ድለ

2026.03.27 ናይ መወዳእታ ኣስተንትኖ ዓቢይ ጾም፡ ነጻ ህይወት ብዘይ ቅድመ ኩነት ምፍቃር ማለት እዩ 2026.03.27 ናይ መወዳእታ ኣስተንትኖ ዓቢይ ጾም፡ ነጻ ህይወት ብዘይ ቅድመ ኩነት ምፍቃር ማለት እዩ  (@Vatican Media)

ናይ መወዳእታ ኣስተንትኖ ዓቢይ ጾም፡ ነጻ ህይወት ብዘይ ቅድመ ኩነት ምፍቃር ማለት እዩ

ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ኣባ ሮበርቶ ፓዞሊኒ ብምኽንያት ዓቢይ ጾም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓርቢ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14ን ናይ ቀረባ ተሓባርቶም ናይ ኵርያ ሮማና ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣሳቲፉ ዝካየድ መደብ ኣስተንትኖ ብምቕጻል ዕለት 27 መጋቢት፥ “ናጽነት ደቂ ኣምላኽ:፡ ፍጹም ሓጐስን ሞት ከም ሓፍትናን” ዝብል ኣርእስቲ ኣማእኪሎም ናይ መወዳእታ ኣስተንትኖ ዓቢይ ጾም፡ ናይ መወዳእታ መድረኻት ምድራዊ ጉዕዞ ሕይወት ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ “ናይ ገዛእ ርእሱ ተነቃፍነትን ንኡስነቱን ዘስተውዓለሉ ምንባሩ” የብርሁ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ራብዓይን ናይ መወዳእታን ኣስተንትኖ ዓቢይ ጾም፡ ኣባ ፓዚሊኒ ብዛዕባ እቲ “ናይ ገዛእ ርእሱ ተነቃፍነትን ንኡስነትን ክቕበል ዝተሞከረ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ናይ መወዳእታ መድረኻት ምድራዊ ጉዕዞ ህይወቱ፣ ምንጻግ፣ ሕማም ወይ ሞት እውን ከይተረፈ ዋላ ሓደ ነገር ብፍጹም ካብ ፍቕሪ ኣምላኽ ክፈልየና ከም ዘይክእል ዘረጋግጽ ምዃኑ የብርሁ።

ቅዉም ነገር ናይቲ ዕለት 27 መጋቢት ኣባ ፓዞሊኒ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ ዓቢይ ጾም፡ “ናጽነት ደቂ ኣምላኽ:፡ ፍጹም ሓጐስን ሞት ከም ሓፍትናን” ዝብል ኮይኑ፡ ኣባ ፓሶሊኒ ናይ 2026 ዓ.ም. ዓቢይ ጾም ናይ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ ቀንዲ ኣርእስቲ፥ "ናብ ወንጌላዊ ሕይወት ናይ ምልዋጥ ጕዕዞ" ዝነበረ ድኽነት ሓብቱ ዝገበረ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብ መወዳእታኡ ድማ እቲ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ዘሕለፎ ተመክሮ "ሓርነት ደቂ ኣምላኽ" ዝምስክር ምዃኑ የብርሁ።

ብእግዚኣብሔር ዝተመርሐ ናይ ድኽነት ህይወት ቅዱስ ፍራንቸስኮ

ፍራንቸስኮ በዓል ኣሲዚ ቅዱስ ዝኾነሉን ዝተበሃለሉን ምኽንያት “ጭቡጥን ድኻ ምዃን ህላወኡ ብኣምላኽ ክምራሕ ምፍቃድ” ስለ ዝተማህረ ምዃኑ ኣባ ባዞሊኒ ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ ኣስተብሂሎም፡ ስለዚ ከም ከልአ ክርስቶስ፡ ንመንፈስ ቅዱስ ብግልጺ ክቕበል ምኽኣሉ እዩ። ኣብ መወዳእታ ህይወቱ፡ ናብ ህያው ጸሎት ቀየሮ” ማለት “ምሉእ ኣነባብራኡ ከም ቀጻሊ ጸሎት ገይሩ ከም ዘሕለፎ ፍራንቸስካዊ ካህን ቶማስ በዓል ቸላኖ ይገልጾ።

