++ Parolin, forse non come prima ma Papa torner� a governare ++ ++ Parolin, forse non come prima ma Papa torner� a governare ++  (ANSA)

ካርዲናል ፓሮሊን፦ ኣብ መንእሰያት ወፍሪ ግበሪ፣ 'ግዳይ' ንኸይኰኑ ድማ ተኸላኸሉሎም

ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን፣ ኣብታ ኣብ ጥቓ ከተማ ሮማ እትርከብ ሳክሮፋኖ እተሰምየት ከተማ፣ ኣብ ዝርከብ መንበረ እንግዶት ኣብ ዘቕረብዎ መደረ፣ ንመንእሰያት ዘጋጥሞም ዘሎ ሓደጋታት እንተላይ ውግእን፡ ጥሩፍነትን፡ ናይ ስደት ብድሆታትን፡ ትሑት መጠን ወሊድን ብምግላጽ፣ ናይ ሓቀይና ተስፋ ክቐርበሎም ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሑ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን ዝሓለፈ ሰሉስ ድሕሪ ቐትሪ፣ ኣብቲ ሕጂ ንራብዓይ ግዜ ዝካየድ ዘሎ ባህላውን ትምህርታውን ፍጻመ "መንበረ እንግዶት" እተሰምየ ዓውደ ጉባኤ መደረ ኣቕሪቦም። ኣብዚ ዓመት እዚ ኣብ ሳክሮፋኖ ኣብ ዝርከብ ቤት ኣጋይሽ “ፍራተርና ዶሙስ” ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ብዛዕባ መንእሰያትን ቤተ-ክርስትያንን ዘተኰረ ኮይኑ፣ ንዋንነት ዘተባብዕ እንግዶት ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ኢዩ ተኻየዱ። እዚ ዓውደ ጉባኤ እዚ ምስ ናይ ሮማ ጳጳሳዊ መንበረ ጠበብ ላተራን ብምትሕብባር፣ ብምንቅስቓሳትን ሳልሳይ ክፍል ውድባትን እተወደበ ዀይኑ፣ ብዛዕባ ህሉው ጕዳያት ንምምይያጥን ንምስትንታንን ቦታ ይህብ ኣኼባ ኢዩ ዝንበረ።

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዘካፈልዎ ሓሳባት መንእሰያት ግዳያት ግጭታት ምዃኖምን፣ ኣብ ዩክረይን ወይ ኣብ ዞባታት ኣፍሪቃ ኣብ ውግእ ክሳተፉ ከም ዝግደዱን ኣጕልሑ። ኣጋጣሚታት ስለ ዘይብሎም ንጥሩፍነትን ንካልእ "ፈተናታትን" ብቐሊሉ ግዳያት ከም ዝኾኑ ድማ ኣመልከቱ። መንእሰያት ካብ ፍርሂ ተላዒሎም፣ ውሉድ ካብ ምፍራይ ይቝጠቡን፣ ከቢድ ሓላፍነታት ኪስከሙ ብዘይምኽኣሎም የማርሩን፣ ወይ ከኣ ካብ ክውንነት ርሒቖም ኣብ ምናባዊ ዓለም ክዕቈቡ ይደልዩ ኣለዉ ክብሉ እውን ኣስፊሖም ገሊጾም። ብፁዕነቶም ከም ዝገለጽዎ እቶም ኣብ ሕብረተሰብ ክጽምበሩ ዘይከኣሉን ዘይተሰምዖም ኰይኑ ዝስምዖምን ወይ መንነቶም ንምርካብ ዝቃለሱ ዘለዉ መንእሰያት ስደተኛታት፣ እንተላይ ክርስትያናዊ መንነቶም ንምርካብ ኣብ ዝገብርዎ ቃልሲ እውን ብዙሕ ብድሆታት የጋጥሞም ኣሎ።

