ተወከልቲ ሥነ ኣከባቢያዊ ዕቃቤ፣ ኣብ ቍሸት ስቡህ ኣንተ 'ዓለምለኻዊ ኪዳን' ጀሚሮም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ልዕሊ 60 ዝኾኑ ተወከልቲ መናብርተ ጥበባትን ዓበይቲ ኣህጉራውያን ውድባትን፣ ትማሊ ሰኑይ ዕለት 9 መጋቢት ተጋቢኦም፣ ዓለም ለኻዊ ኪዳን ዝተሰምየ ኣህጉራዊ ተበግሶ ንምጅማር ሓደ ዓውደ መጽናዕቲ ኣካይዶም።
እቲ ጉባኤ ኣብ ድሕረ ባይታ ዓለማዊ ኪነታትን ከምኡውን ናይ ሕርሻ እንስሳታትን ኣእዋምን ዝተኻየደ ኮይኑ፣ ኣብቲ ኻብ ሃገረ ቫቲካን ኣስታት ሓደ ሰዓት ርሒቑ ዝርከብ፣ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ኣብ ዚርከብ ስፍራ ኣታኽልቲ ኣብ ዝርከብ ቍሸት ስቡህ ኣንተ፣ ህድኣት ኣብ ዝርከበሉ ስፍራ እዩ ተኻይዱ። ዕላማ እዛ ቝሸት እዚኣ፣ ነቲ ኣብ 2015 ዓ.ም. ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዘውጽእዋ ስቡህ ኣንተ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም፣ ብሥርዓተ ትምህርትን፣ ዓዋዲ ቍጠባን ከምኡ ውን ቀጻልነት ዘለዎ ተበግሶታትን ክብሉ ብምዝርዛር፣ መሰረታዊ ስርዓታት ንምድንፋዕን ንዘቅረብዎ ምሕጽንታ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝዓለም ኢዩ ዝንበረ።
እዚ ሎሚ ሰሉስ ዕለት 10 መጋቢት ዝዛዘም ፍጻመ፣ ብማእከል ላዕለዋይ ትምህርቲ ስቡህ ኣንተን ከምኡ ውን መንበረ ጥበብ ኖተር ዳምን እተሰናደው ዓውደ ጉባኤ ኢዩ። ኣብ እተፈላለየ ኣርእስትታት ዘተኸፋፈሉ ናይ ዘተ ጕጅለታት - ካብ ሥነ መዕበያ መራሕቲ ኣብ ምሉእ ሥነ ኣከባቢያዊ ዕቤትት ክሳዕ ኣብ ኩነታት ኣየር ክግበር ዘለዎ ፍትሒ - ኣብ ዝብሉ ኣርእስትታት ብምዝታይን፣ ኣብቲ ስፍራ ኣታኽልቲ ብዝግበር ዑደትን ከምኡውን ብዛዕባ እዚ ኣርእስትታት እዚ ተመክሮታትን ሓሳባትን ንምልውዋጥ ዝብሉ መደባት ዜጠቓልል ጉባኤ ድማ እዩ።
ዋና ኣመሓዳሪ ማእከል ላዕለዋይ ትምህርቲ ስቡህ ኣንተ ዝኾኑ፣ ሓደ ኻብቶም መስረትቲ “ዓለም ለኻዊ ኪዳን” ብፁዕ ካርዲናል ፋቢዮ ባጆ፣ ምስ መንበረ ጥበብ ኖተር ዳም ምሕዝነት ብምጅማሮም ንዅሎም እቶም ኣብ ናይ ስቡህ ኣንተ ምልኡ ሥነ ኣከባቢያዊ ምዕብልና ዝሰርሑ ሰባት፣ ብሓባር ምእካብን፣ ነቲ ዝረኸብዎ ፍልጠት ንምክዕባትን፣ ንመጻኢ ምርምራት ጭቡጥ ተበግሶታትን ሓድሽ ሓሳባት ንምምዕባል ኣድላዪ ምዃኑ ብምግንዛቦም ኢዩ ዝንበረ።