ጉዕዞ ፍጹም ሓጎስ

ኣብተን ናይ መወዳእታ ዓመታት ግን፡ ቅዱስ ፍራንቸስኮ “ዝዓበየ ፈተና” ኣሕሊፉ እዮ። እዚ ህይወት እዚ ኣብ ማሕበር ፍራንቸስካውያን ንኡሳን ኣሃው “ዓበየን መምርሒ ህይወት እውን ኮነ” እዚ ህይወት እዚ “ዝተጠንጠነ፡ ዳርጋ ዘይጠቅም፡ ከም ‘ዓሻ’ ክሳብ ምቑጻር ክስምዖ ዝገበረ እዩ።”

ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ ቅድስቲ ማርያም ዘመላእክት ምስኡ ዝነበረ ካልእ መነኮስ ሓው ልዮን፡ ምሳሌ “ሓቀይናን ፍጹምን ሓጐስ” ኣካፈሎ፣ “ንዕኡን ንቤተ ክርስቲያንን ምንጪ ሓበን ክኸውን ዝኽእል” ባህ ዘብል ሰናይ ነገራት ክዝርዝር ሓተቶ።

ኣብ መወዳእታ ፍራንቸስኮ ንሓው ልዮን “ኣብዚ ዅሉ ነገራት ፍጹም ሓጐስ የልቦን፡ ፍጹም ሓጎስ "ምንጻግ ውርደትን ዘይምርድዳእን ንሰላምና ከጥፍእ ከም ዘይክእል ኣብ ምስትውዓል እዩ ዚግለጽ" በሎ። ናይ ሓቂ ሓጐስ ኣብቲ 'ምስ ተነጸግናን ምስ ተገለልናን ሕማቕ ኵነታት ምላሽ ኣብ እንህበሉ መገዲ' እዩ ዚርከብ ዝበሉ ኣባ ፓዞሊኒ፡ ሓጐስ ንገዛእ ርእስኻ ካብ ክውንነት ምክልኻል ዘይኰነስ፡ እቲ ክውንነት ዝጎድእ ክኸውን እንከሎ እውን ከይተረፈ ከይተጨነቕካ ምቕባል ኣብ ምፍላጥ ዝጠቓልል ምዃኑ ኣብሪሆም፡ ኣብኡ እዩ ክርስትያናዊ ህይወት ዚቐርጽ፡ ነገራት ብኸመይ ከም ዚኸይድ ዘይኰነስ ኣብቲ እንመርጾ መገዲ እተመርኰሰ ሓጐስ ኣኽቢርና ኽንርእዮ ንመሃር፥

ስለዚ ፍጹም ሓጐስ "ቍስሊ ዘይምህላው" ዘይኰነስ "ኣብ ቝስልን መከራን ሓራ ምውጻእ እዩ። ነቲ ስቓይ ዘይድምስስ ግን ከኣ ናይ መወዳእታ ቓል ከም ዘይኮነን ከክይከውን ዚዓግቶን ሓርነት እዩ"

ብጽእና መብጽዓ ምሉእ ህይወት እዩ

ኢየሱስ ኣብ ወንጌል "እዚ ኣብ ቅድሚ ጽልእን መስጐጕትን ናጻ ዝዀነ መገዲ ህይወት ብስሙ ምሉእ ቅርጺ ሓድሽ ህይወት ምዃኑ" ገሊጹ ኣሎ። እዚ ኣብ መጀመርታ ኣገልግሎቱ ብዛዕባ መንነት ብጹዓንን ሰባት ኪሰብኽ እንከሎ ተራእዩ እዩ፣ እዚ ድማ ሕጊ ዘይኰነስ መብጽዓ እዩ፣ "መደብ ስነ ምግባራዊ ፍጽምና ዘይኰነስ ኣብ ልቢ እቲ ሓቂ ድሮ ዚዓዪ ዘሎ ሓጐስ ዚግለጽ" እዩ።