"እዚኣቶም 'ተስፋ' ክንህቦም ዘሎና መንእሰያት እዮም" ክብሉ ድማ ኣትሪሮም ተዛረቡ። ‘ናይ መጻኢ ሰላም' ንምህናጽ 'ወፍርታት' ክንገብርን 'ተዋሳእቲ ኽንገብሮምን' ከአ ኣሎና" ክብሉ ድማ ተላበው።

ስደትን ትሑት መጠን ወሊድን

ካብቲ ናብ ቡርኪናፋሶ ዝገበሮ ጕዕዞ፣ ማለት ናይቶም ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ጋቦንን ሓዋርይዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኮይኖም ከገልግሉ እተመዙ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኪዚቶ ኡድራኦጎ ንነዊሕ እዋን ብሕታዊ ጸሓፊኦም ኮይኖም ዘገልገሉ ቅብዓተ ጵጵስና ብምፍጻም ናብ ሃገረ ቫቲካን ድሕሪ ምምላሶም ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ነዚ ዓውደ ጉባኤ እዚ ብዕሊ ከፈትዎ።

ጐኒ ጐኒ እቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘካፈልዎ መግለጺ ድማ "ብሰንኪ ውጥረት ተዓኒድና ተሪፍና ኣሎና" በሉ።

እቲ መደረኦም ድማ ካብ ዘረባ ንላዕሊ፣ ምስ እቲ ፕሮፌሰር ቪንቸንዞ ቦናሞ ዝገብርዎ ምልልስ፣ ነቲ ንመንእሰያት ዝነብሩሉ ዘለዉ ዅነታት ብምምርማር፣ ኣበርክቶኦም ብምዕዛብ፣ ጉድለታቶም ብምምልካት፣ ኣብ ተሳትፎን ተግባርን ዘሎ ጸገማትን ከምኡውን ነቲ ዝጸልዎም ወይ ዘጥቅዖም ዘሎ ፍጻመታት ኣብ ምጉላሕ ዝዓለመ ኢዩ ዝንበረ።

ካብዞም ጸገማት እዚኣቶም እቲ ቐዳማይ ስደትን ከምኡ ውን ናይ ስደተይናታት ምስቲ ዝነበሩሉ ዘለዉ ሕብወተሰብ ዘይምትሕውዋስን እዩ ብምባል ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፣ እዚ ድማ "ዘይተፈትሐ ብድሆታት" ኢዩ ክብሉ ገለጽዎ። ኣብ እተፈላለያ ሃገራት እተፈላለየ ጻዕርታት እኳ እንተ ተገብረ "ዜዕግብ መፍትሒ ንምርካብ ተወሳኺ ኣስተንትኖታትን ወፈያታትን የድሊ ኣሎ" ክብሉ ድማ ተማሕጸኑ።

ቀጺሎም ድማ ትሑት መጠን ወሊድ እቲ ካልኣይ ጸገም መንእሰያት ምዃኑ ጠቀሱ። ብፁዕነቶም ከም ዝገለጽዎ፣ "ብኣንጻሩ እኳ ደአስ እቲ ንመጻኢ ክኽፈት ዝነበሮ ኢዩ፣ እንተኾነ ግን ክምኡ ኣይኮነን ዘሎ" በሉ። "መንእሰያት ህይወት ንምፍራይ ዜጸግምዎ" ምዃኑ እውን ኣመልከቱ፣ "ውግእ ብዛዕባ መጻኢ ፍርሂ የጐሃህር ኢዩ ዘሎ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ውሉድ ናብ ዓለም ንምውላድ ፍቓደኛታት ኣይኰኑን ዘለዉ" በሉ።

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣስዒቦም፣ "እዚ ሓፈሻዊ ሻቕሎት እዚ ንዅሎም ናይ መጻኢ ወለዶታት ኣብ ሓደጋ ኼእቱ ዝኽእል እዩ" ክብሉ ኣጠንቀቑ። "ስቓይን ጸገማትን ከምጽእ ዝኽእል መጻኢ ምፍራህ፣ ነቲ ውሉድ ንምውላድ ድላይ ዘይብሎም ምዃኖም ድማ ብዝበለጸ ይጸልዎ ኣሎ። ውሉድ ኸም ጾር፡ ናይ ነጻነት ደረት ጌርካ እንተ ተቘጺሩ ሓድሽ ህይወት ኣይኪህሉን እዩ" ድማ በሉ።

