ልኡካነ ወንጌል ኣብ ስነ ኣሃዛዊ ዓውዲ፡ ‘ንተጽዕኖ ፈጠርቲ መን ይጽለዎም?
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
"እቲ ሸቶ ኣብ ስነ ኣሃዛዊ ዓለም ጥራይ ዘይኰነስ ናብቲ ሰባት ዘለውዎ ቦታ ምኻድ መገዲ ምኽፋት ከምኡውን ናብ ቤት ኣቦኦም ምእንቲ ኺመጹ ምሳታቶም ምኻድ" ዝብል ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳያት ዝከታተል ላዕልዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ የኔታ ሉሲዮ ሩዊዝ ኣብቲ "ስነ ኣሃዛዊ መድረኽ ልኡካነ ወንጌል ንዝኾኑ እንታይ ሕንጸት የድሊ?" ብዝብል ኣርእስቲ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ መኽፈቲ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣመላኺቱ፡ እዚ ኣኼባ እዚ ኣብ ሮማ ሊቃውንቲ፣ ክኢላታት መራኸቢ ብዙሓን፣ ካህናትን ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወትን ኣራኺቡ ነቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ተርእዮ ኣብ ስነ ኣሃዛዊ ስብከት ወንጌል ብዕምቆት ብምምርማር ተጋባእያን ካህናት፡ ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወት ዓለማውያን ምእመናንን ኣብቲ ንሰብኣዊ ዝምድናታትን ማሕበራዊ ህይወትን እናቐረጸ ዝኸይድ ዘሎ ስነ ኣሃዛዊ ባህሊ ወንጌል ንምእዋጅ ከመይ ገይሮም ብዝበለጸ ክዳለዉ ከም ዘለዎም ዘስተንተ ምንባሩ ኣፍሊጡ።
እቲ ዕለት 17 መጋቢት 2026 ኣብ ጳጳሳዊ ቅዱስ መስቀል መንበረ ጥበብ ኣብ ዝረክብ “ዮሓንስ ጳውሎስ ዳጋምዊ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዝተኻየደ ብዛዕባ መጻኢ ህላወ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ስነ ኣሃዛዊ ሃዋህው ተገዳስነት ዘለዎም ኣስታት 200 ዝዀኑ ተጋባእያን ከም ዘራኸበን ኣርባዕተ ጳጳሳውያን መናብርተ ጥበብ - ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ቅዱስ መስቀል፡ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ፡ ጳጳሳዊ ግረጎሪያን መንበረ ጥበብ ከምኡ’ውን ሳሌዥያን ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ፡ ምስ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብምትሕብባር ዘዳለወኦ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።