ብጽእና ካብ ክውንነት ክንሃድም ወይ ሓጐስ ናብ ርሑቕ መጻኢ ኸነናውሖ ኣይዕድመናን እዩ ። ኣብቲ እንነብረሉ ዘለና ነገራት ተነቃፍን ዘይውዳእን እኳ እንተ መሰለ ኣዕሚቝና ኽንነብር ይሓተና። ናብ ምሉእ ህይወት ዚመርሕ መገዲ በቲ ጭቡጥ ተመክሮና በቲ ንሕና ምዃንናን እንነብረሉ ነገራትን ከም ዚሓልፍ ዘበስር እዩ” እንክብሉ ኣባ ፓዞሊኒ የዘካኽሩ።

ሓድሽ ናጽነት ኣብ ግዳማዊ ኩነታት ዝምርኮስ ኣይኮነን

ብጽእና "እዛ ህይወት እዚኣ ድሮ ንምልኣት ህይወት ከነስተማቕር እንኽእል ቦታ" ምዃኑ የረጋግጸልና። ብጽእን ጅግንነት ዝመልኦ መገዲ ኸም ዘይገልጾ ዘጒልሑ ኣባ ፓዞሊኒ፣ "እንታይ ደኣ ነቲ ኽንነብር እተዋህበና ነገራት ዋላ እውን ድኻምን ጽምዋን መስጐጕትን ዘጠቓልል እኳ እንተ ዀነ ብትሕትና ብምስትዓውል ንኽንነብሮ ዝመርሓና እዩ። እቲ ክውንነት ናይ ሓጐስ ቦታ ክኸውን ከም ዝኽእል ይሕብረና።

እዚ ማለት ከኣ ህይወት ክትደናጐ ወይ ሓሳባዊ ክኸውን ዘይኮነስ፡ በቲ ዘሕዝን ጭቡጥን ልዕል ዝበለን ጭቡጥ ባህርያታ ኽትቅበል ኣለዋ ማለት እዩ። ወንጌላዊ ሓጐስ ንቝስሊ ኣየጥፍኦን እዩ የግዳስ ብእኡ ኣቢሉ ይሓልፍን ይልውጦን፡ እዚ ድማ ነታ ዝዓበየት ፍቕሪ ማለት ይቕረ ናብ እትብል ፍቕሪ ክፉታት ይገብረና። ነዚ ክውንነት እዚ ምስዓብ ኣብ ደጋዊ ዅነታት ዘይምርኰስ ሓድሽ ሓርነት ዚውለድ።

ቅንዋት፡ ሳዕቤን ፍቕሪ

እቲ "ምስጢር ስቓይ ክርስቶስ ኣብ ኣካል ኣማኒ ይንጸባረቕ" ዚብል ሓሳብ ብምቕራብ ድማ ኣባ ፓዞሊኒ፣ ከምቲ ፍራንቸስኮ ኣብ ከረን ላ ቬርና ዝተቐበሎ ቅንዋት - ቢሎም - ኣምላኽ "ስቓይና ክረውይን ወይ ክኸብርን ኣየድልዮን እዩ፡ ንሰብ ኣዕሚቑ ኺትንክፍ እንከሎ ስቓይ ኣይውስኸሉን እዩ የግዳስ ነቲ ድሮ ኣብ ታሪኹ ዘሎ ነገራት ይቕይሮን ይልውጦን። እዚ ድማ ምልክትን ሳዕቤንን ፍቕሪ ይገብሮ።" ቅዱስ ፍራንቸስኮ ብድኹም ኣካላቱ ናብ ጎቦ ላ ቬርና ደየበ፣ ነዕይንቱ ድማ ናብ ዑረት ዚመርሕ ሕማም እውን ኣጋጢምዎ እዩ። ከምኡውን በቲ ካብ መጠን ንላዕሊ እናዓበየ ዝኸይድ ዝነበረ ዝመስረቶ ማሕበሩ ከም እተገለለ ዀይኑ ክስምዖ ዝገብር "ዓብዪ ፈተና" ንመንፈሱ ብርቱዕ ከበድ ኮይንዎ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣብኡ ኸኣ ኣምላኽ ጣልቃ ዚኣቱ "ነቲ ድሮ ኣብ ህይወት ዘሎ ቝስሊ ብምቕያር እምበር ሓድሽ ቍስሊ ብምውሳኽ" ኣይኰነን።

