ድለ

ኣብ ጀነቫ ኣብ ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ኤቶረ ኣብ ጀነቫ ኣብ ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ኤቶረ  

ቅድስቲ መንበር፦ ኣብ ዓለም ክርስቲያን እቲ ኣዚዩ ንስደት ዝቃላዕ ሃይማኖታዊ ማሕበረሰብ እዩ

ኣብ ጀነቫ ኣብ ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ኤቶረ ባለስትረሮ ኣብ መላእ ዓለም ክርስትያን ዘጋጥሞም ስደት ብምጉላሕ መንግስታት ሃይማኖታዊ ናጽነት ከረጋግጹ ከም ዘለዎም ብኣጽንዖት የተሓሳስቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

መንግስታት ናይ ሃይማኖት ናጽነት ናይ ምሕላውን ምኽባርን ምውሓስን ሓላፍነት ከም ዝስከሙ ሊቀ ጳጳስ ኤቶረ ባለስትረሮ ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ጀነቭ ኣብ ዝርከብ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰልን ካልኦት ኣህጉራውያን ትካላትን ዕለት 3 መጋቢት "ምስ ዝተሰደዱ ክርስትያናት ደው ምባል፡ ምክልኻል እምነትን ክርስትያናዊ ክብርታትን” ዝብል ኣርእስቲ ኣማእኪሉ ኣብ ዘኻየዶ ዓውደ ኣኼባ ተሳቲፎም ኣብ ዘስሞዎ መደረ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

"ኣብ መላእ ዓለም ዳርጋ 400 ሚልዮን ሰዓብቲ ሃይማኖት ክርስትና ስደት ወይ ዓመጽ የጋጥሞም፡ እዚ ድማ ኣብ ዓለም እቲ ዝበዝሐ ንስደት ዝቃላዕ ሃይማኖታዊ ማሕበረሰብ ምዃኑ ዘረጋግጽ ኮይኑ፡ እዚ ማለት ካብ ሸውዓተ ክርስትያን ሓደ ግዳይ" ምዃኑ እዩ ዘረጋግጽ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ "ካብኡ ዝገደደ  ኣብ 2025 ዳርጋ 5 ሽሕ ሰዓብቲ ሃይማኖት ክርስትና ብሰንኪ እምነቶም ከም እተቐትሉን፡ እዚ ድማ ብማእከላይ ገምጋም ክረአ እንከሎ ኣብ መዓልቲ 13 ክርስትያናት ይቕተል" ከም ዝበሉ ኣመላኺቱ፡ ማሕበረሰብ ክርስቲያን እቶም ብሰንኪ እምነቶም ዝቕተሉ “ሰማእታት” ስለ ዝኾኑ፡ “ንስነ - መጐት ስልጣን ዝፈታተን ክብርታት ዘንጸባርቑ ናይ እምነቶም መሰኻኽር እያቶም፡ ብዓይኒ ኣህጉራዊ ሕጊ ግን “ግዳያት ዘሰንብድን ዘሕፍርን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት እዮም። ምስክርነቶም ካብቲ ክከላኸለሎም ዝግበኦ መሰረታዊ ሓላፍነት ሃገራት ከዘናብል የብሉን" እንክብሉ ከም ዘጒልሑ ኣፍሊጡ።

ናጽነት ሃይማኖት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል እዩ

"ንናጽነት ሃይማኖት ወይ እምነት ምሕላው ግዴታ መንግስቲ እዩ፡ እዚ ድማ ሳልሳይ ወገን ነዚ መሰል ከይጥሕስ ምክልኻል ዘጠቓልል እዩ" እብክብሉ ብኣጽንዖት ኣዘኻኺሮም "እዚ ሓለዋ እዚ ነቶም ቅድሚ መጥቃዕቲ፡ ኣብ እዋንን ድሕሪ መጥቃዕትን ዒላማ ዝኾኑ ኣመንቲ ክሕሉ ኣለዎ። ይኹን እምበር፡ መቕጻዕቲ ዘይምህላው ኣብ ዓለማዊ መልክዕ ሃይማኖታዊ ስደት ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ከበድቲ ጉዳያት ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ። ሓንቲ ሃገር ናጽነት ሃይማኖት ወይ እምነት ከተስፍሕ ይግባእ፣ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ስለዝኾነ - ቢሎም - ኣህዛብ ንባዕሎም ንናጽነት ሃይማኖት ወይ እምነት ከኽብሩን ሓደ ውልቀ-ሰብ ወይ ጕጅለ ብኣምልኾን ብተግባርን ብትምህርትን ኣቢሉ ብብሕቲ ወይ ብግልጺ እምነቱ ንኺገልጽ ኣብ ዘለዎ ዓቕሚ ጣልቃ ካብ ምእታው ክቑጠቡ ኣለዎም” እንክብሉ ከም ዘስተብሃሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ረቂቕን ድምጺ ኣልቦን መልክዕ ስደት

