ድለ

2026.03.03 ካርዲናል ፓሮሊን፡ እግዚኣብሔር ኣጽዋር ስቕ ኣቢሉ ንደቂ ሰባት ይዓርቕ! 2026.03.03 ካርዲናል ፓሮሊን፡ እግዚኣብሔር ኣጽዋር ስቕ ኣቢሉ ንደቂ ሰባት ይዓርቕ! 

ካርዲናል ፓሮሊን፡ እግዚኣብሔር ኣጽዋር ስቕ ኣቢሉ ንደቂ ሰባት ይዓርቕ!

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ስግረ መናድቕ ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ብምኽንያት መበል 100 ዓመት ዝኽሪ ናይቲ ኣብ 1926 ንናይ ሓይሊ ምክልኻል ኣባላት ሓዋርያዊ ጉስነት ዝሓልይ ስርዓት መደበይና ጳጳስ ቅዋመ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዝሰርዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ዕለት 3 መጋቢት ስግረ መናድቕ ሮማ ኣብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ከም ኣካል ናይቲ ንመበል ሚእቲ ዓመት ምምስራት ወተሃደራዊ ስርዓት መደበይና ሓዋርያዊ ጉስነት ኢጣልያ ንምዝካር መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዝሰርዑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ናይ ሓይሊ ምክልኻል ኣባላትን ኣባይቲ ስድራኦምን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝሓልይ መንፈሳውን ሃይማኖታውን ሓገዝ ዘቕርብ መደበይና ጳጳሳዊ ስርዓት ኣብ 1926 ዝቖመ ኮይኑ፡ ብጹዕነቶም ኣባላት ወተሃድራዊ ሓይሊ ጸጥታን ሰራዊት ኢጣሊያን፡ ጉዳያት ግብርን ገንዘብን ዝከታተል ሓይሊ ጸጥታን ሓይሊ ኣየርን ሓይሊ ባሕርን ኣሳቲፉ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ መሪሖም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፡ “ኣብዚ ኩላትና እንፈልጦ ጽንኩር ህሞት እዚ ጐይታ ኣጽዋር ስቕ ኣቢሉ ንደቂ ሰባት ዕርቂ ከውርድ ንልምኖ” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ኣፍሊጡ።

ናይ መስቀልን ኣገልግሎትን ስነ - መጐት

ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ናይ ዕለቱ ካብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕ. 23, 1 - 12 እተወስደ ነቲ ኢየሱስ ንሃይማኖታዊ ኣነባብራን ኣካይዳን ፈሪሳውያን ዝትንትን ዘስመዖ መደረ መሰረት ገይሮም - እዚ ድማ ንኣገልግሎት ናይቶም ንሓይሊ ምክልኻል ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘቅርቡን ዘገልግሉን ካህናት ኣስተንፍሶ ክከውን ከም ዘለዎ ኣተሓሳሲቦም፡ “እቲ ተሪር ቃል ወንጌል፡ ኣብ ልዕሊ ‘ካልኦት’ ዝቀርብ ክሲ ኮይኑ ዝተርፍ ዘይኮነስ፡ ንነፍሲ ወከፍና መዐቀኒ ኣካይዳና ክከውን ኣለዎ።  ናብ ቅኑዕ ትሕትናን፡ ናብ ሓደ ብኣገልግሎት ዝግለጽ ስልጣን፡ ዘየብል ወይ ኣቓልቦ ዘይሓትት፡ ግን ከኣ ዘሰንየናን ዝመርሓናን ህላወ ይጽውዓና” እንክብሉ ኣብሪሆም፡ መስቀል “ናይ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያናዊ ስልጣን ረባሕታ” ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ውሽጢ እዚ ስነ - መጐት’ዚ፡ ተልእኾ ንናይ ሓይሊ ምልኻል ኣባላት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝሓልይ መደበይና ስርዓት ኣብዚ ናይ ሎሚ ኣህጉራዊ ኵነታት’ውን ንምርዳእ ዝከኣል እዩ፡ እዚ ድማ ብቐጻሊ ብግርጭታትን ዝያዳ ዝተሓላለኸ ስነ ፖለቲካዊ ኣቀማምጣ መልክዓ ምጥርን ዝልለይ ዓለም ስነ ምግባራዊ መመያ ኣዚዩ ዝተሓላለኸ ይገብሮ። ቤተ-ክርስትያን "ገርሀይና ኣልቦ ኣጽዋር ዝብል ኣምር ዘይኰነስ ከም ትዕግስቲ ናይ ፍትሕን ምይይጥን ምክልኻል መሰላትን ጌርካ ዚርአ ባህሊ ሰላም ካብ ምስፋሕ ኣይተቛርጽን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጽሞና ዝዓሰሎ ቅኑዕነት ናይ ምስማዕ መንፈስ