ወሲኾም ድማ ከምዚ ክብሉ ሕቶ ኣቕረቡ፣ "እቲ ዝዓበየ ኣገዳስነት እንታይ እዩ? ተኽእሎታትካ ብምጻሕ? ወይስ ናይ ገዛእ ርእስኻ ህያባት ምምላእ? ሓደ ውሉድ ኣብ ማሕበራዊ ኣሳልጦ ደረት ከም ዘለዎ ጌርካ እንተ ተራእዩ፣ እቲ ናብ ሓድሽ ህይወት ዝመርሕ መገዲ ተዓጽዩ ኣሎ ማለት እዩ" ድማ በሉ።

ናይ ጥሩፍነት ሓደጋ

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ብቕጻል፣ "እዚ ተርእዮ እዚ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ልሙድ ኮይኑ ኣሎ" ብምባል ኣህጉር ኣፍሪቃ ግን "ብቕልጡፍ ትዓቢ ኣላ" በሉ። "መንእሰያት ትምህርትን ስራሕን ኣጋጣሚታትን ምስ ዘይህልዎም ግዳያት ጥሩፍነት ስለ ዚዀኑ፣ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ፈተናታት ብቐሊሉ ስለ ዝገጥምዎ፣ ንመጻኢ ተስፋ ክህልዎም ኣለዎ" በሉ።

ወሲኾም ድማ "ኣብ ውግኣት ዝሳተፉ ዘለዉ መንእሰያት ኢዮም፣ ናብ ግንባር ዝኸዱ እውን ንሶም ኢዪም" ብምባል፣ ነቲ "ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ እተረስዐ ውግኣትን" ከምኡውን ነቲ ኣብ ዩክረይን ዝቕጽል ዘሎ ውግእን ጠቒሶም።

ኣብ ተቕዋማት ዝያዳ ስፍራ ክህሉ

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣስዒቦም ከም ዝገለጽዎ፣ እቶም "ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ጥራይ ኣብ ዝርርብን ዘተታትን ይሳተፉ ምህላዎም" ብምጥቃስ፣ "መንእሰያት መጻኢ ንዓታቶም ዝምልከት ስለ ዝኾነ ጥራይ  ዘይኰነስ መፍትሒ ካባታቶም ክመጽእ ስለ ዝኽእል እውን፣ ብዝያዳ ክሳተፉ ኣለዎም" ብምባል ኣጕልሑ።

በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፣ "ኣብ ትካላት ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣህጉራውያን ተቕዋማት፣ ነቲ መንእሰያት ኪገብርዎ ዚኽእሉ ኣበርክቶ ዝያዳ ግልጽነት ኪግበረሉ ከም ዘለዎ" ጻውዒት ኣቕረቡ። ብፁዕነቶም ከም ዝገለጽዎ፣ "ኣህጉራዊ ትካላት ክሕደሱ ኣለዎም፣ ምኽንያቱ እዚ ዘሎናዮ ዅነታት ድሕሪ ዝሑል ኲናት ወይ ድሕሪ እቲ ውግኣት ከም ዝንበረ እዋን ስለ ዘይኰነ፣ መንእሰያት ንዝገብርዎ ኣበርክቶ ኣርዚኖም ክሓስቡ ከም ዘለዎ ኮይኑ ኢዩ ዝምዓኒ። ዕድላት ጽቡቕ ሥነ ትምህርቲ ዝረኸቡ መንእሰያት ኣብ ተቕዋማት ክህልዉ የድልየና ኣሎ" ድማ በሉ።

