ቅድስቲ መንበር፡ ደቂ ኣንስትዮ ፍትሒ ንኸይረኽባ ዝኽልክሉ መሰናኽላት ምፍራስ ከም ዘድሊ ተተሓሳስብ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከባ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ተበጻሕነት ፍትሒ ምርግጋጽ ማለት ከም ድኽነትን ኣድልዎን ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ጉዳያት ምፍታሕ ማለት ምዃኑ ቀዋሚ ተዓዛቢ ተልእኾ ቅድስቲ መንበር ኣብ ሕቡራት ሃገራት መበል 70 ዓመት ቅዋመ ኩነታት ደቂ ኣንስትዮ ዝከታተል ሽማግለ ምኽንያት ካብ ዕለት 9 – 19 መጋቢት ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ዘሎ ዓውደ ርክብ ኣብ ዘቕረብዎ መግለጺ ብኣጽንዖት ኣተሓሳሲቦም፡
"ንደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ተበጻሕነት ፍትሒ ምርግጋጽ ካብ ወግዓዊ ሕጋዊ ሓለዋታት ንላዕሊ ዝጠልብ እዩ" እንክብሉ ኣስሚሮም፡ እዚ እውን “ኣብ ሓደጋ ዘእቱ፣ ፍትሒ ንኸይረኽባ ዝዓግተን ኣብ መወዳእታ ድማ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ሰብኣዊ ክብረን ዘዳኽሙን ሱር ጠንቅታት ምፍታሕ እውን ዘጠቓልል እዩ . . . ፍትሓዊ ሕብረተሰብ ንምዕዋት ተበጻሕነት ፍትሒ ምርግጋጽ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ” ከምኡ እውን “ምጥፋእ ድኽነት፣ ምቅላስ ኣድልዎን ዓመጽን፣ ምድልዳል ትካላትን ትምህርትን ዘጠቓልል ኩለንተናዊ ኣገባብ” ዝጠልብ እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ዓመጽን ኣድልዎን ምምካት
ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሊቀ ጳጳሳት ጋብርኤለ ካቻ፡ “ንደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ዘጋጥመን ከም ዓመጽን ኣድልዎን ዝኣመሰሉ መሰናኽላት” ኣፍልጦ ምሃብን ምፍራስን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሮም፡ ግህሰት ንምክልኻልን ንምፍታሕን “ውጽኢታዊ ስርዓታት ተሓታትነትን ናይ ሓላፍነት ባህልን” ክህሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ "ነዞም ጉዳያት ዘይምፍታሕ፡ ንደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን እውን ንዳግማይ ሓደጋ ግዳይነትን ምዝመዛን የቃልዐን" እንክብሉ ኣመልኪቶም፡ ብፍላይ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ዝበዝሓ ግዳያት ከም ዝኾናን መብዛሕትኡ ግዜ ንዝሙት ወይ ድማ ንግዱድ መርዓን፡ መተካእታ ጽንሲ ወይ ንዝተፈላለየ ዓይነት ገበናት ከም ዝቃልዐ ብኣንዖት ኣዘካኺሮም፡ መሰል ናይተን ብገበን ዝተኸሰሳ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ምኽባር መሰል፡ ምርግጋጽ “ውሕስነት ፍትሓዊ ፍርዲ፡ እኹል ሕጋዊ ውክልና፡ ውሑስ፡ ጽሬት ዘለዎ፡ ፍሉይ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ቤት ማሕቡስ፡ ከምኡ’ውን ንኣዴታትን ነፍሰጾራትን እኹል ክንክን ምሃብ ኣገዳሲ ምዃኑ የመላኽቱ።
ድኽነት ምፍታሕ
ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣስዒቦም ድኽነት ንደቂ ኣንስትዮ ፍትሒ ንኸይረኽባ ዝጸሉ ካልእ ዕንቅፋት ምዃኑ ኣጽኒዖም ድኻታት ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን መብዛሕትኡ ግዜ ሕጋዊ ውክልና ንምርግጋጽ ጸጋታት ከም ዝጎድለን፡ ጽፉፍ ትምህርቲ ዘይረኸባ ወይ ንመሰላተን ኣብ ስርዓተ ፍትሒ ብኸመይ ከም ዝጓዓዛን ዘይፈልጣ ከም ዝኾናን፡ ኣብ ገጠራት ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ብሰንኪ ሕጽረት ዘተኣማምን መጓዓዝያ ወይ መራኸቢ መርበባት ኣብ ድኽነት ከም ዝርከባ ብምምልካት፡ ከምኡ’ውን “ማዕረ ተበጻሕነት ፍትሒ እውን ኣዋልድ ከም ኣወዳት ተመሳሳሊ ጸጋታትን ዕድላትን ክረኽባ፡ ስድራ ቤት ንኹሉ ጥዑይን ሰላማውን ሃዋህው ክኸውን ይጠልብ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።