ካርዲናል ፓሮሊን ናብቲ ናይ ዕለቱ ወንጌል ክፍሊ ተመሊሶም፡ ኢየሱስ ዘስመረሉ ክውገድ ዘለዎ እቲ ናይ መጀመሪያ ናይ ፈሪሳውያን ቅኑዕና ዘይምህላው ምልከት ምዃኑ ኣመልኪቶም። እምበኣር ተልእኾ ናይቶም ኣብ ሓይሊ ምልክኻል ሓዋርያዊ ጉስነት ዘሳልጡ ካህናት “ጽሞናዊ ቅንዕና - ከይፈረድካ ምስማዕ፡ ብዘይ እደ ኣታውነት ምድጋፍ፡ ብዘይ ግብረ ገባዊ ፍርዲ ብዛዕባ ኣምላኽ ምዝራብ” ዝብል ምዃኑ ኣጒሊሖም፣ እቲ ካልኣይ “ክብተኽ ዘለዎ” ጉዳይ ድማ ምርዳእ ሕጊ ዝምልከት ኮይኑ፣ እዚ ድማ ፈሪሳውያን ነቲ ኣብ መንኮብ ካልኦት ዘንብርዎ ከቢድ ጾር ዝውክል ምዃኑ ኣብሪሆም፡ “ኣብቲ ድሮ ብስነ ስርዓትን ከቢድ ሓላፍነትን ዝተለለየ ወተሃደራዊ ኵነታት፡ ህላወ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ልዕሊ ጾር ካልእ ጾር ዝውስኽ ክኸውን የብሉን። ካህን መተንፈሲ ቦታ፡ ናይ ምስትውዓል ቦታ፡ ተኣዛዝነት ድማ ዘይሓላፍነታውነት ከይከውን፡ ስነ-  ስርዓት ናብ ቅጽበታዊ ግብረ ገባውነት ከይቅየር ንሕልና ዘብርህ ብጻይ ክኸውን ይጽዋዕ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣብሪሁ።

እቲ ኣዝዩ ቅዱስ ቦታ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት

“ሕልና” ከምቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ ውሳኔ ሓሴትን ተስፋስን ዝገልጾ - “ናይ ሓደ ሰብ ኣዝዩ ምስጢራዊ ሕመረትን ቤተ መቕደስን እዩ፣ ነፍሲ ወከፍ ሰብ በይኑ ምስ እግዚኣብሔር ዝራኸበሉ እዩ።” ዕማም ቤተ ክርስቲያን እምበኣር “ነዚ ዘይግሃስ ቦታ ሰብኣውነት - ሰብ ምሕላውን ምብራህን እዩ” ዝበሉ ካርዲናል ፓሮሊን - ካብዚ ተልእኾ ናይቶም ኣብ ጎኒ ወተሃደራዊ ኣባላት ዝነብሩ ካህናት እውን ምልኩት ይኸውን። “ሓላፍነትን ውሽጣዊ ናጽነትን ክመሃሩ” ኣለዎም። ወተሃደራት ኣብቲ ዘገልግሉሉ ከቢድ ኵነታት “ጭቡጥ ምልክት ኣደነት ቤተ ክርስቲያን ክኾኑ ኣለዎም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ምኽባር

