ናይ ሊባኖስ ኑንሲዮ ንደቡባዊ ዓድታት ሓገዝ ይዕድል፣ ደገፍ ክግበረሉ ጻውዒት የቕርብ ናይ ሊባኖስ ኑንሲዮ ንደቡባዊ ዓድታት ሓገዝ ይዕድል፣ ደገፍ ክግበረሉ ጻውዒት የቕርብ 

ናይ ሊባኖስ ኑንሲዮ ንደቡባዊ ዓድታት ሓገዝ ይዕድል፣ ደገፍ ክግበረሉ ጻውዒት የቕርብ

ካብ 2022 ኣትሒዞም ኣብ ሊባኖስ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ፓውሎ ቦርጃ ካብ ማሕበር ግብረ ሰናይ ንማሕበረሰብ ክርስቲያን ማእከላይ ምብራቕ ዘተኣኾ 15 ቶን ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ደቡባዊ ኣቝሻት ሊባኖስ ኣብጺሖም ህጹጽ ደገፍ ከም ዘድሊ ኣጒልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ በይሩን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ፓውሎ ቦርጃ ዕለት 13 መጋቢት ኣጋ ምሸት ብስልኪ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ከም ብሓድሽ ድምጺ ሚሳይል ይስማዕ ምህላዉ ሓቢሮም፡ ህልው ኩነታት ዝፈጥረሎም ጓሂ ከቢድ ምዃኑ ብምምልካት፡ ኣብ ቅላያ ንዝተጎድሁ ምእመናን እናሓገዙ እንከለዉ ዝተቐትሉ ማሮናዊ ካህን ኣባ ፒየር ኤል-ራሂ ስነ ስረዓት ቀብሪ ድሕሪ ምስታፎም ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጸዓነት ናይ ጽዕነት መኪና ሒዞም ናብ ሓያሎ ደቡባዊ ዓድታት ከም ዝኸዱን ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዘብጽሑን ምስ ዜና ቫቲካን ብስልኪ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይሕብሩ።

ኣብቲ ህልው ኩነታት ተረኺብና ሓገዝ ምቕራብ

ነቲ ሓገዝ ኣብ ሽዱሽተ ኣቝሻት ኣብጺሖም ምስ እተፈላለዩ ማሕበረሰባት እቲ ዞባ፡ ምስ ማሮናውያን ኦርቶዶክሳውያን፣ ግሪኻዊ - መልካይት፣ ላቲን ስርዓት ምስ ዝኽተሉ ክርስትያንን ምስ ማሕበረሰብ ድሩዝን ሱኒን ከም እተራኸቡን ሓቢሮም ነቲ ተመክሮ "ዘደንቕ ሕውነታዊ ህሞት" እንክብሉ ይገልጽዎ።

ኣብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እምነት

ሊቀ ጳጳሳት ቦርጃ ኣብ ቅድስቲ መንበርን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ዘሎ ጽኑዕ ናይቲ ከባቢ እምነት ኣስተብሂሎም፡ "ኵላትና ደገፍን ልዕሊ ኩሉ ድማ ካብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝረኸብናዮ ቅርበትን ጸሎትን የድልናይ ነይሩ። ኣብ ቅድስቲ መንበርን ብፍላይ ድማ ነቲ ኣብዚ ኣብ ቤሩት ዝረኣይዎን ብኡንብኡ ፍሉይ ምትእስሳር ዝተሰምዖምን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ይኣምኑ" እንክብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2025 ዓ.ም. ኣብ ደማስቆ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ይዝክሩ።

ጽርግያታት ብቦምባታት ብምድብዳብን ዓድታት ተዓጽየን ክተርፋ ገይሩ ኣሎ

ብጹዕነቶም ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት እቲ ዝተጎድአ መሰረተ ልምዓት ዘስዕበሎም ስክፍታ ገሊጾም፡ ነተን ቍሸታትን ዓድታትን ዘራኽብ ገለ ጽርግያታት ብቦምባታት ተደብዱቡ እዩ፡ ቝሸት ቅላያ ኮነ ካልኦት ኣብ ቀረባ ዝርከባ ዓድታት ብዘይ መራኸቢ ተዓጽየን ኣለዋ፡ ዋላ'ውን ናብ ደቡብ ዝወስድ መራኸቢ መስመራት ክቖርጽ ይጅምር ኣሎ . . . እቲ ኲናት ኣብ ቀረባ እዋን ክውዳእን ሰላም ክምለስን ተስፋ ንገብር" ይብሉ።

ፍርሕን ተስፋን

መጥቃዕቲ ሂዝቦላህን እስራኤል እተካይዶ ዘላ መጥቓዕቲ ብኸመይ ጃምላዊ ምዝንባል የስፍሕ ምህላዉ ኣስተብሂሎም፡ "ሂዝቦላህ ናብ እስራኤል ገጹ ሚሳይላትን ሮኬታትን ይትኩስ፣ ሓደ ሓደ ግዜ እውን ብተደጋጋሚ ዝፍጸም ምዃኑ ሓቢሮም፡ እስራኤል ኣብ ዳህየህ እናመረጸት ቦምባታት ትድርቢ፡ ንመካይን፣ መንበሪ ገዛን ክፍልታት መዕረፊ ኣጋይሽ ብፍሉይ ዒላማ ብምግባር ተጥቅዕን ኩሎም ከባቢታት ሺዓ ኣብ ቤሩት ብሰንኪ እቲ ጃምላዊ ምምዝባል ዳርጋ ጥርሑ ተሪፉ ክበሃል ይከኣል - ቢሎም - ኣስታት 800 ሽሕ ሰባት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሚኒስትሪ ማሕበራዊ ጉዳያት ንሰብኣዊ ሓገዝ ከም እተመዝገቡን ኣስታት 120 ሽሕ ድማ ኣብ ከባብያዊ ማእከላት ሓገዝ ይግበረሎም ከም ዘሎ ሓቢሮም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝሙ።

16 Mar 2026, 16:15