ድለ

ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ጽንሲ መተካእታ: ኩሉ ግዜ ንደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ምክልኻል ተተሓሳስብ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ጽንሲ መተካእታ: ኩሉ ግዜ ንደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ምክልኻል ተተሓሳስብ  (ANSA)

ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ጽንሲ መተካእታ: ኩሉ ግዜ ንደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ምክልኻል ተተሓሳስብ

ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር "እደ ጥበብን ኣብ ልምድን ኣብ ሕግን ስነ - ምግባርን ዚጋጮ ዓውዲ" እንክብሉ ነቲ ኣብ ምትካእ ኣደነት ዝፍጸም ምዝመዛ ዜስዕቦ ሓደጋታት የጕልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ውድቡ ሕቡራት ሃገራት ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳት ጋብሪኤለ ካቻ ምስ መተካእታ ውላድ ዝተኣሳሰር ዓመጽን ምዝመዛን ምቅላስን ምሕያል ሓለዋ ክብሪ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ኣገዳስነቱ ኣብቲ ብምኽንያት መበል 70 ዓመት ቅዋመ ብዛዕባ ኩነታት ደቂ ኣንስትዮ ዝከታተል ሽማግለ፥ “ምሕላው ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን፡ ምምካት ዓመጽን ምዝመዛን ኣብ መተካእታ ጥንሲ” ንዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝተወፈየ ዓውደ ጉባኤ ጎኒ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ የጒልሑ።

ኣብ ሽማግለ ኩነታት ደቂ ኣንስትዮ ዝተኻየደ ክትዕ

ሊቀ ጳጳት ጋብሪኤለ ካቻ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ንመሻርኽቲ ናይቲ ተበግሶ - መንግስቲ ኢጣልያ፡ ቱርኪየን ፓራጓይን - ዘለዎም ሞሳ ገሊጾም፡ ብዙሓት መተካእታ ውላድ ከም “ንወለዲ ክኾኑ ዝደልዩ ርህሩህ ፍታሕ” ጌሮም ከም ዝሓስብዎ ገሊጾም፡ እቲ ተግባር ምስ “ምኽባር ክብርን መሰላትን ደቂ ኣንስትዮን ቈልዑን” ዝሰማማዕ ድዩ ኣይሰማማዕን ኣብ ምውሳን “ብምሉኡ እቲ ኵነታት ኣብ ግምት ክእቱ ከም ዘለዎ የጕልሑ።

ቁጠባዊ ጸቕጥታትን ሓደጋ ምዝመዛን

ካብቶም ዝለዓሉ ስክፍታታት ሓደ ቁጠባዊ ሸነኽ ናይቲ ተርእዮ እዩ። ብዙሓት ተካእቲ ክኾና ዝሰማምዓ ደቂ ኣንስትዮ፡ ነዚ ንምግባር “ቁጠባዊ ድሌት ከም ቀንዲ ምኽንያት” ይጠቕሳ። ስለዚ “ዛንታታት ሃብታማትን ፍሉጣትን ንተካእቲ ገንዘብ ምሃብ ልሙድ ከም ዝኾከነን ስለዚ ድማ ሃብታማት ደቂ ኣንስትዮ ከም ተካእቲ ኮይነን ዘገልግላ ሳሕቲ ምዃኑ” ዘገርም ኣይኮነን።

እቲ ሰነድ ቀጺሉ እቲ በዚ ልምዲ እዚ እተወልዱ ቘልዑ ዘለዎም ጠለብ "ድሮ ካብ ቀረብ ይበልጽ" ከም "ማሕበራዊ ዕቝባ ትምህርቲ ከምኡውን ቍጠባዊ ኣጋጣሚታት" ዝኣመሰለ ስጕምትታት ንብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ "ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መሰናድዎታት መተካእታ ጥንሲ ንኽኣትዋ የገድደን፡" በዚ ምኽንያት እዚ ድማ "ድኽነት እንተ ተወጊዱ ኢንዱስትሪታት ምትካእ ወሊድ ክቕጽላ ምዃነን ኣብ ሕቶ ዘእቱ ይኸውን፡

ብተወሳኺ እውን ኣብተን ንግዳዊ ምትካእ ክልኩል ዝኾነለን ሃገራት እውን ከይተረፈ ካሕሳ ወጻኢታት ወይ "ህያባት" ተባሂሉ ዚእመነሉ ነገራት ሓድሓደ ግዜ "ዚኽፈል ክፍሊት" ኪሓብእ ይኽእል እዩ።

ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ስምምዕ ዘይኣትዋ ደቂ ኣንስትዮ "ብኣባላት ስድራ ቤተን ጸቕጢ ኺወርደን ወይ ኪግደዳ" ይኽእላ፣ እተን ኣብ ድኽነት ዚነብራ መተካእታ ጥንሲ ብፍቓደን ዝቕበላ "ሕጋዊ ወይ ሕክምናዊ ምኽሪ" ኪረኽባ ዘይክእላ ምዃነን ሊቀ ጳጳት ካቻ ይሕብሩ።

መሰል ህጻናት

ብተወሳኺ፡ "ልዕሊ ደርዘን ዝኾኑ ዕሸላት" ኣብ ዝተኻረየ ገዛውቲ ብሞግዚታት ክእለዩ ዝተረኽቡ ጭቡጥ ጉዳያት'ውን ጠቒሶም፡ እቲ ሽማግለ ወለዲ ድማ ተወሳኺ ተካእቲ ኣብ ምቑጻር ዝረአ ዘሎ ኣገባብ ከም ዘረጋገጸ ኣመልኪቶም፡ ንህጻናት ከም ዝሽየጥ ንዋት ገርካ ምቕራብ፡ ንኣብነት ቅድሚ ሕርሲ ገለ መሰናኽላት ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን፡ ጥንሲ ክቋረጽ ከምዝኽእልን እዚ እውን ምንጻል ጥንስን ጸረ ህይወትን ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ እቲ ቘልዓ ከም ህያብ ኣብ ክንዲ እትቐብሎ፡ “ግቡእ ‘ፍርያት’ ወይ ኪፍታሕ ዘለዎ ጸገም” ጌርካ ኺሕሰብ ንዝገብር ሓደጋ ዝቃላዕ ምዃኑ የነጽሩ።

እዚ ኣተሓሳስባ እዚ፡ ምስቲ ህጻናት ክዓብዩን ክምዕብለሉንን ዝኽእለሉ ፍትሓዊ ሕብረተሰብ ዝጻረር ምዃኑ ኣዘኻኺሮም ቈልዑ ግና፡ “ብግብረ ፍቕሪ ኪፍጠር ዚኽእል ግብረ ገባዊ መሰል” መሰረት ኪኽበር ዘለዎ መሰላትን ረብሓታትን ዝውንኑ እያቶም። ብመሰረት ውዕል መሰላት ህጻናት - ብሰፊሑ ዝጸደቐ ሰብኣዊ መሰላት” ተባሂሉ ዝግለጽ - ህጻናት’ውን “ብወለዶም ናይ ተፈላጥነትን ክንክንን መሰል ኣለዎም።”

እዚ መሰል እዚ ኩሉ ግዜ ክፍጸም ከምዘይክእል፡ “ኮነ ኢልካ ንዝጥሕሶ ተግባር ንምምኽናይ ክውዕል የብሉን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ቅድስቲ መንበር መርገጺ

ሊቀ ጳጳት ጋብሪኤለ ካቻ ይብሉ “እቲ ብዛዕባ መተካእታ ወሊድ ኣዝዩ ሓቀይናን ርዱእን ድሌት ምውላድ” እኳ እንተተገንዘበ፡ እዚ ስክፍታታት እዚ ብመምርሒ ጥራይ ክፍታሕ ከምዘይክእል የነጽር፡ ኣብዚ መዳይ እዚ ነቲ ኣብ ሃግ እተገብረ ናይ ብሕቲ ኣህጉራዊ ሕጊ ዋዕላ ብውልቂ ኣህጉራዊ ሕጊ እንተ ወሓደ ንግዜኡ ኣብ ጕዳያት ምትካእ ብዛዕባ ሕጋዊ ምትእስሳር ዝምልከት ውዕል ከይቅጽል ዝገበሮ ውሳነ ብምድጋፍ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ቈልዓ ወትሩ ህያብ ደኣ እምበር መሰረት ናይ ንግዲ ውዕል ኣይኰነን" ዝበልዎ የዘካኽሩ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ውሽጢ እቲ ኵነታት ኣዴታት ዝምልከት ሽማግለ ዘበግሶ ዘሎ ዘተ፡ ንደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን “ካብ ምዝመዛን ዓመጽን” ንምክልኻል ዝዓለመ፡ “እዚ ተግባር ብኹሉ መልክዑን ብኹሉ ደረጅኡን ንምርግጋጽ” ተወሳኺ ስጉምትታት ከተባብዕ ተስፋ ከምዘለዎም ገጺጾም ዝሃብዎ መግለጺ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

16 Mar 2026, 16:18