ዚብል መግለጺ ዝዀነ ጸገማት ምጽማም የድሊ።

ናብ ትሕትና ምምላስ

ቅዱስ ፍራንቸስኮ ከም ቅዱስ ድኻ እዩ ዝረአ። ግን ካብ ገዛእ ርእሱ ካብ ትሕትና ክፈልይ ኣይከኣልን እዩ። ክልቲኦም  ማለት ድኽነትን ትሕትናን ካብ ምስጢር ስጋዌ እዮም ዝምንጨው፡ ሰብ ንኽመስሎ ክነብሮ ዝዕደሞ ባህርያት ንባዕሎም ናይ ኣምላኽ እያቶም።

"ትሕትና ነፍሲ ወከፍ ዝተጠመቐ ሰብ ነቲ ብክርስቶስ ዘሎ ጸጋ ህይወት ምሉእ ብምሉእ ክሕቆፍ እንተደልዩ ክኽተሎ ዝተጸውዐ መንገዲ እዩ። ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ዘለና ዝቕቡብ ምስሊ" ንምንካይን ናብ ሓቂ ንምምላስን "ኣብ ዓለምን ዝምድናታትን እንነብረሉ መንገዲ እዩ። ቅድሚ ሰቒለ ህልናዊ ተግባር ህያብ መንፈስ ቅዱስ እዩ።”

ይኹን እምበር ትሕትና ንሰብ ኣየድክዮን እዩ። የግዳስ፡ ናብ ገዛእ ርእሱ እዩ ዚመልሶ። ኣየጉድሎን፣ እንታይ ደኣ ናብቲ ሓቀይና ዕብየቱ ይመልሶ። በዚ ምኽንያት እዚ ትሕትና ምስ ምልዋጥ ኣዝዩ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ነረጋግጽ። መበቆላዊ ሓጢኣት ልክዕ ካብ ምንጻግ ትሕትና እዩ ዝብገስ። ሓጢኣት ንነብስና ከም ደቂ ሰባት ውሱናትን ኣብ ኣምላኽ ጽግዕተይናታትን ምዃና ክንቅበላ ካብ ዘይምድላይ ዝበቁል እዩ። ስለዚ ምልዋጥ እምበኣር፡ ናብ ትሕትና ምምላስ እውን ምዃኑ ክርዳድኦ ይግባእ።

ገጽ ናይቲ ሓድሽ ሰብ

ዕብየት ሰብ፡ ካብ ትሑትነት ከም ዝመጽእ ኣባ ፓዚሊን ኣብሪሆም። ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ - ነቲ ዝነኣሰ ብምሕቋፍ - ትሑትነት ብጐይታ ዝተመርጸ "እቲ ፍሉይ ዕድል ዘለዎ ቦታ" ምዃኑ ተረድአ። "እቲ ኣብ ወንጌል እተገልጸ 'ሓይሊ' ውሉድ ኣምላኽ ናይ ምዃን ኣብኡ ይግለጽ። ንኣቦኡ ዝኾነ ነገራት ክሓትት ናይ ዘይሓፍር - ዘይፈርሕ ቆልዓ "ፍሉይ ሓይሊ ያጋጥም፡ ኣብ ካልኦት ሰናይነት ናይ ምልዕዓል ክእለት። "እቶም ንኣሽቱ ምስቲ ተነቃፍነቶም ምሕረት የበራብሩ። እዚ ምናልባት ኣብ ዓለም እቲ ዝኸበረ ጸዓት ክኸውን ይኽእል'ዩ።” ነቲ ካልእ ንምእንጋድ ዝጥለብ ሱር በተኻዊ ክፉትነት እዩ፤ "ንእሽቶ ምዃን ክርስትያን ናይ ምዃን ኣገዳሲ ሸነኽ እዩ። ትሕትና - ትሑትነት ኣምላኽ ስለ ዘለለናዮን ብእኡ ተቐባልነት ከም ዝረኸብናን ከም እንፍቶን ስለ ዝተሰምዓና፡ ንእሽቶ ክንከውን - ብዘይ ወዓል ሕደር - ክንመርጽ እንኮሎና፡ ሽዑ እዚ ምርጫ እዚ ሓደ ዓይነት ምንቁልቋል ወይ ምኽሓድ ኣይኽኸውንን እዩ። እንታይ ደኣ እቲ ምስጢረ ጥምቀት ዘምለሰልና ገጽ ናይቲ ሓድሽ ሰብ እዩ።

ቀጻሊ ምልዋጥ

እቲ ናይ መወዳእታ ስጕምቲ ድማ ምልዋጥ ፈጺሙ ኸም ዘይውዳእ ኣፍልጦ ምሃብ እዩ። ሓጥኣን ምዃንና ተኣሚንና ወትሩ ብመንፈስ ቅዱስ ክንቀድስ ምልማን ማለት እዩ። "ምልዋጥ ኪበሃል እንከሎ ድኽነትና ንጸጋ ኣምላኽ ዚኸፍተሉ ምንቅስቓስ ልቢ ብቐጻሊ ኸም ብሓድሽ ምጅማር ማለት እዩ" ዋላ እውን "ብናጻን ጭቡጥን ኣገልግሎት" ዝቕርበልና ቐጻሊ ውሽጣዊ ዕዮ እናሳለጥና ንገዛእ ርእስና ዘሎና ኣረኣእያ ንምንካይ ሰጋእ መጋእ ኣብ ዘይንብለሉ እዋን እውን ከይተረፈ። ቅዱስ ጳውሎስ ድኹምነት ቅርጺ ህይወቱ ብክርስቶስ ማለት "ቅርጺ ናይ ጥምቀት ህይወት" ምዃኑ ስለ ዝተረደኦ ክስገር ዘለዎ ደረጃ ከም ዘይኮነ የስትውዕል፡ ይኹን እምበር መብዛሕትኡ ግዜ ወንጌላውነት ንኡስ ምዃን ኵሉ ነገር ጽቡቕ ምስ ዝኸውን ጥራይ እዩ ኢልና ኢና እንሓስብ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ብኣንጻሩ እዩ። ልክዕ ኣብ ግርጭታትን ጸገማትን እዩ እዚ ንኡስነት እዚ ዝያዳ ኣድላዪ ዝኸውን። ባህረታዊ ድሌትና ንነብስና ክንከላኸል ወይ ንነብስና ምስግዳድ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብኡ ኢና ብሓቂ ወንጌላዊ መስቀል ተማሂርና እንተኾይንና ንርኢ። ብርሃን ኩሉ ንጹር ምስ ዝኸውን ዘይኮነስ ጸልማት ምስ ነገሰ እዩ ብሓቂ ሓይሉ ዘርኢ ምስ በሉ - ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዘቕረቦ ጸሎት ጠቒሶም፡ "ኣሰር እቲ ፍቑር ወድኻ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንስዓብ" እንክብሉ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ ይዛዝሙ።

07 Mar 2026, 16:44