ስምዒት ብቑዕ ዘይምዃን

ብዙሓት መንእሰያት፣ "ዘይብቝዓት ዀይኑ ዝስምዖም ዕዮ ኺፍጽሙ ስለ እተጸውዑ፣ ከም ሓደ ዓብዪ ተስፋ ክቖጽርዎ እዮም። ነዚ ብቝዕ ብዘይምዃካ ዝስምዓካ ስምዒት እውን ክሰግርዎ ኢዮም" በሉ ካርዲናል ፓሮሊን።

ቀጺሎም ድማ እቲ ነዚ መፍትሒ ክኸውን ዝኽል ብቕልል ዝበለ ሓሳባ ኢዮም ዘቕረብዎ፦ "ዝኾነ ሰብ ብናጻ ኼፍቅሮም ኣለዎ፣ ሓደ ሰብ ካብ ኣበርክቶኦም ንላዕሊ ዜፍቅሮም ሰብ ክረኽቡ ኣለዎም። ንዓና እውን ፍረና ብዘየገድስ ዜፍቅረና ኣምላኽ ኣሎና" በሉ።

መንእሰያት ኣወዳትን ኣዋልድን፣ ነቲ "ፍጽምና ዘይደሊ ግናኸ ካብቲ ከነፍርዮ እንኽእል ንላዕሊ ዜፍቅረናን ኣኽቢሩ ዝርእየናን ኣምላኽ" ክረኽብዎ ኣለዎ።

ምትሕልላፍ ዋጋታት

ቀጺሎም ድማ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፣ መንእሰያት 'ክርስትያናዊ መንነት ኬማዕብሉ' ከምኡውን ነቲ ኣብ ሓደ እዋን ንስድራ ቤትን ንቤት ትምህርትን ንሰበኻታትን ዘማእክል ዝነበረ "ምትሕልላፍ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት" እንደገና ህያው ክገብሩ ምትብባዕ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣመልከቱ። ሎሚ ግን "ኣብ መንጎ እዘን ኣካላት እዚኣተን ናይ ምንቅስቓሳት ምትሕብባር የለን" ክብሉ ብፁዕነቶም ገሊጾም።

ኣስዕብ ኣቢሎም’ውን መብዛሕትኡ ግዜ እቶም "ጸላእቲ"፣ "ኣብ ውሽጢ ቤት" ኢዮም ዘለዉ፣ ከመይሲ "መንእሰያት ነቲ ዘይንፈልጦ ክውንነት ንምርኣይ ተሌፎን ኣልዒሎም ጥራይ ኢዮም ሃሰስ ዝብሉ ዘለዉ።" ስለዚ ኣብ ርእሲ እምነትን ስነ-ምግባራዊ ስርዓታትን 'ንህይወት መንእሰያት ንምትብባዕ'፣ "ተሰማዕነት ዘለዎም ሰባት" የድልዩ ኣለዉ።

ተጸምዶ ቤተክርስትያን

ቤተ-ክርስትያን "ክልተ ዓይነት ኣቀራርባ" ክትጥቀም ኣለዋ፣ እቲ ቀዳማይ "ምስማዕ" እንክኸውን፣ ንመንእሰያት ንምስማዕ መገድታትን ኣጋጣሚታትን ምርካብ ኢዩ። እቲ ካልኣይ ድማ "ኣብ ጕዕዞኦምን ጸገማቶምን ምስናይ" ኢዩ በሉ።

"ቤተ-ክርስትያን ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ መንእሰያት ብቐሊሉ ክተሓብሩላ ዝኽእሉ ሃዋህው ክትከውን ትኽእል እያ" በሉ። ካቶሊካውያን ኣብያተ-ትምህርቲ ከም ናይ ምውህሃድ መሳርሒ ዀይነን ከገልግላ ከም ዝኽእላ እውን ኣመልከቱ።

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ መደምደምታ፣ "ከም ካቶሊካውያን መጠን ክንሰምዖም ክፉታት ክንከውን ኣሎና። በዚ ኸምዚ ጥራይ ኢና ንዓታቶምን ንመዛኑኦምን ገዛእ ርእስና ከነውፍየሎም እንኽእል።"

12 Mar 2026, 13:03