ስቓይ ፍራንቸስኮ - ፍሽለት ውጥናትቱ ዘይምርድዳእ ኣሕዋት ጽምዋ ናይቲ ብዘይ ገደብ ገዛእ ርእሱ ኣሕሊፉ ዘወፈየ ሰብ - ኣብ ውሽጡ ዝስከሞ ጾር ካብ ምዃን ኣቋሪጹ ናይ ርክብ ቦታ ይኸውን። እቲ ካብ ካልኦት ዚፈልዮ ዚመስል ነገር ምስ ክርስቶስ ዘሕብሮን ምስ ኣሕዋቱ ኸም ዚዕረቕን ዚገብሮ እዩ፣”

ቃንዛ ናይ መወዳእታ ቃል የብሉን

እምበኣር ይብሉ ኣባ ፓዞሊኒ፡ እቲ ቅንዋት “ናይ ውሽጣዊ ለውጢ ርኡይ ዝገብር ምልክት” ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ፍራንቸስኮ ካብ ላ ቨርና “ምልክት ቅንዋት ዘለዎ ኣካልን ነጻ ልብን” ሒዙ እዩ ዝወረደ። ቃንዛ ዘጥፍእ ዘይኮነስ ድሕሪ ሕጂ ቃንዛ ናይ መወዳእታ ቃል ከም ዘይብሉ ዘረጋግጽ እዩ። እዚ ሎሚ ንዓና ብስራት እዩ። መከራ ዝጠፍእ ዘይኮነስ ናይ ምዕጻው ሓይሊ ከም ዘይብሉን ናይ መወዳእታ ቃል ከም ዘይኮነ ነስተውዕል። ኣብ መዓሙቕ ልብና፣ ዋላ ሓንትን ዝኾነ ሰብን ክወስዶ ዘይክእል ሰላም ንረክብ።”

ናይ ህይወት ቃንዛ ኩሉ ግዜ ዘይንርድኦን ብዙሕ ግዜ ክንቅበሎ እንቃለስን ምልክታት ኣባና ይሓድግ። እዚ ቝስሊ እዚ ንኽልተ ኣማራጺታት ክፉት ኢዩ፡ ኣብ ቂምታን ወይ ምህዳምም ክዓጽወና ዝኽእል ወይ ከኣ ናይ ዕቤትን ናጽነትን ቦታ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

ናይ መወዳእታ ዕድል ምልዋጥ

ፍራንቸስኮ ኣብተን ቅድሚ ሞቱ ኣብ ዝነበራ ኣዋርሕ “እቲ ዝኸበደ ተግባር ይፍጽም፡ ልመና ይመሃር”፡ እንጌራ ዘይኮነስ፡ ንምጽንናዕ ምቅርራብ ለውሃትን ክቕበል ተምሃር። ኣብ ናይ ኣሲዚ መንበረ ጳጳስ ክንክን ክወሃቦ ድማ ተሰማምዐ። እዚ ድማ "ድኽነት፡ ኣብ እዋን ምንባርን ሞትን ካልኦት ሰባት ከም ዘድልዩኻ ምፍላጥ እዩ፡ ንሞት ሓብተይ ቢሉ ኺጽውዓ እንከሎ፡ እዚ ኣገላልጻ እዚ "ዜጸናንዕ ምሳልያዊ ኣይኮነን” የግዳስ "ፍረ ናይ ነዊሕ ጕዕዞ ዕርቂ" እዩ። ምኽንያቱ ከምቲ ኣብ እብራውያን ተጻሒፉ ዘሎ፡ ድያብሎስ ንሞት ፈሪሕና ንህይወት ባሮት ክንከውን ስለ ዝደሊ - ቢሎም - ፍቕሪ ክርስቶስ ኣብ ውሽጥና ሓድሽ ህይወት ክህሉ ይገብር፡ በዚ ድማ ፍርሒ በብቝሩብ ይጠፍእ ሞት ከኣ ገጹ ይቕይር ናይ መወዳእታን ፍጻሜን ድማ ናይ ምልዋጥ ኣጋጣሚ ይኸውን። ንዅሉ እቲ እንጣበቐሉ ነገራት ሓዲግና ንገዛእ ርእስና ብዘይ ምቍራጽ ንፍትሓውን መሓርን ዓይኒ ኣቦ እንህበሉ ህሞት እዩ።

