ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መራኸቢ ብዙሓን ቅድስቲ መንበር ምስ መደበራት ሬድዮ ፖላንድን ሓድሽ ስምሞ ከቲሙ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መራኸቢ ብዙሓን ቅድስቲ መንበር ምስ መደበራት ሬድዮ ፖላንድን ሓድሽ ስምሞ ከቲሙ 

ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መራኸቢ ብዙሓን ቅድስቲ መንበርን መደበራት ሬድዮ ፖላንድን

ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መራኸቢ ብዙሓን ምስ ካብ ዝተፈላለየ ዞባታት ፖላንድ ዝመጻ ዓሰርተ መደብራት ፈነወ ራዲዮ ኣዳለውቲ ጉጅለታት ናይ ምትሕብባር ስምምዕ ከም ዝኸተመን እዚ ድማ እዘን መደበራት እዚኣተን ብሓባር ብዓሰርተታት ሚልዮናት ንዝቑጸሩ ሰማዕቲ ዝበጽሕ ብዛዕባ ቅዱስ ኣቦናን ቅድስቲ መንበርን ዝምልከት ሓበሬታት ከካፍላ ምዃነን ዘረጋግጽ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

በዚ ኣጋጣሚ እዚ ናይተን ፖላንዳውያን መደብራት ራዲዮ ጉጅለ ዋና ኣሰናዳእቲ ዕለት 18 መጋቢት ኣብቲ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ናይ ዕልተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከም እተሳተፉን ኣስዒቦም እውን ምስ ናይ ዜና ቫቲካን ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊን ምኽትሉን ማሲሚሊያኖ መኒከቲን ምስ ሓላፊ ዜና ቫቲካን መደብ ቋንቋ ፖላንድን ሎሶርቫቶረ ሮማኖ ናይ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ክፍሊ ሕታም ቋንቋ ፖላንድ ሓላፊ ኣባ ፓቨል ርይተል ኣንድሪያኒክ ከም እተራኸቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብዛ ብኲናት ዝተለለየት ዓለም መልእኽቲ ተስፋ ምዃን

እቲ ስምምዕ ብስም ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ህየንተ ፓውሎ ሩፊኒ ዝኸተሙ ናይዚ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ የኔታ ሉሲዮ ኣድሪያን ሩይዝ ምዃኖም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ እብቲ ስነ ስርዓት ፍርርም፡ “እዚ ኣገዳሲ ህሞት እዩ፣ ምኽንያቱ ኩላትና ኣብ መራኸቢ ብዙሓን እንሰርሕ፡ ኣብ ዓለም ሓቂ ምትሕልላፍን ኣብ ልቢ ሰባት ተስፋ ናይ ምዝራእን ዓቢ ሓላፍነት ኣሎና” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ብሚልዮናት ናብ ዝቑጸሩ ሰማዕቲ ምብጻሕ

ሓላፊ ፖላንድ ሬድዮ ሉብሊን ሚሮስላው ካስፕርዛክ ብወገኑ ነታ ጉጅለ ኣሰናዳእቲ ወኪሉ ኣብ ዘስሞኦ መደረ፡ ምስ መራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን ምትሕብባር ኣብ ፖላንድ ንዝርከቡ ዞባዊ ፈነወታት ተልእኾ ህዝባዊ መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝውክል ምዃኑ ኣመልኪቶም፡ ትሕዝቶ ዞባዊ መደበራት ሬድዮ ፖላንድ ንኣስታት 60 ሚልዮን ተጠቀምቲ ቋንቋ ፖላንድ ከም ዝበጽሕን፡ እዚ ድማ ኣስታት 37 ሚልዮን ኣብመ ውሽጢ ሃገር፡ ዳርጋ 20 ሚልዮን ድማ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዘለዉ ዘጠቓልል ምዃኑ ሓቢሮም፡  “ኣብነትና ካልኦት ክፍልታት ቋንቋታት ራድዮ ቫቲካን - ዜና ቫቲካን ተመሳሳሊ ስምምዓት ንኽፍርሙ ከተባብዕ ተስፋ ንገብር” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

20 Mar 2026, 15:36