ድለ

ቅድስቲ መንበር ናይ ሃይማኖት ናጽነት ኣማራጺ ኣይኮነን ቅድስቲ መንበር ናይ ሃይማኖት ናጽነት ኣማራጺ ኣይኮነን  (©Lewis Tse Pui Lung - stock.adobe.com)

ቅድስቲ መንበር ናይ ሃይማኖት ናጽነት ኣማራጺ ኣይኮነን

ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ መሰረታዊ ናይ እምነት ናጽነት ምስ ዝኽልከል፡ “ምትእምማን ንፍርሒ ቦታ ይህብ፡ ጥርጣረ ንዘተ ይትክእ፡ ጭቆና ድማ ዓመጽ ይወልድ” እንክብሉ ዕለት 16 መጋቢት ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ምምካት ጽልኢ እስልምና ኣብ ዝተካየደ ዓውደ ርክብ ኣብ ዘስምዕዊ መደረ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 16 መጋቢት ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት፡ ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብቲ ኣህጉራዊ መዓልቲ ንምምካት ጽልኢ እስልምና ብደረጃ ላዕለዎት ኣካላት ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ጥምረት ስልጣነታት ሕቡራት ሃገራትን ቀዋሚ ተዓዛቢ ተልእኾ ውድብ እስላማዊ ምትሕግጋዝ ኣብ ሕቡራት ሃገራትን ነቲ ብደረጃ ላዕለዎት ኣካላት ጽፍሒ ንኽካየድ ዝወደቦ ዓውደ ጉባኤ ሊቀ ጳጳሳት ጋብርኤለ ካቻ ከም ዘመስገኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቀስ ኢሉ ምብስባስ ምትእስሳር

ሊቀ ጳጳሳት ካቻ “ንኣስላም፡ ኣይሁድ፡ ክርስትያንን ሰዓብቲ ካልኦት ባህላዊ ሃይማኖታትን ዒላማ ዝገበረ ዘይምጽውዋር፡ ኣድልዎን ጽልእን ኣጋጣሚታት እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ” ውጽኢት “መሰል ናጽነት ሃይማኖት ወይ እምነት” ኣፍልጦ ዘይምሃብን ዘይምክልኻልን ምዃኑ ኣጒሊሖም፡ እዚ መሰል እዚ፡ ኣማራጺ ከምዘይኮነ ደጊሞም ብምዝኽካር፡ “እምነ-ኩርናዕ ናይ ዝዀነ ይኹን ፍትሓዊ ሕብረተሰብ” እዩ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ብጹዕነቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንልኡኻት ኣብ ስቓይ ንትርከብ ቤተ ክርስቲያን ዝሓልይ ማሕበር ግብረ ሰናይ ዕለት 1 ጥቅምቲ 2025 ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን፡ ናጽነት ምስ ዝኽልከል፡ ሰብኣዊ ፍጥረት “ንጻውዒት ሓቂ ብናጽነት ምላሽ ናይ ምሃብ ዓቕሙ ይሕረሞ” እንክብሉ ዘቕረብዎ መጠንቀቕታ ተወኪሶም፡ ከም ውጽኢቱ ድማ፡ እቲ ንማሕበረሰባት ዝድግፍ ስነ-ምግባራውን መንፈሳውን ምትእስሳር ቀስ ብቐስ ይዳኸም - “ ምትእምማን ንፍርሒ ቦታ ይህብ፡ ጥርጣረ ንዘተ ይትክእ፡ ጭቆና ድማ ዓመጽ ይወልድ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ውልቀሰባትን ሕብረተሰባትን ይጽለዉ

ኣብ ዓለምና ዝርአ ጽልኢ ምስልምና፡ ንሃይማኖታዊ ናጽነት ምክልኻል ብህጹጽ ከምዘድሊ ዘዘኻኽር ምዃኑ ሊቀ ጳጳሳት ካቻ ኣመልኪቶም፡ ኣብ ልዕሊ ኣስላም ዝፍጸም ዓመጽን ኣድልዎን ካብ ውልቀ ሰባት ንላዕሊ ንሕብረተሰብ ይሃስይ፡ እቲ ዝጉዳእ እውን “መንፈሳውን ግብረ ገባውን ማሕበራውን ኣካሊት ብሓፈሻ ሕብረተሰባት፣ ነቲ ወዲ ሰብ ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ኣህጉራዊ ኵነታት ብፍላይ ዘድልዮ ናይ ምትእምማንን ምትሕግጋዝን ምትእስሳርን የዳኽም፡ ሎሚ እዚ ኣድልዎ እዚ ተጻባኢ ትረኻታት ብቕልጡፍ ክዝርጋሕን ንኣረኣእያ ህዝቢ ክቐርጽን ዝድርኽ ብመርበብ ይዓቢ ከም ዘሎ ኣመላኺቶም ነዚ ንምምካት ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ፡ ብፍላይ ንስነ ኣሃዝ ትምህርቲ ዝውፈን ሰባት ዝሓሸ ናይ ነቐፌታዊ ኣተሓሳስባ ክእለትን ናይ መንፈስ ናጽነትን ከማዕብሉ ዝሕግዙ ዝሓሸ ትምህርታዊ መደባት ክካየድ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 28 ጥቅምቲ 2025 ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 60 ዓመት ዘለናዮ ዘመን ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ምኽንያት፡ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ “ዘተ መሳርሒ ወይ ሜላ ዘይኮነስ “መገዲ ህይወት – ንኹሉ ዝምልከቶ ሰብ፡ ዝሰምዕን ዝዛረብን ዝቕይር ጉዕዞ ልቢ እዩ” እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ብምዝኽካር፡ “ፍልልያት ኣብ ክንዲ ምክፍፋል ምንጪ ሃባቲ ክኸውን ዘኽእልን ዝኾነ ሃይማኖት ከምዘይምዝመዝ ወይ መጋበርያ ከምዘይኮነ ምርግጋጽ” ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ሓቀይና ዘተ ዝሓትት እዩ፥ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ኣንጻር ጽልኢ እስልምና

ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት፡ ዝቐረቡ ጸብጻባት ከምዘመልክቶ፡ ፍርሒ ምስልምና ከምዝወሰኸ ዘረጋግጽ ኮይኑ፡ ኣብ 2025 ካብ ትካል መሰረታዊ መሰላት ሕብረት ኤውሮጳ ዝወጸ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ፡ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ካብ ዘለዉ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ሓደ ዓሌታዊ ኣድልዎ ከም ዘጋጠሞ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ዕዳጋታት ስራሕን ኣባይትን ምዃኑ የመላኽት፡ ዓመታዊ ዕለት 15 መጋቢት ዝካየድ ኣህጉራዊ መዓልቲ ምምካት ጽልኢ እስልምና፡ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ብ60 ኣባላት ሃገራት ውድብ እስላማዊ ምትሕግጋዝ ዝምወል ውሳነ ድሕሪ ምጽዳቑ፡ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ 2022 ከም እተኻየደን

ናይ ሎሚ ዓመት ብዕለዋይ ኣካላት ደረጃ ዝተኻየደ መደብ “ካብ ስርዓታት ናብ ተግባር፡ ምፍታሕ ጽልኢ እስልምናን ኣብ ሃይማኖት ወይ እምነት ዝተመርኮሰ ኣድልዎን – ምትእስሳር ምስ ሰብኣዊ መሰላት” ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ ምንባሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

19 Mar 2026, 09:05