ፍራንቸስኮ፡ መወዳእታ ናብ ሞት ከም ዝቐረበ ምስ ተሰመዖ፡ ገዛእ ርእሱ ናብቲ ኣብ ዓለም ኣዝዩ ዝፈትዎ ቦታ ይመርሕ። ኣብኡ ድማ ሮማዊ ዓርኩ ጃኮፓ ደይ ሰተሶሊ ይበጽሖ፣ ነቲ ኣዝዩ ዝፈትዎ ምቁር መግቢ ከምጽኣሉ ድማ ሓተቶ። እዚ ናይ መወዳእታ ተግባር እዚ ናይ ፍራንቸስኮ ወንጌላዊ ድኽነት፡ “ናይ ገዛእ ርእስካ ተነቃፍነት ክትርይ ዝገብር እዩ። “ተነቃፍነትካ ምቕባል ንገዛእ ርእስኻ ንጹሕ መልክዕ ምሃብ ምዃኑ፡ ክሳዕ መወዳእታ ክትፍቀር ምፍቃድ ድማ እቲ ዝዓበየ ናጽነት ምዃኑ” ተማሂሩ፡ በዚ ኣቢሉ ድማ ንሞት ይቕበላ።

ዕርቃኑ ኣብ ምድሪ

ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ጅግና ክርስቲያን ዘይኰነስ ድኻ ዀይኑ ኸም ዝሞተ ኣብ ፓዚሊን ኣዘኻኺሮም፡ ዕርቃን ብዘትርፍ ድኽነት ተጎልቢቡ ድማ ዓረፈ። እዚ ኸኣ ናይ ምሉእ ህይወቱ ፍጻሜ እዩ ነይሩ፣ ከመይሲ ምስቲ  ዝነበሮን ክዳኑኑ ቀንጢጡ ምሉእ ህይወቱ ዝገበሮ ጉዕዞ ዘተሓሓዝ እዩ።

ኣብ ኣደባባይ እታ ኸተማ ንዅሉ ኽዳውንቱ ቐንጢጡ ዕርቃኑ ዝኾኖ - ሓርነት ክዳኑ ከም ዝገበሮ። ኣብ ምወዳእታ እውን ነዛ ሓርነት እዚኣ እዩ ተኸዲኑ ዝነበረ፡ ሕጂ ኣብ መወዳእታ ጕዕዞኡ እቲ ናይ መወዳእታ ክዳን እውን ኣየድልዮ እዩ።" ነቲ ሰናይ ናይ እምነት ውግእ ተዋጊኡ። ናይ ሓቂ ውሉድ ኣምላኽ ድማ ኮነ። ኣብ መጀመርታ ዓለም ኣብ ዘፍጥረት ከም እነንብቦ ንኣዳምን ሄዋንን "ዕሩቕ ምዃን ግልጽነት እዩ ዝውክል ዝነበረ። ንዂሉ ነገር ከም ህያብ ስለ ዝቕበሉ ብዘይ መከላኸሊ ዝነብሩ ሰባት ዝነብርዎ ኩነት እዩ። ህይወት ክትውንን ክትዕቈብን ከም ዘለዋ ብምሕባር ጥርጣረ ዘምጽእ ተመን እዩ።" ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ድማ ዕርቃን ውርደት ኰነ።

ክርስቶስ ነዚ ታሪኽ እዚ ኣብ መስቀል ይዛዝሞ፣ ዕሩቕን መባጨውን ድማ ኮነ ግን ከኣ ነዚ ኩነት እዚ ይባርኾ። ኣብኡ ኸኣ እዩ ኣምላኽ ንሰብ ኣብቲ ኣዝዩ ተነቃፊ ዝዀነ ቦታ ህላወኡ ዚበጽሖ፡ ንዅሉ እቲ ብዛዕባ ህይወትን ሞትን ዘሎ ምጥርጣር ድማ ንሓዋሩ ዜወግዶ። ንፍርሂ ዚኸውን መድሃኒት ሓያል መከላኸሊ ዘይኰነስ ብኣንጻሩ ንገዛእ ርእስኻ ምክልኻል ኣቋሪጽካ ኣእዳውካ ኸፊትካ ምቕባል ተምሃር።