ቀጺሎም ሊቀ ጳጳስ ባለስትረሮ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ዳርጋ 400 ሚልዮን ክርስትያን “ብሰንኪ ሃይማኖታዊ እምነቶም ኣካላዊ ዓመጽ፡ መርገጽትን፡ ብናይ ሓሶት ክሲ ማእሰርቲ: ንብረቶም ምምንዛዕ፡ ጊልያነት፡ ግዱድ ስደት፡ ከምኡ እውን መቕተልትን ከም ዘጋጥሞምን እዚ ኣዝዩ ዘይፍትሓውን ኣዝዩ ዘተሓሳስብን” ምዃኑ ኣጕሊሖም፡ እዚ ጉዳይ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከባ ሃገራት ዝጸሉ ምዃኑ ኣመላኺቶም፡ ኣብ ኤውሮጳ ሓዊሱ፣ ኣብ 2024 ጥራይ ልዕሊ 760 ጸረ ክርስትያናዊ ገበናት ጽልኢ ከምዝተመዝገበ፣ ከም መጥቃዕቲ ምንዳድ ኣብያተ ክርስትያንን፣ ኣካላዊ መጥቃዕቲ ወይ ዕንወት ከም ዝወረዶምን፡ ኣብ ጭብጥታት ብኣሃዝ ኣብ ዘቕርብ ጸብጻባት ዘርእዮ ካልእ “ዝያዳ ረቂቕን መብዛሕትኡ ግዜ ሰማዒ ዘይብሉ ጽሞና ዝመልኦን ዓይነት ስደት” ከም ዘጋጥሞም ኣመልኪቶም፡ ከም ኣብነት: ቀስ ብቐስ ካብ ማሕበራውን ሞያውን ህይወት ምግላል ወይ ምሕራግ: ኣድልዎ: ወይ ነቲ ብብዝሒ ክርስትያን ዝዀነ ህዝቢ ብሕጊ ኣፍልጦ ዝወሃቦ መሰላት ዘጽብብ ወይ ብሓቂ ዘስርዝ፡ ብግልጺ ዘይረኣ ገደባትን ምድራትን ዝብሉ ጠቒሶም ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሊቀ ጳጳስ ባሌስትረሮ ኣብ መደረኦም ኣስዒቦም ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ኣህጉራዊ መሳርሒታት ዝተቐመጠ ሰብኣዊ መሰላት “ሓድሓደ ግዜ ብተነሓናሕቲ ረብሓታት ወይ ‘ሓድሽ መሰላት’ ዝበሃሉ ጠለባት ይግለፍ፤ እዚ መሰላት እዚ ኣብ ዝኾነ ውዕል ወይ ልምዳዊ ኣህጉራዊ ሕጊ ኣፍልጦ ዘይወሃቦ። እዚ ድማ ካብቲ ዘይምጽውዋርን ኣድልዎን ኣንጻር ክርስትያን ኣብ ዓለም ዝዕዘብ ትካል ጨንፈር ኤውሮጳ (OIDAC)ዝሃቦ ጸብጻብ ጠቒሶም፡ ኣብ 2024 ኣብ ኤውሮጳ ንክርስትያን ዝጸሉ 2,211 ፍጻመታት ዓመጽ ከምዘጋጠመ ይሕብር። እዚ ኸኣ ኣብ ጥቓ ምንጻል ጥንሲ ዚግበረሉ መሳለጥያታት ብጽሞና መደብ ጾሎታት ኣካይድካ ወይ ኣብ ማሕበራዊ ጕዳያት ጥቕሲ መጽሕፍ ቅዱስ ተጠቂምካ ዝብል ክሲ ዘጠቓልል እዩ። እዚ ደጋዊ ተግባራት ዘይኰነስ” “በቶም ሰብኣዊ መሰላት ኵሉ ናይ ምኽባርን ምሕላውን ምድንፋዕን ግዴታ ዘለዎም ሰበስልጣን ዝፍጸም ከቢድ ምግሃስ መሰላት ክርስትያን” ምዃኑ ኣጽኒዖም ብምምልካት፡ “እዚ ተጋራጫውነት እዚ ክውዳእ ኣለዎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መስቀል

ኣብ መወዳእታ ሊቀ ጳጳስ ባሌስትረሮ “ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ዝፍጸም መጥቃዕቲ ባዕሉ ኣብ ልዕሊ መስቀል ዝፍጸም መጥቃዕቲ እዩ” እንክብሉ ኣስሚሮም፣ ልክዕ መስቀል፡ ብቐጥታዊ መስመር ዝቖመ “ንሰገርነት ሰብኣዊ ክፉትነት ዝውክል” ከምኡ’ውን “ሰብኣዊ ምትእስሳር ምስ ካልኦት” ዘመልክት ልኡል መስመር እዩ - ቢሎም - “እቲ ብትኽሎ ጽፍሒ ዝፍጸም መጥቃዕትታት” ነቲ ኣብ መንጎ ሕልናን ኣምላኽን ዘሎ ምትእስሳር ንምብታኽ፡ መንፈስ ወዲ ሰብ ንርእሱ ክገልጸሉ ዝኽእል ቦታ ንምዕጻውን እምነት ኣብ ስቕታ ጥራይ ከም ዝድርትን፡

እቲ በአግድም ስፍሓት ዝወርድ መጥቃዕትታት፡ ንሰብኣዊ ኣካል ንጻውዒት ሓቂ ብናጻ ምላሽ ናይ ምሃብ ተፈጥሮኣዊ ባህርዩ" የጥፍኦ ኣብ መወዳእታኡ ድማ ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ዘሎ ርክብ ናብ ምብትታን ክመርሕ ይኽእል ኢዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

06 Mar 2026, 15:24