"ሓደ ካብቲ ካብ መጀመርታ ኣትሒዝና እንሓስቦ ዝነበርና ውጽኢት፣ እቶም ኣብዚ ዝሳተፉ ዘለዉ ሰባት ዝያዳ ምርምር ንምግባርን፣ ብዛዕባ ሥነ ኣከባቢያዊ ለውጢ ፍልጠት ንምዝርጋሕን ቃል ዚኣትዉሉ ዓለምለኻዊ ኪዳን ምፍጣር እዩ" ድማ በሉ።
ብፁዕ ካርዲናል ባጆ ወሲኾም፣ ብዓይኒ ዚርአ "ሞዴላት ኢኮሎጅያዊ ምልዋጥ" ኣብ ግብሪ ብምውዓል እቲ ዝተገብረ ዘረ ናብ ጭቡጥ ስጕምትታት ምትርጓም ኣድላዪ ምዃኑ እውን ኣጕልሑ።
ኣብዚ መዳይ እዚ ቍሸት ስቡህ ኣንተ፣ ነዚ ተበግሶ እዚ ፍጹም ድሕረ ባይታ ከም ዝዀነት ሓበሩ፣ ከመይሲ "ሓደ ኻብዚ ሞዴላት እዚ ኪኸውን ትጽቢት ዝግበረሉ መሰረታዊ ሥርዓታት ስቡህ ኣንተ ኣብ ግብሪ ዘውዕሉ ሰባት ኣብዚ ተረኺቦም፣ ነቲ ክሙከርዎን ሥነ ኣከባቢያዊ ለውጢ እንታይ ማለት ምዃኑ ብልክዕ ኪርእዩን ዘኽእሎ ኢዩ" ክብሉ ድማ መስከሩ።
ንዓለም ንምቕያር ዘኽእል መበገሲ
ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ "ካብ እተፈላለየ ዅርናዓት ዓለም ዝመጹ ብቑዓት ሰባት፣ ካብ እተፈላለዩ መናብርተ ጥበባትን ካብ እተፈላለየ ኣረኣእያ ዘለዎም ሰባት እተዋጽኡን፣ ግን ከኣ ሓደ ዕላማ ኣለዎም፣ እዚ ድማ ብመሰረት መሰረታዊ ስርዓታት ስቡህ ኣንተ ንምንባር ጽቡቕ ሓሳባትን፣ ሠናይ ዝኾነ ልምድታትን ከነካፍል ንደሊ ኢና" ክብላ ድማ ክብርቲ እናቴ ኣሌሳንድራ ስመሪሊ ዋና ጸሓፊት ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ምሉእ ሰብኣዊ ምዕብልና ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበርን ኣባል ቦርድ ኣመሓደርቲ ማእከል ላዕለዋይ ትምህርቲ ስቡህ ኣንተን ገሊጸን።
ኣስዕብ ኣቢለን ድማ "እዚ ንዓለምና ንምቕያር ወሳኒ ጥምረት ክፈጥር ዝኽእል ከም መበገሲ ክኸውን ተስፋ እገብር" ድማ በላ።
መስራቲ ኣመሓዳሪ ናይቲ ኣብ መንበረ ጥበብ ኖተር ዳም ዝርከብ Just Transformations to Sustainability Initiative ዝኾነ ኣሩን ኣግራዋል፣ ኣብዚ መዳይ እዚ ዓለም ለኻዊ ኪዳን ካብ ሥነ ትምህርታዊ ዋዕላ ንላዕሊ "ኣዝዩ እተፈልየ" ምዃኑ ኣጕልሐ፣ ከመይሲ "ብሓባር ዝሰርሑ ተኸታታሊ ስጕምትታትን፡ ዝተፈላለዩ ጕጅለታትን ክጅምር ከም ዝደሊ ማሕበረሰብ ክሃንጹ ከም ዝደልዩ እውን ኣመልከተ።
መንበረ ጥበብ ኖተር ዳም ከም ቀንዲ ናይ ምርምር ማእከል መጠን "ንቅድስቲ መንበር መሰረታዊ ስርዓታት ሥነ ኣከባቢ ንምክፋል ኣብ ዘለዋ ሸቶ ኺሕግዛ ኸም ዝኽእል” እው ኣጕልሐ።