እቲ ሳልሳይ ክብተኽ ዘለዎ ኣብ ህዝባዊ ህይወት ፈሪሳውያን ዝርአ ትዕቢት ምዃኑ ካርዲናል ፓሮሊን ኣስሚሮም፡ ኢየሱስ ከም ዝገልጾ ድማ ፈሪሳውያን ኵሉ እቲ ዚገብርዎ ነገራት "ብኻልኦት ምእንቲ ክውደሱን ክድነቑን" ምዃኑ ገሊጾም፡ እዚ ኣብ ሓይሊ ምክልኻል ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘካይዱ ካህናት ከጋጥሞም ዝኽእል ፈተና ምዃኑ ኣጒሊሖም - "ብኻል ክትረኣን ንምስሊ ምግዳስን ንኽትረአ ምድላይን ክህሉ ካብ ዝብል ፈተናታት ምጥንቃቕ የድሊ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ "እቲ ካባኻትኩም ዚዓቢ ኣገልጋሊኹም ይኹን" ዚብል ትምህርቲ ክርስቶስ ዘኪሮም፡ እዚ ኣቀራርባ እዚ ነቲ ጳጳሳዊ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓልዮ ንኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ከነቓቕሖ ዘለዎ ኣቀራርባ ኢዩ። ንጸዋዕታኡ እሙን ክኸውን ዝኽእል መዋቕር ብምድልዳል ወይ ትርኢት ብምድላይ ዘይኰነስ ብርታዐን ሓላፍነትን ሓድነት ንመንግስቲ ኣምላኽ ተኣማንነት ከምኡውን ንዘይግሃስ ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ምኽባር ዝኽእል ብሱል ምስትውዓል ብምምዕባል" ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ ኣብ ኲናት ብፍላይ "ወተሃደራዊ ሕልና" ምዕቃብን "ምክንኻንን" ኣገዳሲ እዩ፣ ከመይሲ እዚ "ኣብ ማእከል ግጭት እውን ከይተረፈ ንሰብኣዊ ክብረት ምኽባር ኣብ ሓደጋ ዘእትወሉ ወሳኒ ቦታ ብምዃኑ” እንክብሉ ከም ዘብርሁ የመላኽት።

ዓወት ኣብ ልዕሊ ዓመጽ

ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ኣብ መዛዘሚ ስብከቶም፡ "እቲ ኣብ በዓለ ትንሳኤ ንዅሉ ዓመጻ ስዒሩ ንዓለም ምስ ርእሱ ዘተዓረቐ ጐይታ ንኣገልግሎትኩም ዜተኣማምን ምልክት ፍትሕን ሰላምን” ክገብሮን ከምኡ እውን ምእንቲ ሰላምን” ንጸሊ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ካብ ወርሒ ሚያዝያ 2025 ኣትሒዞም ናይ ኢጣሊያ ሓይሊ ምክልኻል ሓዋርያዊ ጉስነት ዝሓልይ መደበይና ጳጳስ ኮይኖም ዝተሰምዩ ሊቀ ጳጳሳት ጃን ፍራንኮ ሳባ ቅድሚ እቲ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ንዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ፓሮሊን ሰላምታ ኣቕሪቦም፡ ብዛዕባ እቶም ኣብ ኣህጉራዊ ተልእኾ ንዘገልግሉ ወተሃደራት - "ኣብ ዓለም ዘሎ ግጭታት ክንርኢ እንኮሎና ድምጽና ምእንቲ ቝሱላት ነቶም ኣብ ወጻኢ ዘገልግሉ ወተሃደራት ንስድራ ቤቶም ከምኡውን ንመራሕቲ ኣህዛብ ጸሎት ይኹን" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካ ይሕብር።

04 Mar 2026, 15:34