ቅድስቲ መንበር፦ ናይ ወጻኢ ዕዳ ንዑደት ድኽነትን ዘይምዕሩይነትን የቐጽል
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ጀነቫ ኣብ ዝተኻየደ መበል 61 ስሩዕ ጉባኤ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ተሳቲፎም መደረ ዘስምዑ ኣብቲ ውድብ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ኤቶረ ባሌስትረሮ፥ ዕዳ ወጻኢ ኣብ ጎደና ምዕባለ ንዝርከባ ሃገራት ዘለዎ ጽልዋን፡ ዝፈጥሮ ድኽነትን ዘይምዕሩይነትን ዘጉህይ ምዃኑ ብምምልካት፡ ዕዳ ንዝያዳ ተቓላዕቲ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዘሳቕይ ግብረ ገባውን ሰብኣዊ መሰላትን ጉዳይ ምዃኑ ከም ዘጒልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ዕዳ ከም ሞራላውን ሰብኣዊ መሰላትን ጉዳይ
"ኣብ ብዙሓት ሃገራት ብፍላይ ከኣ ኣብ ደቡብ ዓለም ኣገልግሎት ዕዳ ንሓባራዊ ረብሓ ክውዕል ዝግብኦ ሃብቲ ዝምንዝዕ ኢዩ" እንክብሉ ሊቀ ጳጳሳት ባለስትረሮ ኣብሪሆም፡ "ከም መግቢ ጽሩይ ማይ ጥዕና መንበሪ ከምኡውን ንማሕበራዊ ዕቝባ ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ኣድላይነታት ብህጹጽ ክውዕል ዝግብኦ ሃብቲ ገንዘብ ዝምንዝዕ እዩ። ጾር ዕዳ ኣዚዩ ከቢድ ምስ ዝኸውን፡ ሃገራት ዘይከኣል ምርጫታት የጋጥመን፡ ማለት ንኣለቃሕቲ ክመልሳ ወይ ኣብ ልዕሊ ህዝበን መሰረታዊ ግዴታታት ክፍጽማ” ኣብ ዝብል ስግጢር ክወድቃ ይገብረን፡ እዚ ድማ ቍጠባዊ ጸገም ጥራይ ዘይኮነ ዓሚቝ ስነ-ምግባራውን ሰብኣዊ መሰላትን ቅልውላው ኢዩ - ቢሎም - እቲ ዕዳ ካብ መጠን ንላዕሊ ምስ ዝኸውን ንምሕደራ ሃብቲ ገንዘብ ይትክእ፡ ንኣገደስቲ ስጉምትታት ዝቆጻጸር ይኸውን፡ ከምኡ’ውን “ዑደታት ድኽነትን ዘይማዕርነትን የቐጽል። እዚ ድማ ኣብ ምርግጋጽ ቁጠባዊ፡ ማሕበራውን ባህላውን መሰላት ብቐጥታ ይጸሉ” እንክብሉ የስተብህሉ።
ሰናይ ምሕደራን ህዝባዊ ምትእምማንን
ሊቀ ጳጳሳት ባሌስትረሮ፥ ዕዳ ዘለወን ሃገራት “መትከላት ሰናይ ምሕደራ፣ ግሉጽነት፣ ተሓታትነትን ሓላፍነትን” ዘማእከለ ስርዓታት ክኽተላ ይግባእ፡ እዚ ማለት መንግስታዊ ምምሕዳር ሃብቲ ገንዘብ ኣብ መንጎ ትካላትን ዜጋታትን ኣብ ምትእምማን ዝተመርኮሰ ክኸውን ኣለዎ። ግብርን መንግስታዊ ወጻኢታትን ከም ፍትሓውን ናብ ናይ ሓባር ረብሓ ዝቐንዐን ኮይኑ ክረአ እንከሎ፡ ማሕበራዊ ምትእስሳርን ወለንታዊ ምኽባር ግቡእነት ይምዕብል፡ እዚ ኸኣ ሃገራት ጸጋታት ናይ ምውዳብ ዓቕመን ከስፍሓ የኽእለን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ሰብኣዊ መሰላት ቅድሚ ምምላስ ዕዳ
“ግርጭታት ምስ ዝፍጠሩ፡ ግዴታታት ሰብኣዊ መሰላት ካብ ምኽፋል ዕዳ ንላዕሊ ክቕድም ኣለዎ፡ ኣለቃሕቲ፡ ክሌኣዊ ወይ ብዝሓ ጎናዊ ይኹን ብሕታዊ፡ ኣሰራርሓ ልቓሕ ሰብኣዊ ክብሪ ዘኽብርን ድኽነት ወይ ጸገም ከምዘይውስኽን ከረጋግጹ ኣለዎም።” ብተወሳኺ “ዘይሕጋዊ ዕዳታት፡ ውድድር ግብርን ሃዳናይ ልቓሕን ነቲ ማሕበራዊ ውዕል ከም ዘበላሽዎን ሃገራት ቀንዲ ግዴታታት ንምምላእ ዘለወን ዓቕሚ የተዓናቕፍ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ዓለምለኻዊ ስጕምቲ ንምውሳድ ጻውዒት
ብጹዕነቶም ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ጠቒሶም "ዓለምለኻዊ ዘይማዕርነት ንምውጋድ ዝከኣለና ዅሉ ኽንገብር ኣሎና [...] እዚ ድማ ኣብ መንጎ ኣህጉራትን ሃገራትን ኣብ ውሽጢ ውልቀ - ሕብረተ-ሰብን ዓሚቝ ምግምማዕ ይፈጥር ኣሎ" እንክብሉ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ይሕብር።