2026.03.07 Ordinazione episcopale di mons. Relwendé Kisito Ouédraogo presieduta dal cardinale Parolin 2026.03.07 Ordinazione episcopale di mons. Relwendé Kisito Ouédraogo presieduta dal cardinale Parolin 

ተልእኾ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኣብ መንጎ ምክፍፋላት፣ ሰላምን ሓድነትን ምሕናጽ ኢዩ

ኣብ ከተማ ያግማ ቡርኪናፋሶ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ዋና ጸሓፊ ወጻኢ ቅድስቲ መንበር፣ ቅብኣተ ጵጵስና ናይቶም ንብዙሕ ዓመታት ከም ብሕታዊ ጸሓፊ ብፁዕነቶም ኮይኖም ከገልግሉ ዝጸንሑ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ረልዌንደ ኪዚቶ ኡድራኦጎ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንብር ኣብ ሪፓብሊካዊት ኮንጎን ጋቦንን ንምምራሕ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ናይቶም ኣብ ሪፓብሊካዊት ኮንጎን ጋቦንን ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኮይኖም ከገልግሉ እተመዙ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ረልዌንደ ኪዚቶ ኡድራኦጎ ቅብኣተ ጵጵስና ሞሳን ተኣማንነትን ምትብባዕን ዘነቓቕሖ ስምዒታት እዩ ዝነብሮ።

እቲ ሥርዓተ ቅብኣተ ጵጵስና ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 7 መጋቢት ኣብ ሓቲ ንእሽቶ ቤተ ክርስትያን ደብረ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብ ከተማ ያግማ ቡርኪናፋሶ እትርከብ፣ ኣብ መበቈል ዓዲ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኪዚቶ እዩ ተኻይዱ። ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ነቲ ሥርዓተ ቅብኣተ ጵጵስና መርሕዎ። ሊቀ ጳጳሳት ኪዚቶ ንብዙሕ ዓመታት ናይ ብሕቲ ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ዀይኖም ከገልግሉ ዝጸንሑ ኢዮም።

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2010 ሊቀ ጳጳሳት ኪዚቶ ኣብ ክፍሊ ሓፈሻዊ ጕዳያት ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሕፊ ቅድስቲ መንበር ኣገልግሎቶም ጀመሩ፣ ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዞም ድማ ክሳዕ ዕለት 28 ጥሪ ናይዛ ዓመት እዚኣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብ ሪፓብሊካዊት ኮንጎ ብራዛቪል ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኮይኖም ከገልግሉ ምስ መዘዝዎም፣ ናይ ሰበኻ ሂልታ ስዪም ሊቀ ጳጳሳት ኮይኖም ቅብኣተ ጵጵስና ክቕበሉ ወሰኑ። ብዕለት 10 ለካቲት ኣብ ሊብረቪል ተወካሊ ቅዱስነቶም ክኾኑ ተመዙ።

ቅብኣተ ጵጵስና ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኣቡነ ኪዚቶ
ቅብኣተ ጵጵስና ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኣቡነ ኪዚቶ

ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ኣገልጊሎም

ሜጥሮጵሊሳዊ ሊቀ ጳጳሳት ኡጋዱጉ ብፁዕ ኣቡነ ፕሮስፐር ኮንቲቦ፣ ነቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ ሰላምታ ብምቕራብ ከፈትዎ። ካብ ቡርኪናፋሶን ሪፓብሊካዊት ሃገረ ኮንጎ ከምኡውን ጋቦንን ዝመጹ ጳጳሳትን ካህናትን ድማ፣ ነቲ ብባህላዊ መዝሙራትን ድሙቕ ሃዋህውን እተሰነየ ጽምብል ምስ ብዙሓት እሙናት ሓቢቶም ተሳተፈዎ።

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘካፈልዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ፣ ነቲ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኪዚቶ ኣብ ሮማ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሓሉ እዋን ብፍቕሪ ተዘክሮኦም ገለጹ፣ "ነቲ ወትሩ ኣዝዩ ጽዑቕ ዝነበረ ዕዮን ድኻምን፣ ኣብ ኣድማሳዊ ኣገልግሎት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ተሓባበርቲ ብምዃንና ዝረኸብናዮ ሓጐስን ዕግበትን እውን ክንካፍል ክኢልና ኢና" ክብሉ መስከሩ።