ሊቃውንቲ ኣብ ኣገልግሎት ቤተክርስትያን
ኣብ መንበረ ጥበብ ኖተር ዳም ምክትል ኣቦ መንበርን ተራዳሲ ላዕለዋይ ኣመሓዳሪ ሥነ ትምህርትን ክቡር ኣባ ዳንኤል ግሩዲ፣ ነዚ ኣተሓሳስባ እዚ ብምስዓብ፣ እዚ ተቅዋም እዚ ምስ ተመራመርትን ምሁራትን ብምትሕብባር፣ "ኣብ ኣገልግሎት ቤተ-ክርስትያን ክውዕል ከም ዝኽእል" ኣጕልሑ።
"ብዛዕባ ኣከባብን ለውጢ ኩነታት ኣየርን ዘጋጥመና ዘሎ ጸገማት "እተሓላለኸን በዳሂን" ኢዩ፣ ስለዚ ብሓባር ምዕያይ ንዓለም ዝሓሸትን ቀጻልነት ዘለዋን ንምግባር፣ "ዝያዳ ሓባራዊ ክንክን ክገብር ንኽእል ኢና" በሉ።
ብተወሳኺውን ክቡር ኣባ ግሩዲ ከም ዝገለስዎ፣ ቍሸት ስቡህ ኣንተ "ብዛዕባ እዚ ጕዳያት ቀጻልነትን ክንክን ሓባራዊ ቤትናን ንምሕሳብ ብሓቂ ዓብዪ ማእከል ኰይና ኣላ" ብምባል ኣጕልሑ።
"ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ነዚ ዘርኢ ብሓቂ ዘሪኦም እኳ እንተ ዀኑ፣ ንዓለምና ግን ኣገዳሲ ጉዳይ እዩ" በሉ። "ስለዚ ከም ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያንን፣ ከም ሓባራዊ ሰብኣዊ ስድራ ቤትን ብሓባር ብምዕያይን፡ ብምትሕብባርን ብዛዕባ እዚ ኽንዛረብ ንኽእል ኢና፣ ነዚ ኣድማሳዊ ሰብኣዊ ድሌት ኣብ ዕላማ ከነብጽሖ ድማ ንኽእል ኢና።"
ህያው ናይ ጕጅለታት ዘተ
ኣብ ፊሊፒንስ ኣብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ኣቴኔያኑም ደ ማኒላ እተገልግል ዘላ ክብርቲ ፕሮፌሰር ማሪያ ኣሱንታ ኩየከንግ፣ ከም ዝገለጻኦ "ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነዚ ጽንሰ ሓሳብ እዚ ምስ ኣተኣታተዉ ዝረኸብናዮ ኣጋጣሚ ኵላትና ኣዚና እነማስወሉ ኢዩ ዝመስለኒ" በለት።
ኣብቲ ኣብ ምሉእ ሥነ ኣከባቢያዊ መራሕቲ ኣብ ምህናጽ ዘተኰረ ናይ ጕጅለ ዘተ ብምስታፍ ድማ "እቲ ምይይጥ ኣዝዩ ህያው እዩ ዝነበረ" ክብላ መስከራ።
ኣብ መንበር ጥበብ ኦክስፎርድ፣ ናይ ተቕዋም ምርምር ስቡህ ኣንተ ዋና ኣመሓዳሪ ምሉእ ሥነ ኣከባቢያዊ መርበብ ምርምር ዝዀኑ ኢየሱሳዊ ካህን ክቡር ኣባ ፒተር ሮዚች እውን ብወገኖም፣ ነቲ ፍጻመ ዘለዎም ሞሳ ገለጹ። ካቶሊካዊ መንበር ጥበብ ብኸመይ ግብራዊ መሰረተ ልምዓት ክሃንጽ ከም ዝኽእልን ከምኡውን "ንሕና ባዕልና ከም ሓደ ተቕዋምን ከም ማሕበረሰብን መጠን ከመይ ጌርና ነብያትን ክኢላታትን ሥነ ኣከባቢ ክንከውን ከም እንኽእል" ክምስክሩ ጻውዒት ቀረበሎም።