ድለ

ሳልሳይ ኣስተንትኖ ዓቢይ ጾም ሳልሳይ ኣስተንትኖ ዓቢይ ጾም  (@Vatican Media)

ሳልሳይ ኣስተንትኖ ዓቢይ ጾም

ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ኣባ ሮበርቶ ፓዞሊኒ ብምኽንያት ዓቢይ ጾም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓርቢ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14ን ናይ ቀረባ ተሓባርቶም ናይ ኵርያ ሮማና ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣሳቲፉ ዝካየድ መደብ ኣስተንትኖ ብምቕጻል ዕለት 20 መጋቢት፥ "ተልእኾ: ንነፍሲ ወከፍ ፍጡር ወንጌል ምእዋጅ" ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ኣማእኪሎም ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"ወንጌል ንኽትስዕር ዘይኮነስ ንምርኻብ እዩ ዝእወጅ!" ነዚ ዝበሉ ስባኬ ቤተ ጳጳስ ኣባ ሮበርቶ ፓሶሊኒ ዓርቢ ዕለት 20 መጋቢት ንግሆ ኣብ ኣዳራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ዘቕረብዎ ሳልሳይ ኣስተንትኖ ክኸውን እንከሎ ኣባ ፓዞሊኒ፡ “ተልእኾ፡ ንነፍሲ ወከፍ ፍጡር ወንጌል ምእዋጅ” ብዝብል መርሕ ቃል ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ ብዛዕባ ምስ ኢየሱስ ንኽንራኸብ ባይታ ምድላውን እዚ ድማ ምስ ካልኦት ምስ ዘሎና ርክብ ብኸመይ ከም ዝዛመድን ከም ዘስተብሃሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጥ።

ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ከም ኣብነት

"ስልጣንና ካብ ግደ ዘይኰነስ ካብቲ ናብዚ ናይ ፍቕሪ ንጡፍነት ምእታው ካብ ዝቕበል ህይወት ዝምንጩ ኢዩ - እዚ ማለት ድማ ትሑታት ንኻልኦትን ንድሌቶምን ተነካእቲ ምሳታቶም ንምዝራይን ንህያባቶም ክንቅበሎን ድሉዋት ምዃን እዩ። ከም ኣብነትን ኣርኣያን ንቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ተወኪሶም፡ "ፍራንቸስኮ ንደቂ ማሕበሩ - ኣሓቱ 'ንኡሳን’ ቢሉ ኺጽውዖም እንከሎ መዓርግ ዘይኰነስ ኣብ ዓለም ዚነብሩሉ ጭቡጥ መገዲ እዩ ዘቕርበሎም ብትኽኽል እዚ ድማ ንኣዋጅ ወንጌል ፍረ ክህልዎ ዝገብር ንኡስን እዚ ህያው ትሕትናንን ከስተውዕሉ እዩ” እንክብሉ ከም ዝበርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ወንጌል ኣብ ሕይወት ቅርጺ ይሕዝ

ተልእኾ ፍጻሜ ናይ ምልዋጥን ሕውነትን "ተመክሮን ኣዋጅ ወንጌልን ንኻልኦት ንምክፋል ካብ ዘሎና ባህጊ" እዩ ዚውለድ፣ ኵሉ ግና ካብ ቃል እዩ ዚመጽእ። "ሓደ ሰብ ብዛዕባ እቲ ገና ኣብ ህይወቱ ሱር ዘይሰደደ ነገር ኪዛረብ ኣይክእልን እዩ። ነቲ ዝረኣናዮን ዝሰማዕናዮን ንምሕላውን ብጸሎት ምእንቲ ኺበስል ትዕግስቲ ኸም ዜድሊ ኣጕሊሖም፣ ንነገራት ኣምላኽ ተቐባልነት ወይ ተፈላጥነት ንምድላይ” ካብ ዝብል ፈተና ዘጠንቅቕ እውን እዩ። እቲ ኽቡር ነገር ኪዕቈብን ኪበስልን ናብ ምስክርነት ኪቕየርን ኣለዎ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ህላወ ኣምላኽ ይቕይር

ክርስቶስ ክመሓላለፍ ዘለዎ ሓበሬታ ዘይኮነስ፡ ኣብ ውሽጢ ሰብኣውነት ኣብ ሕይወት ምእንቲ ክቕልቀል ኣፍልጦ ክወሃቦ ዝሓትት ምስጢራዊ መንበሪ ምዃኑ ኣስሚሮም፡ ወንጌል ከም ቀሊል ዜና ዘይኰነስ፡ ቀስ ብቐስ ቅርጺ ዝሕዝ ሕይወት ኮይኑ ከም ዝመሓላለፍ ብምምልካት፡ ህላወ ኣምላኽ ኣብ ልቢ ወዲ ሰብ ከመይ ጌሩ ንህይወትን ዝምድናን ከም ዝቕይሮ ንምግላጽ ምስ ናይ ኣደ ተመኩሮ ብምትሕሓዝ ኣደ ነቲ ቆልዓ ኣብ ውሽጣ ተሰኪማ፡ ግዜ ትህቦ፡ ድሕሪኡ ጥራይ እዩ ድማ ዝውለድ፡ "ኣብ እምነት እውን ከምኡ እዩ፡ መጀመርታ ክርስቶስ ኣብ ውሽጥና፡ ኣብ ስቕታ፡ ኣብ ጸሎት፡ ኣብ መዓልታዊ ምርጫታት ቦታ ይሕዝ፡ ድሕሪኡ ጥራይ እዩ ብግዳም፡ ብኣካላዊ ምንቅስቓስን ምስ ካልኦት ኣብ እንዛመደሉ ኣገባብን ክቐርብ ዝኽእል" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ረቂቕ ቃላት ንማንም ኣየእምንን እዩ

ኣባ ፓዞሊሊ ህላወ ኣምላኽ ኣብ ካልኦት ምፍላጥን ኣኽብሮት ምርኣይን ከምዘድሊ ኣስሚሮም፡ ንኻልኦት ንምብጻሕ፡ ዘተ፡ ካብ ልቢ ዝፍልፍል ቃላት ክህልወካ ይግባእ - ቢሎም - ቃላት ረቂቕን ስብእና ዘይብሎምን ኮይኖም ክቕጽሉ እንከለዉ፡ ንማንም ኣየእምኑን፡ ዋላ ነቶም ዝዛረቡዎ እውን እተኾነ ዘይምን እዩ ዝኸውን፡ እዚ ንወንጌል ምስ ምትሕልላፍ ዘይዛመድ ምዃኑ ከም ዘስተህባሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ምስጢር ኣምላኽ

ምስቲ ካልእ ምርኻብ ማለት ምሃብ ጥራይ ዘይኰነስ ምቕባልን ናጻ ምርጫ ምክብባርን ዘተን ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡

“እግዚኣብሄር ገዛእ ርእሱ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ኣይጸዕን - ቦታ ዝህብ እዩ፡ ንዕብየቱ ብቕንኢ ኣይዓቀቦን፣ እቲ ካልእ ምእንቲ ክቕበሎን ብህይወት ክነብርን ይጽግዎ” እንክብሉ ዝለገስዎ ሳልሳይ ኣስተንትኖ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

21 Mar 2026, 17:27