"እቲ ናይ መወዳእታ ፍራንቸስኮ ዝነበሮ ዕሩቕ ህይወት ናይ ሰቒለ ህሊናዊ ጕዕዞ ጥራይ ኣይኰነን። ምስ ገዛእ ርእስኻ ምትዕራቕ ማለት እውን እዩ፡ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ቤተክርስትያን ከም ቅዱስ ኣፍልጦ እትህቦ።

ናይ ገዛእ ርእሱ ተኣፋፍነት ኪቕበል ከም ውላድን ሓውን ኰይኑ ኺነብር ስለ ዝተማህረ እዩ፣ ብንኡስነቱ ድማ ኣይሓፍረን። ኣብዚ ንኡስነት ምቕባል እዚ እዩ ፍራንቸስኮ ዝዓበየ ሓርነት ዝረኸበ፣ እዚ ኸኣ ንገዛእ ርእሱ ንቤተ - ክርስትያንን ንዓለምን ብልግሲ ብዘይ ዕቃበ ብዘይ ሕሳብን ብዘይ መከላኸልን ብናጽነት ከወፍይ ዘኽኣሎ።”

ጉዕዞ ናብ ሓርነት ደቂ ኣምላኽ

ጕዕዞ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ብዓል ኣሲዚ ንውሑዳት እተሓጽረ ኣይኰነን "የግዳስ እቲ ወንጌል ንነፍሲ ወከፍ እተጠምቀ ሰብ እተመባጽዖ ክሳዕ መወዳእታ ምፍቃርን ብስቓይ ከይተዋሕጠ ክትጻወሮን ዘኽእል ናጽነት ምሉእ ብምሉእ ዝነብር ህይወት እዩ።" እቲ ናይ ጓሶት ኣገልግሎት ኣዝዩ ተነቃፊ ዝዀነ ምስክርነት እዩ።

ወንጌል ምስ ፍርሕና ከነመዓራርዮ፡ ናብ ዘረጋግእ ሓሳብ ከነጉድሎ ወይ ድማ መልክዑ ዝዕቅብ ግን ከኣ ካብቲ ሓቀይና መንፈሳዊ ሓይሉ ባዶ ዝገብሮ ናብ ዝተኣኻኸበ ሃይማኖታዊ ልምድታት ክንንክዮ ኣይንኽእልን ኢና። ሕሱር ክርስትና ምቕራብ ኪበሃል እንከሎ ንሰብኡትን ኣንስትን ብሓቂ ዘድልዮም ነገር ማለት ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ኪመርሖም ዚኽእል መገዲ ምኽልካል ማለት እዩ።

ብቅዱስ ፍራንቸስኮ ዝተኣወጀ ወንጌል፣ ኣቋራጺ መንገዲ ዘቕርብ ዘይኮነስ፡ "ናብ ሓርነት ደቂ ኣምላኽ ዝመርሕ ናይ ምንጻሕን ምልዋጥን ጕዕዞ ንኽንጅምር የኽእለና" ዝበሉ ኣባ ፓዞሊኒ፡ ዕማም ጓሶት ቤተ - ክርስትያን "ነዚ ሓቂ እዚ ብዘይምብኻን ምሕላው ኣብ ክርስቶስ ናብ ምሉእ ብስለት ማዕጾ ዝኸፍት መገድታት የመልክት። ኣብዛ ንቅዱስ ፍራንቸስኮስ እነስተንትነላ ዓመት ​​“ነፍሲ ወከፍ በቲ ክርስቶስ ንምፍላጥ ንስጉምትታት ሕይወቱ ዝመርሖ ድሌት፡ ክንናውጽ ንፍቐድ” እንክብሉ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

30 Mar 2026, 15:49