ቅድስቲ መንበር፦ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኣመሪካ ማእከል ናይ ዲጂታላዊ ለውጢ ክዀና ኣለወን
ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዝርከብ ውድብ መንግስታት ኣመሪካ፡ ቅድስቲ መንበር ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ኣጕሊሑ ኣብ መላእ ኣመሪካ ንሓባራዊ ረብሓ ዘገልግል ስነ-ምግባራውን ሓቚፍን ዲጂታላዊ ምዕባለ ክህሉ ጻውዒት ኣቕሪባ።
ቅድስቲ መንበር ኣብቲ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ ንምዝካር ኣብ እተገብረ ፍሉይ ኣኼባ ቀዋሚ ቤት ምኽሪ ውድብ መንግስታት ኣመሪካ (OAS) ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ብዛዕባ እቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዲጂታላዊ መጻኢ ናይቲ ዞባ ኣብ ምምሕያሽ ዘለወን ኣገዳሲ ግደ ብምስትንታን፡ ተክኖሎጅያዊ ምዕባለ ኣብ ሰብኣዊ ክብሪ ዘተኰረ ክኸውን ከም ዘለዎ ኣትሪራ ኣተሓሳሲባ።
ቀዋሚ ተዓዛቢ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ኣባ ሁዋን ኣንቶንዮ ክሩዝ ሴራኖ ንቅድስቲ መንበር ወኪሎም፡ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ነቲ "ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዲጂታላዊ ለውጢ ኣመሪካ" ዘርእስቱ ኣኼባ ቅድስቲ መንበር ከም እትቅበሎ ገሊጾም።
"ልኡኻት ቅድስቲ መንበር ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ ንምዝካር ነዚ ፍሉይ ኣኼባ ንክካየድ ሓንጐፋይ ኢሎም ከም ዝቕበልዎ" ብምሕባር ድማ፡ መሰረታዊ ተክኖሎጅያዊ ለውጢ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን ብዛዕባ ኣበርክቶ ደቂ ኣንስትዮ ምዝታይ ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሖም።
ኣባ ክሩዝ ሴራኖ ነቲ ኵለን ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዘለዎም መሰረታዊ ክብሪ ማዕረ ምኻኑ ብምግላጽ፣ "ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮን፡ ኣብ ሕንጸት ሕብረተሰብ ዘለወን ኣገዳሲ ግደን ህያብ ኣምላኽ ምዃኑ" ኣስሚሮምሉ።
ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ንብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ዘጋጥመን ዘሎ ፍሉይ ተኣፋፍነት፡ ኣቓልቦ ዝሰሓበ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ቃላት እውን ኣዘኻኺሮም።
እዚ ከኣ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ብተነጽሎን፡ ግፍዕን፡ ዓመጽን ዚሳቐያ ደቂ ኣንስትዮ ብዕጽፊ ድኻታት እየን፣ ምኽንያቱ መብዛሕትኡ ግዜ መሰላተን ንምክልኻል ውሑድ ዕድላት ኢዩ ዘለወን" ንዝበልዎ ኢዩ።
ቅድስቲ መንበር፡ እዚ ክውንነት እዚ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ብቕልጡፍ እናማዕበለ ዚኸይድ ዘሎ ሓዲሽ ተክኖሎጅያዊ ስርዓት ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ገሊጻ። እቲ ዝተዋህበ መግለጺ ከም ዝሕብሮ፡ ምምጻእ ሰብ-ሰርሖ ኣስተውዕሎ ንሕብረተሰብ ብሓፈሻ ሓድሽ መድረኽ እዩ ዜመልክት።
በዚ ምኽንያት እዚ ኣባ ክሩዝ ሴራኖ ዲጂታላዊ ለውጢ፡ ሓላፍነት ብዘለዎ መምርሒን፣ ብኣህጉራዊ ምትሕብባርን፡ ድሕንነትን ስነ-ምግባራዊ ኣጠቓቕማ ሓደስቲ ተክኖሎጂታት ቀዳምነት ብዝህብ ትምህርቲ ክምራሕ ከም ዘለዎ ኣመልክቶም።