ይኹን እምበር እዚ ነዊሕ ዓመታት እዚ፣ ነዚ ሕጂ ዝተመዙሉ ተልእኾ፣ ማለት "ነቲ ጐይታ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣቢሉ ዘቕርበሎም ዘሎ ሓድሽ ተልእኾ" ንምድላው ኣገልጊልዎም እዩ። ካርዲናል ፓሮሊን ኣስዒቦም፣ ሕጂ ድማ እዞም ሓዲሽ ሊቀ ጳጳሳት "ናብታ ወትሩ ጥብቕ ርክብ ዝነበሮምን፣ ኣብ ሮሜ እንከለዉ እውን ዝውክልዋ ዝንበሩ ኣህጉር ኣፍሪቃ ይምለሱ ኣለዉ" በሉ።

ቅብኣተ ጵጵስና ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኣቡነ ኪዚቶ
ቅብኣተ ጵጵስና ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኣቡነ ኪዚቶ

ብቓላት ድንግል ማርያም እተሰነየ ኤጲስቆጶሳዊ ጭርሖኦም

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ወሲኾም፣ ንሊቀ ጳጳሳት ኡድራኦጎ ዘለዎም ዓሚቝ ምስጋና ገለጹ፣ "ስለቲ "ብዘይ መስዋእቲ ዘይነበረ” ዘወፈይዎ “ሓገዝን ምትሕብባርን" ድማ ተቒሶም ዘለዎም ሞሳ ገለጹ። እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ፣ ነቶም ሓዲሽ ሊቀ ጳጳሳት "ነዚ ሓድሽን ዘይተጸበኹሞ መዝነት፣ ብዓብይ ህድኣትን ምትእምማንን ኪዋጽእዎ እምሕጸን” ክብሉ ኣተባብዕዎም። እዚ መንፈስ እዚ ድማ ኣብቲ እዞም ሓድሽ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ነቲ ካብ ወንጌል ዮሓንስ ምዕራፍ 2 ቍጽሪ 5 ዝመረጽዎ  ኤጲስቆጶሳዊ ጭርሖኦም ተገሊጹ ዘሎ መንፈስ እዩ።

እዘን እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብቲ ኣብ ቃና ዘገሊላ እተገብረ መርዓ እተዛረበተን ቃላት፣ ንብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኪዚቶ ኣብ መጻኢ ንዝፍጽምዎ ነዊሕ ጕዕዞ ኸም ዝመርሖም ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ገሊጾም። እንተ ኾነ ግን ኣጸጋሚ እዋናት ብርግጽ ከጋጥሞም ምዃኑ ወሲኾም ገለጹ። ይኹን እምበር ኵሉ ግዜ ፍቓድ ኣምላኽ ንምፍጻም ምጽዓር 'ህድኣትን ሰላምን ኣብ ልቢ የምጽእ' እዩ ክብሉ እውን ኣጸናንዕዎም።

ኣብ መንጎ ምክፍፋልን ናይ ሓሶት ትንቢታትን ሰላምን ሓድነትን ሓቅን ምስፋን

ተልእኾ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር "ኣብቲ ጸልማትን ሓጢኣትን ምክፍፋልን ሓሶትን ዘለዎ ቦታትት ሓቂ ንምንጋስ" ምዃኑ ገሊጾም።

"ብትዕቢት ጥራይ ተመሪሖም ንመጓሰ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብናይ ሓሶት ትምህርቲ ኣብ ምክፍፋል ወይ ኣብ ምስሓል ኣጽዋር" ኣበርክቶ ዚገብሩ "ነብያት ሓሶት ኣለዉ" ቢሎም ብምጥቃስ ኣጠንቀቑ። ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ወሲኾም፣ ነዚ ዝኸውን ፈውሲ "ሰባኽ ሓቂ ከም ልቢ ኢየሱስ ዝኾነ ጓሳ" ምርካብ ከም ምዃኑ እውን ገለጹ።

ቅብኣተ ጵጵስና ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኣቡነ ኪዚቶ
ቅብኣተ ጵጵስና ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኣቡነ ኪዚቶ

ብዘይ ምቍራጽ ወንጌል ምስባኽ

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ቀጺሎም፣ ብዛዕባ እታ "ኑሲዮ" (ማለት ሃዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር) እትብል ቃል እውን ኣስተንተኑ፣ እዛ ቓል እዚኣ ትርጕም ነቲ እዚ ተልእኾ ባዕሉ ንዝሓቶ እትገልጽ እያ ክብሉ ኣመልከቱ።

"ኑንሲዩስ” ይብሉ ብፁዕነቶም “ናይ ካልእ ዝኾነ ቃል ምጻር እዩ፣ ማለት ቃል ክርስቶስ፡ ነቲ ምስ ኣገልግሎት ጳጳሳት ዝተሓሓዝን ከምኡውን ቃል ቅዱስ ኣና ብዛዕባ ዲፕሎማስያዊ ተልእኾን ኢዩ" ድማ በሉ።

