ካርዲናል ሳኮ ካብ ስርዓት ከለዳውያን ፓትርያርክ ባግዳድ መዝነቶም ተሰናቢቶም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብመሰረት ምስራቓዊ ሕገ ቀኖና 126 ሕጡብ 2 መሰረት CCEO) ስርዓት ከለዳውያን ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ካርዲናል ሉዊስ ራፋኤል ሳኮ ብዕድመ ምድፋእ ምኽንያት ካብ ምዝነቶም ንኽሰባቱ ዘቕረብዎ ሕቶ ተቐቢሎም እወታዊ መልሲ ከም ዝሃብሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
መግለጺ ካርዲናል ሳኮ
ካርዲናል ልዊስ ራፋኤል ሳኮ ዕለት 1 መጋቢት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ድሮ ቅድሚ ክልተ ዓመት ማለት 75 ዓመት ምስ ገበሩ ካብ ምዝነቶም ክወርዱ ሓሲቦም ከምዝነበሩን ሽዑ ነዚ ሕቶ እዚ ንርሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከም ዘቕረቡሎምን ቅዱስነቶም ድማ ኣብ መዝነተይ ንኽጸንሑ ከም ዝሓተትዎምን በዚ ተተባቢዖም ድማ ኣብ ምዝነቶም ከም ዝቐጸሉ ኣብሪሆም፡ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ካብ መዝነቶም ንኽሰባቱን "ብህድኣት ንጸሎትን ንምጽሓፍን ንቐሊል ኣገልግሎትን ኪውፍይ" ዘለዎም ድላይ ብምግላጽ ስለዚ ብዛዕባ ዘቕረብዎ ካብ ምዝነቶም ናይ ምልቓቕ ሕቶ "ግጉይ ምርዳእ ምእንቲ ኸይህሉ" ስለ ዝደለዩ ድማ ገሊጾም፡ ስለዚ ብዘይ ገለ ምስግዳድ ብፍታዎም ካብ መዝነቶም ንኽሰንበቱ ንቕዱሰንቶም ከም ዝሓተቱ ኣረጋጊጾም፡ “ንቤተ ክርስቲያን ከለዳውያን ኣብ ትሕቲ ኣዝዩ ከቢድ ኩነታትን ኣብ መንጎ ዓበይቲ ብድሆታትን፡ ንሓድነት ትካላታ ዓቂበ ካብ ምክልኻሉ ድማ ኣይቦኸርኩን” ብተመሳሳሊ "ንመሰላት ዒራቓውያንን ክርስትያንን ኣብ ውሽጥን ወጻእን ደው ከም ዝበሉን ህላወኡን ከም ዝዓቀቡን” የረጋግጹ።
ኣብ ምሕዳስ ዝኣምን ሓድሽ ፓትርያርክ
ካርዲናል ልዊስ ራፋኤለ ሳኮ ኣብ ባቕዳድ ዘሕለፍዎ ናይ 13 ዓመታት “ሓላዪን ዘጽንዕን ፍቕራዊ ጉስነት ብምቕራብ፣ ንእግዚኣብሔር “ስለቲ ንዓኦምን ስድራኦምን፣ ኣብ ሞሱል ካህን፣ ኣብ ኪርኩክ ጳጳስ፣ ኣብ ባቕዳድ ፓትርያርክ ኮይኖም ዘገልገሉለን ዓመታት ምስኦም ዝነበሩን፣ ከምኡ’ውን ንተሓጋገዝቶምን ዝተዋህቦም ጸጋ ፍቕሪ” ብምምስጋን ከም ዘዘንተዉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ “ኣብዚ ጽንኩር እዋን፡ መሪሕነት ከለዳዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ንሓደ ጽኑዕ ቲዮሎጊያዊ ፍልጠትን ትብዓትን ጥበብን ዝውንን ኣብ መንበር ከለዳውያን ባቕዳድ እውን “ኣብ ተሓድሶን ግሉጽነትን ዘተን ዝኣምን፡ ከምኡ’ውን ናይ ዋዛ ስምዒት ዘለዎ ፓትርያርክ ሓላፍነት ክወሃቦም ተስፋ እገብር” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
እቲ ለበዋ
ኣብ መወዳእታ፡ ካርዲናል ልዊስ ራፋኤል ሳኮ ኣብቲ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ገና ናይ ሰበኻ ካህን እንከለዉ ዝጽሕፍዎ ለበዋ ብተደጋጋሚ ይሕድስዎ ከም ዝነበሩን ብምምልካት "ልዕሊ 52 ዓመት ናይ ክህነት ኣገልግሎቶ ደሞዝ ከምኡውን ኣብ ሞሱል ዝርከብ ስድራ ቤቶም ዘውረስዎምን ንብረት ካብ ምሻጥ እተረኽበን እተኣከበ ዳርጋ ኣርብዓ ሚልዮን ዲናር ዒራቕን ሓሙሽተ ሽሕ ዶላር ኣመሪካ ከምኡውን ሓሙሽተ ሽሕ ዩሮ" ከም ዘሎን ናይ ግሊ ገዛ ወይ ማኪና ኸም ዘይብሎም "ሓቀይና ሃብቶም ድማ ውፉይ ኣገልግሎቶምን እቲ ዝደረስዎን ዘሕተምዎን 45 መጻሕፍትን ሓያሎ ዝጸሓፍዎ ሰነዳትን" ምዃኑ ኣጒሊሖምዝሃብዎ መግለጺ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።