FILES-US-HAITI-CUBA-NICARAGUA-MIGRATION-CHARTER FLIGHTS

ሃገረ ኩባ ምስ ቅድስቲ መንበር ድሕሪ ምዝርራባ ኣብ ሰሙነ ሕማማት 51 እሱራት ክትፈትሕ ኢያ

መንግስቲ ሃገረ ኩባ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ዝመጽእ መዓልትታት ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ እሱራት ይቕረ ንምባል እተገብረ ውሳኔ፡ ብሠናይ ድልየትን ምስ ቅድስቲ መንበር ብዘለዎ ተቀያያሪ ዲፕሎማስያዊ ርክባትን ከም እተወስደን፡ ኣብ ጊዜ ሰሙነ ሕማማት ክፍትሑ ምዃኖምን ገሊጹ።

ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን

 

ዳይረክተር ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ዜናን ማኅተምን ቅድስቲ መንበር ማትዮ ብሩኒ፡ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን፡ ሰበ-ስልጣን ኩባን፡ ኣብ ደሴት ካሪብያን ናይ ዝርከቡ "ብዛዕባ ምፍታሕ እሱራት" ምይይጥ ከም እተገብረ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣረጋጊጹ።

ነዚ ስዒቡ ብሰበ-ስልጣን ኩባ ሓሙስ ዝወጸ መግለጺ፡ "ብመንፈስ ናይ ሠናይ ድሌትን፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኩባን፡ ቫቲካንን ዘሎ ናይ ቀረባን፡ ተቀያያሪ ርክባትን - ብዛዕባ መስርሕ ገምጋምን ናጽነቶም እተኸልከሉ ሰባትን ብታሪኻዊ መገዲ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ዝጸንሐ ርክባት - መንግስቲ ኩባ ኣብ ዝመጽእ ቀረባ መዓልታት ካብቶም ተኣሲሮም ዘለዉ 51 ሰባት ክፈትሕ ወሲኑ ኣሎ ዝብል ኢዩ።"

እቲ መግለጺ ኵሎም "ኣገዳሲ ክፋል ፍርዶም ዘሕለፉን፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጽቡቕ ጠባይ ዝነበሮምን" እሱራት ምዃኖም እውን ይገልጽ።

ልምዲ ኩባ

እቲ መንግስቲ ቀጺሉ ካብ 2010 ንነጀው ልዕሊ 9,900 እሱራት ናይቲ ዝግበር ዘሎ ይቕረታ ተረባሕቲ ከም ዝኾኑ ይገልጽ።

ኣስዕብ ኣቢሉውን "ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ከም ክፍሊ ልምዲ ኩባን፡ ብመሰረት ሕጋዊ ዓንቀጻትን ካልኦት 10,000 ተኣሲሮም ዝነበሩ ሰባት ብእተፈላለየ ዓይነት ሕጋዊ ረብሓታት ከም ዝተፈትሑ" ይገልጽ።

ሰሙነ ሕማማት

ኣብ መወዳእታ እቲ መግለጺ፡ እቲ ውሳነ ኣብ ስርዓት ገበናዊ ፍትሒ ኩባ ልሙድ ተግባር ከም ዝዀነን፡ "ነቲ ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ምስ ሃይማኖታዊ በዓላት ናይ ሰሙነ ሕማማት ዚሰማማዕ፡ ሰብኣዊ መስመር ናይ ሰውራ ዜንጸባርቕ" ምዃኑን ይሕብር።

 

14 Mar 2026, 11:25