ስለዚ ንሊቀ ጳጳሳት ኪዚቶ ወንጌል ኣብ ብሕታዊ ህይወትን ኣብ ወግዓዊ ርክባቶምን ዕለት ዕለት ብምንባር፣ ንዅሎም ደቂ ሰባት "ብተኣማንነትን ብዘይምቍራጽን" ኪሰብኹ ተማሕጸንዎም።

ኵሉ ሳዕ ድልድላትን ርክባትን ህነጹ

ሓደ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር፣ "ንምሕዋይን ንምጽንናዕንን" ከም እተላእከ መጠን፣ "ምሕረት ኣምላኽ ንዅሎም ደቅሰብ" ክገልጽን፣ ከምኡውን ዲፕሎማስያዊ ተልእኾኡ ኣብ ምፍጻምን፣ "ብስም ቅዱስ ኣቦና፣ ናይ ምሕዋይን ምጽንናዕን ቃልታት" ከበስር ኣለዎ፣ እዚ ድማ "ቤተክርስትያን ብፍቕሪ ተደሪኻ ኵሉ ሳዕ ንኹሉሎም ደቂ ሰባት ድልውቲ ምኻና ዘርኢ ኢዩ" ዝብል ተጸምዶ ክገልጽ ኣለዎ።

ብተወሳኺውን ሊቀ ጳጳሳት ኪዚቶ፣ "ንሓድነት ኣብ ምሕላው" ክንዲ ዝተጸውዑ፣ ወትሩ ኣብ ትሕቲ ጽላል ቅዱስ ጴጥሮስን ምስቶም ተኸታሊኡ ዝኾኑ ናይ ሮማ ጳጳስን ሕብረት ስለ ዘለዎ፣ በይኑ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። እዞም ሓድሽ ሊቀ ጳጳሳት "ኣብ መንጎ ህዝብታት ሕውነት ዘተባብዑ" ከም ምዃኖም መጠን፣ ብፍላይ ኣብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ቦታታት ርክባትን ድልድላትን ንምህናጽ ክጽዕሩ ኣለዎም ክብሉ እውን ተማሕጸኑ።

ቅብኣተ ጵጵስና ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኣቡነ ኪዚቶ
ቅብኣተ ጵጵስና ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኣቡነ ኪዚቶ

ዘየቋርጽ ጸሎትን ልግስን

እዞም ሓድሽ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር፣ "ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከየየቋረጹ ከማልዱን መስዋእቲ ህዝቢ ምእንቲ ኼቕርቦን" በዚ ኸምዚ ድማ፣ "ልኡኽ ናይቲ መጓሰ ኣብ ቅድሚ ኣቦ" ምእንቲ ኪኾኑ እውን ማእከል ናይቲ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ዘካፈልዎ ስብከት ቃልኣምላኽ ምእንትኦም ምጽላይ ዝብል መልእኽቲ ኢዩ ዝንበሮ።

በዚ ኸምዚ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኪዚቶ፣ "እምነቶም ምእንቲ ኽትዓቢ፣ ተኣማንነቶም ምእንቲ ኽትድልድል፣ ንኣምላኽ ዘላቶም ፍቕሪ ምእንቲ ኽትዕምብብ" ንምእመናን ክጓስዮም ኣለዎ። እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ እዞም ሓድሽ ኑንቺዮ ምስቲ ነቶም ዝጠፍኡ ወይ ካብቲ መጓሰ ዝረሓቁ ዘይርስዖ ሕያዋይ ጓሳ ብምስምማዕ፣ ነቲ ክርስቶስ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ልግሲ ንምግላጽ ወትሩ ድሉው ክኾኑ ኣለዎም።

ኣብ መወዳእታ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፣ ነቶም ሓድሽ ሊቀ ጳጳሳት ናብ እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያምን፣ ናብቶም ሰማእታት ኡጋንዳን ሕድሪ ኣወፈይዎም፣ ሓደ ኻብዞም ሰማዕታት ኡጋዳ ዝነኣሰ ዝነብረ፣ እቲ ኣብ መበል 14 ዓመት ዕድሚኡ ሰማእት ዝኾነ  እዞም ሓድሽ ሊቀ ጳጳሳት ኪዚቶ ስሙ ዝተሰከሙ ብምዃኖም ድማ ኢዩ ዝንበረ።

10 Mar 2026, 11:15